ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ብዓልቲ ቤተይ ጣቢታ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይኣምንን እየ ነይረ

ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይኣምንን እየ ነይረ
  • ዓመተ ልደት፦ 1974

  • መበቈል ሃገር፦ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን

  • ታሪኽ፦ ብኣምላኽ ዘይኣምን ዝነበረ

ሕሉፍ ህይወተይ

ኣብታ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር፡ ኣብ ሳክሶኒ ኣብ እትርከብ ቍሸት እየ ተወሊደ። ቤትና ብፍቕሪ ዝማሞቐት እያ ነይራ፣ ወለደይ ከኣ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ምሂሮምኒ እዮም። ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ብስርዓት ኮምዩኒስት እትመሓደር ሃገር ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ሳክሶኒ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ሃይማኖት ተገዳስነት ኣይነበሮምን። ኣነ እውን ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይኣምንን እየ ነይረ። ኣብተን ናይ ፈለማ 18 ዓመት ህይወተይ ብኽልተ ስነ ሓሳብ እየ ኣጸቢቐ ተጸልየ ነይረ፣ እቲ ሓደ ብኣምላኽ ዘይምእማን ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኮምዩኒዝም እዩ ነይሩ።

ኮምዩኒዝም ዝሰሓበኒ ስለምንታይ እዩ፧ ኵሎም ሰባት ማዕረ ኸም ዝዀኑ ንዚገልጽ ሓሳብ ስለ ዝፈተኽዎ እዩ። ብተወሳኺ፡ እምብዛ ብዙሕ ሃብትን ድኽነትን ኪጠፍእ እንተ ዀይኑ፡ ኵሉ ንብረት ብማዕረ ኺመቓራሕ ከም ዘለዎ እኣምን ነይረ። ስለዚ ድማ ኣብ ማሕበር መንእሰያት ኮምዩኒስት ብንጥፈት ክሳተፍ ጀሚረ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ እተጓሕፈ ወረቓቕቲ እንደገና ኣብ ዚምስርሕ ፕሮጀክት ኣከባቢ ኣብ ምዕያይ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፈ እየ። ተቐማጦ ኸተማ ኣው ብጻዕርታተይ ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ ኸኣ ኣብኡ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ሸለሙኒ። ገና ንእሽቶ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ምስ ገሊኦም ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ክፋለጥ ክኢለ እየ። ቅኑዕ ሸቶታት እስዕብ ከም ዘለኹን መጻኢየይ ብሩህ ከም ዝዀነን ድማ እኣምን ነይረ።

ብሃንደበት ግና ኵሉ ነገር ተቐያየረ። ብ1989 መንደቕ በርሊን ምስ ፈረሰ፡ ሰልፊ ኮምዩኒስት ምብራቕ ኤውሮጳ እውን ፈረሰ። ኣብ ርእሲ ርእሲ እውን ዜሰምብድ ነገራት ኣጋጠመኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ዘይፍትሓውነት ልሙድ ከም ዝነበረ ፈሊጠ። ንኣብነት፡ ኮምዩኒዝም ዘይደገፉ ሰባት ከም ካልኣይ ዜጋ እዮም ዚቝጸሩ ነይሮም። ‘እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ክኢሉ፧ ኮምዩኒስት ዘበልና ዅሎም ሰባት ማዕረ ከም ዝዀኑ ደይኰንናን እንኣምን ኔርና፧ ወይስ ኮምዩኒዝም ክትግበር ዘይክእል ጽቡቕ ክልሰ ሓሳብ ጥራይ እዩ ነይሩ፧’ ዚብል ሓሳብ ከኣ ብጭንቀት ከም ዚወሓጥ ገበረኒ።

ስለዚ፡ ቀዳምነት ዝህቦ ነገራት ብምቕያር ኣብ ሙዚቃን ቅብኣን ኣተኰርኩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ኣትየ ሙዚቃ ኣጽኒዐ ስለ ዝነበርኩን ናብ ዩኒቨርሲቲ ኽኣቱ ተኽእሎታት ስለ ዝነበረንን፡ ክኢላ ሙዚቀኛን ቀባኣይን ኪኸውን እምነ ነይረ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ቘልዓ ኸለኹ እተምሃርክዎ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ጠንጠንክዎ። ዜገድሰኒ ዝነበረ ነገር ጽቡቕ ግዜ ምሕላፍ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ምስ ብዙሓት ኣዋልድ እዘውር ነበርኩ። ሙዚቃን ቅብኣን ከም ድላይካ ምንባርን ግና ንጭንቀተይ ኣይነከዮን። እቲ ዝሰኣልክዎ ስእልታት እውን ንዝነበረኒ ሕማቕ ፍርሂ ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። ‘ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና ዘሎ፧ ዕላማ ህይወትከ እንታይ እዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንሕቶታተይ መልሲ ምስ ረኸብኩሉ፡ ኣስደሚሙኒ እዩ። ሓደ ምሸት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸለኹ ብዛዕባ መጻኢ ይዛራረቡ ምስ ዝነበሩ ተምሃሮ ኾፍ በልኩ። ሓንቲ ኻብቶም ተምሃሮ ዝዀነት ማንዲ፡ * ናይ የሆዋ ምስክር እያ ነይራ። ሽዑ ምሸት፡ “ኣንድርያስ፡ ብዛዕባ ህይወትን ብዛዕባ መጻእን ንዘሎካ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ እንተ ደሊኻ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕካ መርምሮ” ብምባል ጽቡቕ ምኽሪ ሃበትኒ።

