ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ደጊም ብገዛእ ርእሰይ ኣይሓፍርን እየ”

“ደጊም ብገዛእ ርእሰይ ኣይሓፍርን እየ”
  • ዓመተ ልደት፦ 1963

  • መበቈል ሃገር፦ መክሲኮ

  • ታሪኽ፦ ግዳም ሓደር፣ ስምዒት ትሑትነት

ሕሉፍ ህይወተይ

 ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ መክሲኮ እትርከብ ሲዩዳድ ኦብሬጎን እየ ተወሊደ፣ ካብ ትሽዓተ ውሉዳት ድማ ሓምሻይ እየ ነይረ። ኣብ ወሰናስን እታ ኸተማ ኢና እንነብር ኔርና፣ ኣቦይ ከኣ ኣካያዲ ሓንቲ ንእሽቶ ቦታ ሕርሻ እዩ ነይሩ። እቲ ቦታ ንምንባር ባህ ዜብል እዩ ነይሩ፣ ስድራና ድማ ስምርትን ሕጕስትን እያ ነይራ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገና ወዲ ሓሙሽተ ኸለኹ፡ ህቦብላ ንፋስ ነቲ ሕርሻና ስለ ዘዕነዎ፡ ናብ ካልእ ከተማ ኽንግዕዝ ነይሩና።

 ኣቦይ ጽቡቕ ኣታዊ ኺረክብ እኳ እንተ ጀመረ፡ ውሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ዀነ። እዚ ድማ ንሓዳሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዓና ንውሉዳቱ እውን ጸልዩና እዩ። እቶም ውሉዳት ዘበልና፡ ካብ ኣቦና እናሰረቕና ሽጋራ ኸነትክኽ ጀመርና። ገና ወዲ ሽዱሽተ ኸለኹ፡ ንፈለማ እዋን ሰኸርኩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ወለደይ ተፈላለዩ፣ ኣነ ኸኣ እቲ ኣመለይ እናገደደ ኸደ።

 ኣደይ ምስ ካልእ ሰብኣይ ክትነብር ምስ ከደት፡ ንዓና እውን ምስኣ ሒዛትና ኸደት። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሰብኣያ ገንዘብ ስለ ዘይህባ፡ እቲ እትረኽቦ ዝነበረት ኣይኣኽለናን እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ፡ ኣነን ኣሕዋተይን ዝረኸብናዮ ስራሕ ንሰርሕ ኔርና፣ ግናኸ፡ እኹል ኣይነበረን። ኣነ ሳእኒ እውልውል ነይረ፣ ባንን ጋዜጣን ማስቲካን ካልእ ነገራትን ድማ እሽቅጥ ነይረ። ኣብቲ ኸተማ ዀለል እናበልኩ፡ ሃብታማት ኣብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ኻብ ዘሎ እንዳ ጐሓፍ ምግቢ እደሊ ነይረ።

 ወዲ ዓሰርተ ምስ ኰንኩ፡ ሓደ ሰብኣይ ምስኡ ዀይነ ኣብቲ ኣብታ ኸተማ ዚርከብ እንዳ ጐሓፍ ክሰርሕ ሓተተኒ። ምስቲ ሰብኣይ ምእንቲ ኽሰርሕ፡ ንትምህርተይ ኣቋረጽክዎ፣ ካብ ገዛ ድማ ወጻእኩ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ ሓንቲ ዶላር ይኸፍለኒ ነይሩ፣ ካብቲ እንዳ ጐሓፍ እተኣከበ ምግቢ ድማ ይህበኒ ነይሩ። ኣብቲ እንዳ ጐሓፍ ብዝረኸብክዎ ነገራት ገይረ ኣብ ዝሰራሕክዋ ንእሽቶ መጽለሊት እቕመጥ ነይረ። ኣብ ከባብየይ ዝነበሩ ሰባት፡ ብዕሉግ ዘረባ ይዛረቡን ርኹስ ናብራ ይነብሩን ነይሮም። ብዙሓት ድማ ውሉፋት ሓሽሽን ሰኽራማትን እዮም ነይሮም። ኣብ ህይወተይ እቲ ዝኸፍአ እዋን እዩ ነይሩ፣ ካብ ፍርሂ እተላዕለ ለይቲ ለይቲ እበኪ ነይረ። ድኻ ስለ ዝነበርኩን ብዙሕ ስለ ዘይተመሃርኩን፡ ኣመና እሓፍር ነይረ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ እንዳ ጐሓፍ ንሰለስተ ዓመት ተቐመጥኩ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ካልእ ከተማ መክሲኮ ገዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ኣብ ሓደ ቦታ ሕርሻ እናሰራሕኩ፡ ዕምባባን ጡጥን ቃንጫ ሽኮርን ድንሽን እኣሪ ነበርኩ።

