ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር በቲ

በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታት ህይወት ዚህቦ ርትዓዊ መልሲ ተመሲጠ

በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታት ህይወት ዚህቦ ርትዓዊ መልሲ ተመሲጠ
  • ዓመተ ልደት፦ 1948

  • መበቈል ሃገር፦ ሃንጋሪ

  • ታሪኽ፦ መልሲ ኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ንምርካብ ሃንቀው ዚብል ዝነበረ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ከተማ ዘክስፈርቫር፡ ሃንጋሪ እየ ተወሊደ። ዘክስፈርቫር ንልዕሊ 1,000 ዓመት ዝጸንሐ ሃብታም ታሪኽ ዘለዋ ኸተማ እያ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብታ ኸተማ ዝርአ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዘስዓቦ ዕንወት ክሳዕ ሕጂ እየ ዝዝክሮ።

ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ቍልዕነተይ፡ ምስ ኣቦሓጎይን ዓባየይን እየ ዓብየ፣ ኣዝየ ድማ እየ ዘፍቅሮም ነይረ። ብሕልፊ ንኤልሳቤጥ ዓባየይ ኣይርስዓን እየ። ንሳ ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ሰሪጻትለይ እያ። ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ኣትሒዘ፡ ምሸት ምሸት ነታ ብልምዲ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ ጸሎት ምስኣ ዀይነ እደግም ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ ክሳዕ መወዳእታ 20ታት ዕድመይ ትርጕም እዛ ጸሎት እዚኣ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ።

ወለደይ እኹል ገንዘብ ኣዋህሊሎም ጽቡቕ ቤት ምእንቲ ኺዕድጉ ለይትን መዓልትን ይሰርሑ ብምንባሮም፡ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ንእስነተይ ኣቦሓጎይን ዓባየይን እዮም ዚኣልዩኒ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ከክልተ ሰሙን ሓንቲ ቐዳም፡ ብስድራ ቤት ሓቢርና ንምገብ ነበርና። ነቲ ብሓንሳብ እነሕልፎ ዝነበርና እዋናት ብጽቡቕ እየ ዝዝክሮ።

ኣብ 1958 ወለደይ፡ ሕልሞም ሰሚሩሎም ሰለስቴና ኽንነብረሉ እንኽእል ቤት ዓደጉ። ኣማስያኡ፡ ምስ ወለደይ ክነብር ስለ ዝኸኣልኩ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቦይ ብሕማም መንሽሮ ስለ ዝሞተ፡ ሓጐሰይ ነዊሕ ኣይቀጸለን።

በዚ ኣዝየ እየ ሓዚነ። “ኣታ ኣምላኽ፡ ‘ኣቦይ የድልየኒ እዩ እሞ ንኣቦይ ኣሕውየለይ’ ኢለ ለሚነካስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንጸሎተይ ዘይመለስካለይ፧” ኢለ ኽጽሊ ይዝከረኒ። ኣቦይ ምስ ሞተ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ኽፈልጥ ሃረር እብል ስለ ዝነበርኩ ‘ንሰማይዶ ኸይዱ ይኸውን፧ ወይስ ንዘለኣለም እዩ ኻብ ህላወ ኣቋሪጹ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ቈልዑ ምስ ኣቦኦም ክርኢ ኸለኹ እቐንእ ነበርኩ።

ንሓያሎ ዓመታት፡ ዳርጋ መዓልታዊ ናብ መቓብር ኣቦይ እናኸድኩ፡ ተምበርኪኸ፡ “ኣታ ኣምላኽ በጃኻ፡ ኣቦይ ኣበይ ከም ዘሎ ኽፈልጥ እደሊ እየ” ብምባል እጽሊ ነበርኩ። ትርጕም ህይወት ንኽርዳእ ምእንቲ ኽሕግዘኒ እውን ጸለኹ።

ኣብቲ ብጀርመንኛ እተዳለወ ሰፊሕን ብሉጽን ጽሑፋት፡ ንሕቶታተይ ዚኸውን መልሲ ኽረክብ ዝኽእል ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ጀርመንኛ ኽመሃር ወሰንኩ። ብ1967 ኣብታ ሽዑ ኽፋል ምብራቕ ጀርመን ዝነበረት ከተማ የን ክመሃር ጀመርኩ። ነቲ ብጀርመናውያን ፈላስፋታት እተጻሕፈ፡ ብፍላይ ድማ ንትርጕም ህላወ ደቂ ሰብ ዚገልጽ መጻሕፍቲ ድማ ብህንጡይነት እየ ዘንብቦ ነይረ። ገለ መሳጢ ሓሳባት እኳ እንተ ረኸብኩ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘዕገበኒ ግና ኣይነበረን። መልሲ ምእንቲ ኽረክብ፡ ምጽላየይ ቀጸልኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ብ1970 ናብ ሃንጋሪ ተመለስኩ፣ ኣብኡ ድማ ምስታ ጸኒሓ ሰበይተይ ዝዀነት ሮዝ ተላለኹ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሃንጋሪ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኮምዩኒስት እያ ነይራ። ድሕሪ ምምርዓውና ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ኣነን ሮዝን ናብ ኦስትርያ ሃደምና። ሸቶና፡ ድሕሪ ገለ ግዜ ናብቲ ኣኮይ ዚነብረሉ ዝነበረ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ ኽንከይድ እዩ ነይሩ።

