ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ሕጂ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ

ሕጂ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ
  • ዓመተ ልደት፦ 1981

  • መበቈል ሃገር፦ ጓተማላ

  • ታሪኽ፦ ዜሕዝን ግዜ ቝልዕነት

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ኸበሳታት ጓተማላ እትርከብ ኣኩል እትብሃል ግልልቲ ኸተማ እየ ተወሊደ። ስድራ ቤተይ ካብቶም ተወለድቲ ማያ ዝዀኑ ኢሰል ዚብሃሉ ዓሌት እዮም። ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ቛንቋ ስጳኛን ቋንቋ ኣደይን እዛረብ ነበርኩ። እቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት ህይወተይ፡ ኣብ ጓተማላ ን36 ዓመት ዝጸንሐ ውግእ ሓድሕድ ዝነበረሉ ጭካነ ዝመልኦ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካብ ህዝቢ ኢሰል ብዙሓት እዮም ሞይቶም።

ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ እቲ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ዝነበረ ሓወይ፡ ቦምባ ኢድ ሒዙ ኺጻወተላ ኺብል ሃንደበት ተፈንጀረቶ። እቲ ዜሕዝን፡ ብሰንኪ እዚ ሓደጋ ሓወይ ሞተ፣ ኣነ ድማ ዓወርኩ። ብድሕሪዚ፡ ግዜ ቝልዕነተይ ኣብቲ ኣብ ከተማ ጓተማላ ንዓይነ ስዉራን ተባሂሉ እተኸፍተ ቤት ትምህርቲ ኣሕለፍክዎ፣ ኣብኡ ድማ ብረይል ተመሃርኩ። ስለምንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን፡ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ካልኦት ቈልዑ ንኸየዕልል ከልከሉኒ፣ እቶም መማህርተይ ድማ ካባይ ረሓቑ። ኵሉ ግዜ ጽምዋ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ ነተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ምስታ ሕያወይትን ለዋህን ኣደይ ኣብ ገዛና ዝጸንሓለን ክልተ ኣዋርሕ እናፍቐን ነበርኩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣደይ ሞተት። ኣብ ዓለም እታ ንዓይ እተፍቅረኒ እንኮ ሰብ ዝሰኣንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ፡ በዚ ድማ ኣዝየ ተደቘስኩ።

ወዲ 11 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ናብ ዓደይ ተመሊሰ ምስቲ በቦ ሓወይ ዝዀነን ምስ ስድራ ቤቱን ክቕመጥ ጀመርኩ። ብኣካላዊ መዳይ ዜድልየኒ ዘበለ የማልኡለይ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብስምዒታዊ መዳይ ኪሕግዘኒ ዚኽእል ግና ኣይነበረን። ሓድሓደ ግዜ፡ “ስለምንታይ እያ ኣደይ ሞይታ፧ እንታይ ስለ ዝገበርኩ እየ ዓዊረ፧” ብምባል ንኣምላኽ እሓቶ ነበርኩ። ሰባት፡ እቲ ዘጋጠመኒ ዜሕዝን ፍጻመታት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ይነግሩኒ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ብሰባት ዘይግደስን ዘይፍትሓውን ከም ዝዀነ ገይረ ደምደምኩ። ርእሰ ቕትለት ዘይፈጸምኩሉ እንኮ ምኽንያት፡ ስለ ዘይከኣልኩ ጥራይ እዩ።

ዓይነ ስዉር ምዃነይ ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ጐዲኡኒ እዩ። ቈልዓ ኸለኹ ብዙሕ ግዜ ብጾታዊ መገዲ ተዓሚጸ እየ። ብዛዕባይ ዚግደስ ሰብ ዘሎ ዀይኑ ስለ ዘይተሰምዓኒ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ዓመጽ ንማንም ሰብ ኣይሓበርኩን። ሰባት ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣየዘራርቡንን እዮም ነይሮም፣ ኣነ እውን ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣየዕልልን እየ ነይረ። እተገለልኩን ጭኑቕን ንማንም ሰብ ዘይኣምንን እየ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ወዲ 13 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ኽፍለ ግዜ ኸለኹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ኪበጽሑኒ መጹ። ሓንቲ ብዅነታተይ እትድንግጽ ዝነበረት መምህር እያ ንኺበጽሑኒ ነጊራቶም። ንሳቶም ድማ ነቲ ምዉታት ከም ዚትንስኡ፡ ዓይነ ስዉራን ድማ ሓደ መዓልቲ ዳግማይ ኪርእዩ ምዃኖም ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት ነገሩኒ። (ኢሳይያስ 35:5፣ ዮሃንስ 5:28, 29) ነቲ ዝመሃሩኒ ትምህርቲ ፈተኽዎ፣ ምስ ሰባት ብዙሕ እዘራረብ ስለ ዘይነበርኩ ግና ምስኣቶም ክዘራረብ ከበደኒ። ምስ ሰባት ዘይቀርብ እኳ እንተ ነበርኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምህሩኒ ኢሎም ለውሃትን ትዕግስትን ብምርኣይ ከይተሓለሉ ይመጹኒ ነበሩ። እዞም ሰብ ሓዳር፡ ጎቦታት እናደየቡ ንልዕሊ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ብእግሮም ተጓዒዞም እዮም ናብታ ኣነ ዝቕመጠላ ዝነበርኩ ኸተማ ዚመጹ ዝነበሩ።

