ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብዚ ዚስዕብ ተመክሮታት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ህይወት ሰባት ናብ ዝሓሸ ብኸመይ ከም ዚቕይር ርአ።

ትርጉም ዘለዎ ህይወት

ብኸመይ ዜሐጕስ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመርኩ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ኻብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ምስ ስምዒታቱ ዚቃለስ ዝነበረ ሰብኣይ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ርአ።

ናይ ሓቂ ሃብቲ ረኺበ

ሓደ ዕዉት ኣካያዲ ስራሕ ካብ ሃብትን ገንዘብን ዚበልጽ ነገር ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

ዃን ፓብሎ ዘርመኞ፦ የሆዋ፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ሂቡኒ

ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ሕማቕ ነገር፡ ንነዊሕ ግዜ ዚቕጽል ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል እዩ። ዃን ፓብሎ ሕማቕ ቍልዕነት ኣሕሊፉ ኽነሱ፡ ብኸመይ ኣብ ህይወቱ ናይ ሓቂ ትርጉምን ሰላምን ሓጐስን ከም ዝረኸበ ርአ።

እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተገብረልና ሰላምታ ፈጺምና ኣይንርስዖን ኢና

ስቲቭ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተኣከበ፡ ነቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተገብረሉ ኣቀባብላ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚዝክሮ።

ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ጽልኢ ኽትዕወት ትኽእል ድያ፧

ንጽልኢ ምውጋድ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ኣይሁዳውን ሓደ ፍልስጥኤማውን ብኸመይ ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዝኸኣሉ ርአ።

በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታት ህይወት ዚህቦ ርትዓዊ መልሲ ተመሲጠ

አርነስት ሎይዲ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ረኸበ። እቲ ንጹር መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ሂብዎ እዩ።

ክትሳቐ ኸለኻ ተስፋ ኣይትቝረጽ

ዶሪስ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ስቓይ ኪህሉ ኸም ዝፈቐደ ሕቶ ነበራ። ካብ ዘይሓሰበቶ ምንጪ ድማ መልሲ ረኸበት።

ንህይወተይ ዝቐየራኦ ሰለስተ ሕቶ

ዶሪስ ኤልድረድ ዝስማ መምህር ብዛዕባ ህይወት ዝነበራ ኣገዳሲ ሕቶታት ካብ ተመሃሪታ ዜዕግብ መልሲ ረኸበት።

ክመውት ኣይደልን እየ ነይረ!

ኢቮን ኵዋሪ ሓደ እዋን፡ ‘ንምንታይ እየ ተፈጢረ፧’ ኢላ ሓተተት። እቲ ዝረኸበቶ ምላሽ ድማ ንህይወታ ቐየሮ።

የሆዋ ብዙሕ እዩ ገይሩለይ

ነታ ብቝልዕነታ ጾታዊ ማህሰይቲ ዝወረዳ ክሪስታል ዝስማ ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ክትሃንጽን ህይወታ ትርጉም ዘለዎ ኪኸውንን ዝሓገዛ ኣየናይ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፧

ደጊም ብገዛእ ርእሰይ ኣይሓፍርን እየ

ኢዝራኤል ማርቲነዝ ነቲ ዚስምዖ ዝነበረ ስምዒት ትሑትነት ኪዋጽኣሉን ንገዛእ ርእሱ ኣኽብሮት ኪህልዎን ዝኸኣለ ብኸመይ ምዃኑ ፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ምስ ኣቦይ ሓደ ዄንና

ረኔ ስለምንታይ ሓሽሽ ክወስድን ኣልኮላዊ መስተ ኼብዝሕን ከም ዝጀመረ፡ ካብዚ ድማ ከመይ ገይሩ ናጻ ኸም ዝወጸ ፍለጥ።

ሕጂ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ

ሁልዮ ኮርዮ ዜሕዝን ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣምላኽ ዘይግደሰሉ ዀይኑ ተሰምዖ። ዘጸኣት 3:7 ኣረኣእያኡ ንኪቕይር ሓገዘቶ።