ኣብ ኦስትርያ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ስራሕ ረኸብኩ። ሓደ ኻብቶም መሳርሕተይ፡ መልሲ ሕቶታተይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክረኽቦ ኸም ዝኽእል ነገረኒ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ መጻሕፍቲ ድማ ሃበኒ። ነተን መጻሕፍቲ ብህንጥዩነት ኣንበብክወን፡ ዝያዳ ኽፈልጥ ድማ ደለኹ። ስለዚ፡ ናብቶም ሓተምቲ እተን መጻሕፍቲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽሓፍ፡ ተወሳኺ ጽሑፋት ኪሰድዱለይ ሓተትኩ።

ኣብታ ቐዳመይቲ ዝኽሪ ዓመት መርዓና ነብዕለላ ዝነበርና መዓልቲ፡ ሓደ ኦስትርያዊ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ንዓይን ንሮዝን ኪበጽሓና መጸ። ነተን ኪስደዳለይ ዝሓተትኩለን ጽሑፋት ድማ ሒዙለይ መጸ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዕድመ ምስ ኣቕረበለይ ከኣ ተቐበልክዎ። ንኽመሃር ክቱር ድሌት ስለ ዝነበረኒ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ድማ ዳርጋ ኣርባዕተ ሰዓት ዚኣክል ነጽንዕ ነበርና!

በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሩኒ ትምህርቲ ኣዝየ ተመሰጥኩ። እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ካብቲ ናይ ሃንጋሪኛ መጽሓፍ ቅዱሰይ ምስ ኣርኣዩኒ፡ ኣዝዩ ደንጸወኒ። ን27 ዓመታት ናብ ቤተ ክርስትያን እመላለስ እኳ እንተ ነበርኩ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ስም ኣምላኽ ኪጥቀስ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታተይ ዝሃቦ ንጹርን ርትዓውን መልሲ ኣዝየ እየ ተመሲጠ። ንኣብነት፡ ምውታት ልክዕ ከም ዓሚቝ ድቃስ ዝደቀሰ ሰብ፡ ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ ተማሂረ እየ። (መክብብ 9:5, 10፣ ዮሃንስ 11:11-15) ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እታ ‘ደጊም ሞት ዘይህልወላ’ ሓዳስ ዓለም ዚገልጽ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተማሂረ እየ። (ራእይ 21:3, 4) ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ “ትንሳኤ” ኪኸውን ከሎ፡ ንኣቦይ ክረኽቦ ተስፋ እገብር።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ሮዝ ኣብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ ልባ ሓበረትኒ። ነቲ ናይ መጽናዕቲ ሕታም ኣብ ክልተ ወርሒ ጥራይ ብምውዳእ፡ ቅልጡፍ ዕቤት ገበርና። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚግበር ዝነበረ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ንእከብ ነበርና። በቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኣናዮ ፍቕርን ምትሕግጋዝን ሓድነትን ኣዚና ኢና ተመሲጥና።—ዮሃንስ 13:34, 35

ብ1976፡ ኣነን ሮዝን ንኣውስትራልያ ኽንኣቱ ተፈቕደልና። ኣብኡ ድማ ብኡብኡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብናዮም፣ ምውቕ ኣቀባብላ ኸኣ ገበሩልና። ብ1978 ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰንና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዜጨንቐኒ ዝነበረ ሕቶታት ተመለሰለይ። ናብ የሆዋ ኣምላኽ ዝያዳ ብምቕራበይ ከኣ፡ እቲ ዝበለጸ ኣቦ ረኸብኩ። (ያእቆብ 4:8) ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ ንሰብኣዊ ኣቦይ ኽረኽቦ ዘሎኒ ተስፋ እውን ኣቕሊልካ ዚርአ ኣይኰነን።—ዮሃንስ 5:28, 29

ኣብ 1989፡ ኣነን ሮዝን ናብ ሃንጋሪ ኽንምለስ እሞ ንኣዕሩኽናን ንኣዝማድናን ከምኡ እውን ንኻልኦት እንረኽቦም ሰባትን፡ ብዛዕባ እምነትና ኽንነግሮም ወሰንና። ብኣማእታት ንዚቝጸሩ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመሃሩ ኣብ ምሕጋዝ መሰል ረኺብና ኢና። ካባታቶም፡ ፍቕርቲ ኣደይን ካልኦት ልዕሊ 70 ዝዀኑ ሰባትን ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ።

መልሲ ሕቶታተይ ንምርካብ ንልዕሊ 17 ዓመት ጸልየ እየ። ሎሚ 39 ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ ገና እጽሊ እየ፣ ሕጂ ግና፡ “ፍቑር ሰማያዊ ኣቦይ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ ዝጸለኽዎ ጸሎት ስለ ዝመለስካለይ አመስግነካ” ኢለ እየ ዝጽሊ።