ንሰለስተ ዓመት ኣብ እንዳ ጐሓፍ ተቐሚጠ

 ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ናብ ሲዩዳድ ኦብሬጎን ተመለስኩ። ምስታ ባህላዊት ሓኪም ዝነበረት ኣሞይ ድማ ክነብር ጀመርኩ። ለይቲ ለይቲ ግና እብህርር ነይረ እየ፣ ኣመና ስለ እተጨነቕኩ ኸኣ ርእሰይ ክቐትል እሓስብ ነይረ። ሓደ ለይቲ፡ “ኣታ ኣምላኽ፡ እንተ ኣሊኻ፡ ክፈልጠካ እደሊ እየ፣ ንዘለኣለም ከኣ ከገልግለካ እየ። ናይ ሓቂ ሃይማኖት እንተ ኣልያ፡ ክፈልጣ እደሊ እየ” ኢለ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ነይሩኒ እዩ። ገና ብቝልዕነተይ እውን፡ ናብ ኣብያተ ክርስትያን እተፈላለያ ሃይማኖታት እኸይድ ነይረ እየ፣ ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ዜቝርጽ እዩ ነይሩ። ዋላ ሓንቲ ኻባታተን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣይገልጻን እየን፣ ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየኒ ነገራት ድማ ዜማልኣ ኣይነበራን። ገሊአን ኣመና ኣብ ገንዘብ ዘተኰራ እየን ነይረን፣ ኣብ ገሊአን ሃይማኖታት ዝነበሩ ምእመናን ከኣ ብዕሉግ ናብራ እዮም ዚነብሩ ነይሮም።

 ወዲ 19 ከለኹ፡ ሰብኣይ ሓብተይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ምስልታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘርኣይዎ ነገረኒ። ዘጸኣት 20:4, 5 ድማ ኣንበበለይ። ምስሊ ኽንገብር ከም ዘይብልና ኸኣ እያ እትገልጽ። ፍቕዲ 5፡ “ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ . . . ኣምላኽ እየ” ትብል። ድሕሪኡ፡ ሰብኣይ ሓብተይ፡ “ኣምላኽ ተኣምራት ኪገብር ኢሉ ምስሊ ዚጥቀም እንተ ዀይኑ ወይ ከኣ ኣብ ኣምልኾና ኽንጥቀመሉ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ ደኣ እሞ ኸልኪሉና፧” ኢሉ ሓተተኒ። እዚ ድማ ከም ዝሓስብ ገይሩኒ እዩ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ንመያየጥ ኔርና ኢና። እቲ ምይይጥ ኣዝዩ የሐጕሰኒ ስለ ዝነበረ፡ ከይተፈለጠና ግዜ ይኸይድ ነይሩ እዩ።

 ጸኒሑ፡ ሰብኣይ ሓብተይ ናብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወሰደኒ። በቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎን ዝሰማዕክዎን ድማ ኣዝየ ተገረምኩ። ንኣሽቱ ቘልዑ እውን እንተ ዀኑ ኣብቲ መደብ ይካፈሉን ካብ መድረኽ ጽቡቕ ገይሮም ይዛረቡን ነይሮም እዮም! ‘ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ዝረኽብዎ ትምህርቲ ዜገርም እዩ!’ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ጸጕረይ ነዊሑ፡ ክዳውንተይ ከኣ ወዘልዘል ዝበለ ኽነሱ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንጐፋይ ኢሎም እዮም ተቐቢሎምኒ። ሓንቲ ስድራ እሞ ኸኣ፡ ድሕሪ ኣኼባ ምግቢ ዓዲማትኒ እያ!

 መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኣጽናዕኩ፡ ደረጃ ሃብትናን ማሕበራዊ ድሕረ ባይታናን ዓሌትናን ደረጃ ትምህርትናን ብዘየገድስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዓና ዚሓልየልና ፈቃር ኣቦ ምዃኑ ተማሂረ እየ። ኣምላኽ ፈጺሙ ኣየዳሉን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ኣብ መወዳእታኡ፡ ብመንፈሳዊ ዜድልየኒ ዘበለ ረኺበ እዩ። እቲ ዝስምዓኒ ዝነበረ ባዶነት ድማ እናጠፍአ ኸደ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 ምሉእ ህይወተይ ብዜደንቕ መገዲ ኺመሓየሽ ጀሚሩ እዩ። ምትካኽ ሽጋራን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ብዕሉግ ዘረባን ድማ ሓዲገዮ እየ። እቲ ኻብ ቍልዕነተይ ኣትሒዙ ኸም ዘማርር ዚገብረኒ ዝነበረ ስምዒትን ዜፍርህ ሕልምን ኣቋሪጹ እዩ። ብቝልዕነተይ ዘጋጠመኒ ስምዒታዊ ቝስልን እቲ ዝነበረኒ ትሑት ደረጃ ትምህርትን፡ ስምዒት ትሑትነት ኣሕዲሩለይ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ስምዒት ክዋጽኣሉ ኽኢለ እየ።

 ሕጂ፡ ንየሆዋ እተፍቅሮን ንዓይ እትድግፈንን እትድነቕ ብዓልቲ ቤት ኣላትኒ። ገያሺ ሓላዊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ኸኣ አገልግል ኣለኹ፣ ንመንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንምትብባዕን ምምሃርን ድማ ንጉባኤታት እበጽሐን እየ። ሳላ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ስምዒታዊ ፈውስን ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ብሉጽ ትምህርትን፡ ደጊም ብገዛእ ርእሰይ ኣይሓፍርን እየ።

ከምቲ ኣነ ሓገዝ ዝረኸብኩ፡ ኣነን ሰበይተይን ድማ ንኻልኦት ምሕጋዝ የሐጕሰና እዩ