እቲ በቦ ሓወይ፡ እዞም ሰብ ሓዳር ኣከዳድናኦም ጽፉፍ ምዃኑ፡ ግናኸ ትሑት መነባብሮ ኸም ዘለዎም ነገረኒ። ምስናይዚ ግና ንእሽቶ ህያባት ሒዞምለይ ብምምጻእ ከም ዚግደሱለይ ወትሩ የርእዩኒ ነበሩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ሰባት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጥራይ እዮም ኪዀኑ ዘለዎም ኢለ ድማ ሓሰብኩ።

ብሓገዝ ጽሑፋት ብረይል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃርኩ። እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ይርድኣኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ገሊኡ ግና ካብ ልበይ ክቕበሎ ኸቢዱኒ ነበረ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ብሓቂ ንዓይ ከም ዚሓልየለይ፡ ካልኦት እውን ከምኡ ኺሓልዩለይ ከም ዚኽእሉ ኽኣምን ከበደኒ። የሆዋ መከራ ንግዜኡ ኪቕጽል ዝፈቐደሉ ምኽንያት እኳ እንተ ተረድኣኒ፡ ከም ሓደ ፈቃር ኣቦ ገይረ ኽርእዮ ግና ኣሸጊሩኒ ነበረ። *

ቀስ ብቐስ፡ እቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝምሃሮ ዝነበርኩ ትምህርቲ፡ ኣረኣእያይ ክቕይር ሓገዘኒ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ መከራ ንዜጋጥሞም ሰባት ኣዝዩ ኸም ዚድንግጸሎም ፈለጥኩ። ንሱ ብዛዕባ እቶም ግፍዒ ዚወርዶም ዝነበረ ኣምለኽቱ፡ “ጸበባ . . . ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ” በለ። (ዘጸኣት 3:7) ነቲ ለውሃት ዝመልኦ ባህርያት የሆዋ ብዝነበረኒ ሞሳ፡ ህይወተይ ንዕኡ ኽውፊ ተደረኽኩ። ብ1998 ከኣ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ምስ ሓደ ኻብቶም ዝኣልዩኒ ዘለዉ ናይ የሆዋ ምስክር ስድራ ቤት

ካብ ዝጥመቕ ዓመት ዚኸውን ጸኒሐ፡ ኣብ ጥቓ ኸተማ ኢስኲንትላ ኣብ እተገብረ ንዓይነ ስውራን ዚኸውን ስልጠና ተኻፈልኩ። ሓደ ሽማግለ ጉባኤ፡ ኣብ ዓደይ እናተቐመጥኩ ኣኼባታት ጉባኤ ኽካፈል ክሳዕ ክንደይ ከም ዜጸግመኒ ፈለጠ። እታ ዝቐረበት ጉባኤ፡ ክንድቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምህሩኒ ኢሎም ዚጐዓዝዎ ዝነበሩ ርሕቀት እዩ ነይርዋ፣ ንዓይ ድማ ክንድዚ ዚኣክል ርሕቀት ክጐዓዝ ቀሊል ኣይነበረን። እዚ ሽማግለ እዚ፡ ንዓይ ንምሕጋዝ፡ ኣብ ኢስኲንትላ ይቕመጡ ምስ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ስድራ ቤት ኣራኸበኒ፣ ንሳቶም ድማ ምስኦም ኪቕመጥን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእንቲ ኽእከብ ኪሕግዙንን ፍቓደኛታት ነበሩ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ልክዕ ከም ሓደ ኣባል ስድራ ቤቶም ገይሮም ይኣልዩኒ ኣለዉ።

እቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ንዓይ ዘርኣዩኒ ልባዊ ፍቕሪ እዚ ኢለ ኽጽብጽቦ ኣይክእልን እየ። እዚ ተመክሮታት እዚ፡ ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዘለኹ ኣእመነኒ።—ዮሃንስ 13:34, 35

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ሕጂ፡ ዘይረብሕን ተስፋ ዘይብለይን ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ህይወተይ ዕላማ ኣለዋ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ኣብ ዚዓይዎ ዕዮ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ስለ ዝዓዪ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ስንክልናይ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ኽቡር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር እየ ዘተኵር። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሽማግለ ጉባኤ ዀይነ ናይ ምግልጋልን ኣብ ጉባኤታት ንህዝቢ ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረታት ናይ ምሃብን መሰል ኣሎኒ። ኣሽሓት ሰባት ኣብ እተኣከቡሉ ኣኼባታት ዞባ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረታት ናይ ምቕራብ መሰል ረኺበ እየ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብረይል ተጠቒመ መደረ ኽህብ ከለኹ

ብ2010 ካብቲ ኣብ ኤል ሳልቫዶር እተኻየደ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ (ሕጂ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ዚብሃል ዘሎ) ተመረቕኩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎኒ ሓላፍነታት ብዝሓሸ መገዲ ንኽፍጽሞ ኣዳልዩኒ እዩ። እዚ ስልጠና እዚ ብምውሳደይ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዕዮኡ ብቑዕ ኪገብሮ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ፡ እተፈቐርኩን ዓቢ ዋጋ ዘሎንን ኰይኑ ተሰምዓኒ።

የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ሎሚ፡ ‘ኣዝየ ሕጉስ እየ’ ኽብል እኽእል እየ፣ ቅድሚ ሕጂ ፈጺመ ሓሲበዮ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ሕጂ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ።

^ ሕ.ጽ. 13 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።