ኣብ ርእሰይ ጥራይ እየ ዘተኵር ነይረ

ክሪስቶፍ ባውር ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ዀይኑ ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ጕዕዞ ኺገብር ከሎ፡ ንግዜኡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ተጠቕመሉ። እንታይ እዩ ተማሂሩ፧

ምስ ዘይፍትሓውነት ክቃለስ እደሊ ነይረ

ራፊካ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምስፋን ምስ ዚቃለሱ ጕጅለ ተጸምቢራ ነይራ እያ። ነቲ እትደልዮ ዝነበረት ነገር ግና፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እተምጽኦ ሰላምን ፍትሕን ዜተስፉ ተስፋ እያ ረኺባቶ።

“ሕጂ፡ ንዓለም ክቕይራ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ”

ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዚቃለስ ዝነበረ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዑ ብዛዕባ ምንጪ እቲ ንደቂ ሰብ ዚኸውን ናይ ሓቂ ለውጢ እተማህረ ብኸመይ እዩ፧

ብረተይ ኣውሪደ

ሲንዲ ሳላ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልእኽቲ፡ ባህርያታ ብኸመይ ናብ ጽቡቕ ከም እተለወጠ ርአ።

ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይኣምንን እየ ነይረ

ህይወቱ ብኽልተ ስነ ሓሳብ፡ ማለት ብኣምላኽ ዘይምእማንን ብኮምዩኒዝምን ተጸልዩ ዝነበረ ሰብ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከማስወሉ ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር​—ሕዳር 2012

ሓንቲ ዕውትቲ ብዓልቲ ሞያ፡ ሓደ ተጣላዒ ኸምኡ እውን ሓደ ብህይወት ተስፋ ዝቘረጸ ሰብኣይ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዝረኸቡ ብኸመይ እዮም፧

እምነቶም ቀዪሮም

“መልሲ ዘይረኸብኩሉ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ”

እቲ ቐሺ ዝነበረ ማርዮ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኸም ዚምህሩ ዘእመኖ እንታይ እዩ፧

ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልሲ ኽረክብ ንዝነበረኒ ጽምኢ ኣርወየለይ

መይሊ ጕንደል ኣቦኣ ምስ ሞተ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኣቋረጸቶ። ናይ ሓቂ እምነትን ውሽጣዊ ሰላምን ክትረክብ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

ንዅሉ ሕቶታተይ ብመጽሓፍ ቅዱስ መለሱለይ

ኢሶሊና ላሜላ ድንግል ካቶሊክ ነበረት፡ ጸኒሓ ኸኣ ኮምዩኒስት ኰነት። ግናኸ፡ ክልቲኡ ተስፋ ኣቝሪጽዋ እዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት እሞ፡ ብዛዕባ ህይወት ንጹር ዕላማ ንኽትረክብ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ሓገዝዋ።

“ክብርቲ ሉል” ረኺቦም

ሜሪን ብዩርንን ብእተፈላለየ መገዲ፡ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ረኸቡ። እዚ ንህይወቶም ብኸመይ ቀዪርዎ፧

ብሃይማኖት ተስፋ ቘሪጸ ነይረ

ቶም ብኣምላኽ ኪኣምን ይደሊ ነይሩ፣ ብሃይማኖትን በቲ ባዶ ጽምብላቱን ግና ተስፋ ቘሪጹ ነይሩ። እሞ ደኣ ብኸመይ እዩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንተስፋኡ ዘለምለመሉ፧

‘የሆዋ ኣይረስዓንን’

እዛ ውፍይቲ ሃይማኖተኛ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ነቲ ስለምንታይ ከም እንመውትን ድሕሪ ሞት እንታይ ከም ዜጋጥመናን ዚገልጽ ሕቶታታ ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ረኺባ። ሓቂ ንህይወታ ብኸመይ ከም ዝቐየሮ ፍለጥ።

‘ቀሺ ክኸውን እምነ ነበርኩ’

ሮበርቶ ፓቼኮ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ፡ ቀሺ ክኸውን ሸቶ ነበሮ። ንህይወቱ ዝቐየሮ እንታይ ምዃኑ ርአ።