ተጠራጢረ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ነቲ መልሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክደልዮ ወሰንኩ። ማንዲ ንዳንኤል ምዕራፍ 2 ኸንብባ ነገረትኒ፣ በቲ ኣብኡ ዘንበብክዎ ኸኣ ተደነቕኩ። እቲ ትንቢት ብዛዕባ እተን ክሳዕ እዚ ግዜና ዓብዪ ጽልዋ ዚህልወን ተኸታተልቲ ሓይልታት ዓለም ዝዀና መንግስትታት እዩ ዚገልጽ። ማንዲ ብዛዕባ መጻኢና ዚገልጽ ካልእ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣርኣየትኒ። ንሕቶታተይ ድማ መልሲ እናረኸብኩሉ ኸድኩ። ኰይኑ ግና፡ ‘ነዚ ትንቢታት እዚ መን እዩ ጽሒፍዎ፧ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ኪንበ ዚኽእል መን እዩ፧ ኣምላኽ ኣሎ ማለት ድዩ፧’ ኢለ ኽሓስብ ጀመርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

ማንዲ፡ ሆርስትን ኣንጀሊካን ምስ ዚብሃሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ኣራኸበትኒ፣ ንሳቶም ድማ ንቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ኽርድኦ ሓገዙኒ። ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ብቐጻሊ ዚጥቀሙሉን ንሰባት ዜፍልጡን እንኮ ሃይማኖታዊ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ቐልጢፈ እየ ተገንዚበዮ። (መዝሙር 83:18፣ ማቴዎስ 6:9) የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዝሃቦም ከኣ ፈለጥኩ። መዝሙር 37:9፡ “እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም” ትብል። እዚ ተስፋ እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ምስ ዚርከብ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪመላለሱ ንዚጽዕሩ ዅሎም ሰባት ክፉት ምዃኑ ኣዝዩ እዩ ስሒቡኒ።

ይኹን እምበር፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዐ ምእንቲ ኽነብር፡ መገደይ ክቕይር ተቓሊሰ እየ። ሙዚቀኛን ቀባኣይን ብምዃነይ ዝረኸብክዎ ኣሳልጦ ዕቡይ ከም ዝኸውን ገይሩኒ ስለ ዝነበረ፡ ፈለማ ትሕትና ኽምሃር የድልየኒ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ብንውርምና ዚነብሮ ዝነበርኩ ናብራ ኽሓድጎ ቐሊል ኣይነበረን። የሆዋ ነቶም ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ኼተግብርዎ ዚከኣሎም ዚጽዕሩ ሰባት ይዕገሶምን ይርድኣሎምን ይምሕሮምን ምዃኑ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ።

ኣብተን ናይ ፈለማ 18 ዓመት ህይወተይ፡ ደጋፊ ኮምዩኒዝም እየ ነይረ፡ ብኣምላኽ ድማ ኣይኣምንን እየ ነይረ። ካብ ሽዑ ንደሓር ግና መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ይቕይሮ ኣሎ። እቲ ኻብኡ እተምሃርክዎ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝነበረኒ ጭንቀት ኣጥፊኡለይን ኣብ ህይወተይ ዕላማ ኸም ዚህልወኒ ገይሩንን እዩ። ብ1993 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠሚቐ፣ ብ2000 ከኣ ብቕንኣት እተገልግል ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ዝዀነት ጣቢታ ተመርዕየ። ካልኦት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ ብእተኻእለና መጠን ብዙሕ ግዜ ነሕልፍ ኢና። ብዙሓት እንረኽቦም ሰባት ከም ናተይ ዓይነት ኣተዓባብያ ዘለዎም፡ ማለት ደገፍቲ ኮምዩኒዝምን ብኣምላኽ ዘይኣምኑን እዮም ነይሮም። ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎ ኽሕግዞም ከለኹ፡ ዓሚቝ ዕግበት እዩ ዚስምዓኒ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ምስ ጀመርኩ፡ ወለደይ ኣዝዮም ሰምበዱ። ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ግና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕባረይ ኣብ ህይወተይ ዝገበረለይ ኣወንታዊ ጽልዋ ኺርእዩ ኽኢሎም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይእከቡን ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣሐጒሱኒ እዩ።

ኣነን ጣቢታን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንሰብ ሓዳር እተዋህበ ምኽሪ ተጠንቂቕና ኽንስዕቦ ስለ እንጽዕር፡ ጽቡቕ ሓዳር እዩ ዘሎና። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ቃል ኪዳንካ እሙን ብዛዕባ ምዃን ዚህቦ ምኽሪ ምስዓብና ንሓዳርና የደልድሎ ኣሎ።—እብራውያን 13:4

ሕጂ ኣብ ህይወት ኬጋጥም ብዛዕባ ዚኽእል ነገር ኣይፈርህን እየ፣ ብዛዕባ መጻኢ እውን ኣይጭነቕን እየ። ኣባል እታ ናይ ሓቂ ሰላምን ሓድነትን እተስተማቕር ብኣመንቲ ብጾት ዝቘመት ዓለምለኻዊት ስድራ ቤት ከም ዝዀንኩ እዩ ዚስምዓኒ። ኣብዛ ስድራ ቤት እዚኣ ንሓድሕድና ብማዕረ ኢና እንርአአ። እዚ ኸኣ ምሉእ ህይወተይ ዝኣመንኩሉን ክረኽቦ ዝደልዮ ዝነበርኩን ነገር እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 12 ስም ተቐዪሩ እዩ።