“ንሓቂ ኽምርምራ እዮም ዚደልዩኒ ነይሮም”

ሉዊስ ኣሊፎንሶ ሚስዮናዊ ሞርሞን ኪኸውን ይደሊ ነበረ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሸቶኡን ንህይወቱን ዝቐየሮ ብኸመይ እዩ፧

ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን

“ደጊም ባርያ ዓመጻ ኣይኰንኩን”

ማይክል ከንዝል፡ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ዝጀመረላ መዓልቲ፡ “ኣምላኽ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ኣምላኽ ተሓታቲ ድዩ፧” ዚብል ሕቶ ቐረበሉ። እዚ ድማ ናይ ህይወቱ ነጥበ መቐይሮ ዀነ።

ህይወተይ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ነይሩ

ሶሎሞነ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዝገዓዘሉ እዋን ዝሓሸ ህይወት ኪረክብ ተስፋ ገይሩ ነይሩ እዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ሓሽሽ እዩ ኺወስድ ጀሚሩ፣ ኣብ መወዳእታኡ እውን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርብዩ። እሞ ደኣ እንታይ እዩ ህይወቱ ኼዐሪ ሓጊዝዎ፧

ኣብ ጐደናታት እሓድር ነይረ

እቲ ዓመጽን ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ዝመልኦ ህይወት ኣንቶንዮ፡ ህይወት ዕላማ ኸም ዘይብላ ገይሩ ናብ ምሕሳብ መርሖ። ንኣተሓሳስባኡ ዝቐየሮ እንታይ እዩ፧

ንደቂ ኣንስትዮን ንርእሰይን ምኽባር ተማሂረ

ጆሴፍ ኢረንቦገን ንህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ዝለወጦ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበበ።

“ህይወተይ ናበይ ተምርሕ ከም ዘላ ኣርዚነ ኽሓስብ ጀመርኩ”

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ሰብኣይ ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ኼብሎ፡ ኣመላቱን ኣተሓሳስባኡን ንኪቕይር ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

ኣነባብራይ ሰልክዩኒ ነይሩ

ድሚትሪ ኮርሹኖቭ ውሉፍ ኣልኮላዊ መስተ እዩ ነይሩ፣ ድሕሪ ግዜ ግና መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኼንብብ ጀመረ። ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጢ ኺገብር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር​—ጥቅምቲ 2012

ክልተ ሰባት ንሕማቕ ኣመላት እንተላይ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ሓዲጎም፡ ብኸመይ ናይ ሕጉሳት ኰይኖም፧

“ኣብ መወዳእታኡ ናይ ሓቂ ናጽነት ረኸብኩ”

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ መንእሰይ፡ ሽጋራ ምትካኽን ሓሽሽ ምውሳድን ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ንኼቋርጽ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ኣንብብ።

ገበንን ዓመጻን

‘ገበንን ፍቕሪ ገንዘብን ብዙሕ ስቓይ ኣምጺኡለይ’

ኣርታን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ገንዘብ ዚብሎ ነገር ሓቂ ምዃኑ ፈለጠ።

‘ደጊም ጨካን ሰብ ኣይኰንኩን’

ሰባስትያን ከዪራ፡ ዓመጽን ጸርፍን ኪሓድግ ዝደረኾ እንታይ እዩ ነይሩ፧

“መቓብረይ እየ ዝዅዕት ነይረ”

ንሓደ ቐደም ኣብ ኤል ሳልቫዶር ኣባል ጕጅለ ዓዋሉ ዝነበረ ሰብ ህይወቱ ኪቕይር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

ቍጡዕ እየ ነይረ

ሓደ ቐደም ኣባል ጕጅለ ዓዋሉ ዝነበረ ሰብ፡ እዚ ናይ ሎሚ ህይወቱ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ንምልዋጥ ዘለዎ ሓይሊ ኸም ዜርኢ ይኣምን እዩ። ሕጂ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ርክብ ኣለዎ።

ዝመረሮን ዓመጸኛን እየ ነይረ

ንሓደ ኣብ ጐደና ዚብኣስ ዝነበረ ኣብ መክሲኮ ዚነብር ሰብኣይ፡ ባህርያቱ ኪቕይር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

ንሓንቲ ዓመት ጥራይ እኳ ሰላምን ሓጐስን ኪህበኒ ለመንክዎ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 1:9 ዚርከብ ሓሳብ ንኣላን ብሮጂዮ ተንከዮ

ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ዘስተማቕራ ዝነበርኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ

ፓቨል ፒዛራ፡ ዓመጽን ሓሽሽን ዜዘውትር፡ ጎድኒ ጎድኑ ኸኣ ብትምህርቲ ሕጊ ዝለዓለ ዲግሪ ኺህልዎ ዚመጣጠር ዝነበረ ሰብ እዩ። እቲ ምስ ሾሞንተ ሰብኡት እተባእሰሉ ኣጋጣሚ ግና ኣብ ህይወቱ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ።

ህይወተይ ናብ ዝገደደ ትኸይድ ነበረት

ስቲቨን ማክዱወል ኣዝዩ ቝጡዕ መንእሰይ እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ እቲ ንሱ ዘይፈጸሞ ገበን፡ ህይወቱ ኸም ዚቕይር ገበሮ።

የሆዋ መሓርን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ተመሃርኩ

ንኖርማንድ ፔለትየር፡ ንሰባት ምትላል ከም ወልፊ ሓሽሽ እዩ ዀይንዎ። ይኹን እምበር፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ጥቕሲ ድሕሪ ምንባቡ ነብዐ።

ንዘይፍትሓውነትን ንዓመጻን ባዕለይ ክቃለሶ እጽዕር ነይረ

ኣንትዋን ቱማ ኽኢላ ኩንግ ፉ እዩ ነይሩ፣ ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 4:8 ግና ንህይወቱ ቐዪራቶ።

ብዘይ ሽጉጠይ ኣይንቀሳቐስን እየ ነይረ

ኣኑንሲያቶ ሉጋራ ዕዋላ እዩ ነይሩ፣ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ከደ ግና፡ ህይወቱ ተቐዪሩ።

“ሓያሎ ሰባት ጸልኡኒ”

ሓደ ዓመጸኛ ዝነበረ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐ ብኸመይ ከም እተቐየረ ርአ።

ስፖርትን ሙዚቃን መዘናግዕን

ኵሉ ትምኒተይ ዝረኸብኩ ይመስል ነይሩ

ስቴፋን ዕውትን ውሩይን መንእሰይ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ባዶነት ተሰሚዕዎ፡ ዕግበት እውን ስኢኑ። ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕላማ ህይወትን ብኸመይ ረኺቡ፧

ኣብ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ብሉጽ ሽልማት

ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ሓደ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ተኒስ ነቲ ጽቡቕ ተስፋ ዝነበሮ ሞያ ሓዲጉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዝዀነ፧

“ማርሻል ኣርት ኣዝየ እፈቱ ነይረ”

አርዊን ላምስፋስ ሓደ እዋን ንዓርኩ፡ “ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ መልሲ ንህይወቱ ቐየሮ።

ቅድሚ ምዕዋተይ ብዙሕ ግዜ ወደቕኩ

ሓደ ሰብኣይ ካብ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ኪላቐቕን ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪረክብን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

“ሕማቕ ጠባይ ከም ዝነበረኒ ተገንዘብኩ”

ኢሳ ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸበ፡ ህይወቱ ትርጕም ከም ዚጐድሎ ፈለጠ። እዚ ሙዚቀኛ ሄቪ-ሜታል እዚ፡ ከመይ ገይሩ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዝረኸበ ፍለጥ።

ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ነገር በይዝ ቦል እፈቱ ነይረ

ሳሙኤል ሃሚልቶን ስፖርት ኣመና ይፈቱ ነበረ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንህይወቱ ቐየራ።

“ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዚገልጽ ተስፋ፡ ንህይወተይ ቀዪርዎ”

ህይወት ኢቫርስ ቪጉሊስ፡ ኣብቲ ውድድር ሞተር ብሽክለታ ዜምጽኦ ዝናን ክብርን ውዕዉዕ ስምዒትን ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወቱ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