ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ህይወተይ ናብ ዝገደደ ትኸይድ ነበረት

ህይወተይ ናብ ዝገደደ ትኸይድ ነበረት
  • ዓመተ ልደት፦ 1952

  • መበቈል ሃገር፦ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

  • ታሪኽ፦ ኣዝዩ ቝጡዕ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብቲ ብጕጅለ ዓዋሉን ብሓሽሽን ዕሉል ዝዀነ እተፈላለየ ኸባቢታት ሎስ ኣንጀለስ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እየ ዓብየ። ወለደይ ሽዱሽተ ቘልዑ ነበርዎም፣ ኣነ ድማ እቲ ኻልኣይ እየ ነይረ።

ኣደይ ከም ኣባላት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ገይራ እያ ኣዕብያትና። እንተዀነ ግና፡ ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኽልተ ዓይነት ህይወት እየ ዚመርሕ ነይረ። ሰንበት ሰንበት፡ ምስቶም መዘምራን ቤተ ክርስትያን ኰይነ እዝምር ነበርኩ። ኣብተን ካልኦት መዓልትታት ግና ናብ ፓርትታት እኸይድን ሓሽሽ እወስድን ጾታዊ ርኽሰት እፍጽምን ነበርኩ።

ብቐሊሉ ዝሓርቕን ቍጡዕን እየ ነይረ። ኣብ ቅድመይ ዝጸንሓኒ ዝዀነ ይኹን ነገር ተጠቒመ እበኣስ ነበርኩ። እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን እተመሃርክዎ ምንም ኣይጠቐመንን። “ምፍዳይ ሕነ ናይ ጐይታ እዩ፣ ኣነ ድማ መሳርሒኡ እየ!” እብል ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ 1960ታት፡ ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ በቶም ንሲቪላዊ መሰላት ዚቃለሱ ዝነበሩ ብላክ ፓንተርስ ዚብሃሉ ፖለቲካዊ ጕጅለ ተጸልየ ነበርኩ። ምስ ማሕበር ተመሃሮ ሲቪላዊ መሰላት ከኣ ተጸንበርኩ። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ተቓውሞታት ነካይድ ነበርና፣ በዚ ድማ እቲ ቤት ትምህርቲ ንግዜኡ ይዕጾ ነበረ።

ተቓውሞታት ምክያድ ጥራይ ኬዕግበኒ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ብጽልኢ ኣብ ዚግበር ዓመጽ ክሳተፍ ጀመርኩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣነን ኣዕሩኸይን ነቲ ኣፍሪቃውያን ባሮት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘሕለፍዎ ስቓይ እተርኢ ፊልም ንርኢ ነበርና። በቲ ዘይፍትሓውነት ስለ እተቘጣዕና፡ ኣብቲ ሲነማ ንዝነበሩ ጸዓዱ መንእሰያት ቀጥቀጥናዮም። ካብኡ ወጺእና፡ ንኻልኦት እውን ምእንቲ ኽንቅጥቅጥ፡ ጸዓዱ ናብ ዚቕመጡሉ ኸባቢ ኸድና።

ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ኣብ ዝነበርክሉ እዋን፡ ኣነን እቶም ሰለስተ ኣሕዋተይን ዓመጽ ዝመልኦ ብዙሕ ገበን ንፍጽም ነበርና። ብሰበ ስልጣን ድማ ንተሓዝ ነበርና። ሓደ ኻብቶም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ፡ ኣባል ሓደ ዕሉል ጕጅለ ዓዋሉ እዩ ነይሩ፣ ኣነ እውን ምስኦም ሓበርኩ። ህይወተይ ናብ ዝገደደ ትኸይድ ነበረት።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ወለዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ዓርኪ ነበረኒ። ንሳቶም ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽመጽእ ዓደሙኒ፣ ነቲ ዕድመ ድማ ተቐበልክዎ። ካብታ መጀመርታ ዝኸድኩላ ኣጋጣሚ ኣትሒዘ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ምዃኖም ክርኢ ኽኢለ እየ። ኣብቲ ኣኼባ ድማ ኵሎም መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ይከታተሉ ነበሩ። ኣብቲ መደብ፡ ንኣሽቱ እውን ከይተረፉ ኽፍልታት የቕርቡ ነበሩ። ኣምላኽ፡ የሆዋ ዚብል ስም ከም ዘለዎ ብምፍላጠይን ኣብቲ ኣኼባ ኺጥቀምሉ ኸለዉ ብምስማዐይን ተደነቕኩ። (መዝሙር 83:18NW) ኣብታ ጉባኤ እተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሰባት እዮም ነይሮም፣ ይኹን እምበር፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ከም ዘይብሎም ንጹር እዩ ነይሩ።

ኣብ ፈለማ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ኣይደልን እየ ነይረ፣ ናብ ጉባኤታት ምኻድ ግና እፈቱ ነበርኩ። ሓደ ምሸት፡ ኣነ ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከለኹ፡ ገሊኦም ኣዕሩኸይ ናብ ሓደ ሙዚቃዊ ምርኢት ዚቐርበሉ ቦታ ኸዱ። ኣብኡ ኸኣ ንሓደ ዀተቴ፡ ካብ ቈርበት እተሰርሐ ጃኬቱ ምሃብ ስለ ዝኣበዮም፡ ቀጥቂጦም ቀተልዎ። ንጽብሒቱ፡ ብዛዕባ እቲ ዝፈጸምዎ ቕትለት ተጃሃሩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረቡ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ዝፈጸምዎ ገበን ኣቕሊሎም ረኣይዎ። መብዛሕትኦም ድማ ንሕልፈት ተፈርዱ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ምስኦም ብዘይምንባረይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ህይወተይ ክቕይር ብምውሳን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ

ንብዙሕ ዓሌታዊ ጽልኢ እተቓላዕኩ ብምንባረይ፡ በቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኣኽዎ ነገራት ተደመምኩ። ንኣብነት፡ ሓደ ጻዕዳ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ካልእ ዓዲ ኺገይሽ ከሎ፡ ንደቁ ምስ ጸለምቲ ዝዀኑ ስድራ ቤት ሓዲግዎም ከደ። ሓንቲ ስድራ ቤት ጸዓዱ እውን ንሓደ መንበሪ ቤት ዘይነበሮ ጸሊም መንእሰይ፡ ምስኣ ኺነብር ተቐበለቶ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስቲ ኣብ ዮሃንስ 13:35 ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ዚብል ቃላት የሱስ ተሰማሚዖም ከም ዚመላለሱ ኣመንኩ። ናይ ሓቂ ሕውነት ከም ዝረኸብኩ ድማ ፈለጥኩ።

ካብቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣተሓሳስባይ ክቕይር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ሰላማዊ ክኸውን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰላማዊ ምዃን ዝበለጸ መገዲ ህይወት ከም ዝዀነ ገይረ ምእንቲ ኽርእዮ፡ ኣእምሮይ ብምሕዳስ ክልወጥ ነበረኒ። (ሮሜ 12:2) ቀስ ብቐስ ዕቤት ገበርኩ። ኣብ ጥሪ 1974 ከኣ፡ ተጠሚቐ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ።

ሰላማዊ ክኸውን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰላማዊ ምዃን ዝበለጸ መገዲ ህይወት ከም ዝዀነ ገይረ ምእንቲ ኽርእዮ፡ ኣእምሮይ ብምሕዳስ ክልወጥ ነበረኒ

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ጥምቀተይ እውን ከይተረፈ፡ ቍጥዓይ ንምቍጽጻር ክጽዕር ነበረኒ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ካብ ቤት ናብ ቤት እናሰበኽኩ ኸለኹ፡ ሓደ ሰራቒ ኻብ ማኪናይ ረድዮ ምስ ሰረቐ፡ ከርክቦ ደድሕሪኡ ጐየኹ። ክሕዞ ምስ ቀረብኩ ግና ነታ ረድዮ ደርብይዋ ሃደመ። ንረድዮይ ብኸመይ ከም ዝመለስክዋ ንኻልኦት ምስ ነገርክዎም፡ ሓደ ምስኣቶም ዝነበረ ሽማግለ፡ “ስቲቨን፡ እንተ ትሕዞ ኔርካ እንታይ ምገበርካዮ፧” ኢሉ ሓተተኒ። እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ከም ዝሓስብ እያ ገይራትኒ፣ ሰላማዊ ንምዃን ከኣ ብዝያዳ ኽጽዕር ደሪኻትኒ እያ።

ኣብ ጥቅምቲ 1974፡ ንኻልኦት ሰባት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር፡ ኣብ ወወርሒ 100 ሰዓት ብምሕላፍ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኽዓዪ ጀመርኩ። ጸኒሐ ድማ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወለንታ ኽዓዪ መሰል ረኸብኩ። ብ1978፡ ነታ ዝሓመመት ኣደይ ክኣሊ ናብ ሎስ ኣንጀለስ ተመለስኩ። ብድሕርዚ ኽልተ ዓመት ጸኒሐ፡ ነታ ኣራንዳ እትብሃል ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ ተመርዓኽዋ። ንሳ ኸኣ ኣደይ ክሳዕ እትመውት ምሳይ ኰይና ብምእላይ፡ ዓብዪ ደገፍ እያ ዀይናትኒ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣነን ኣራንዳን ኣብ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ ስልጠና ድሕሪ ምውሳድና ናብ ፓናማ ተመደብና፣ ኣብኡ ድማ ክሳዕ ሎሚ ሚስዮናውያን ኴንና ነገልግል ኣሎና።

ካብ ዝጥመቕ ንደሓር፡ ብዙሕ ዜቘጥዕ ኵነታት ኣጋጢሙኒ እዩ። ሰባት ኬቘጥዑኒ ምስ ዚፍትኑ፡ ካብኦም ክርሕቕ ወይ ብኻልእ መገዲ ነቲ ዅነታት ከህድኦ ኽፍትን ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። እዚ ለውጢ እዚ ብምግባረይ ድማ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ብዓልቲ ቤተይ፡ ንኢዶምኒ እዮም። ኣነ እውን ንባዕለይ በቲ ዝገበርክዎ ለውጢ እግረም እየ። እቲ ኣብ ባህርያተይ እተራእየ ለውጢ፡ ብኽእለተይ ከም ዝመጸ ዘይኰነስ፡ መርኣያ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ኸም ዝዀነ እየ ዝኣምን።—እብራውያን 4:12

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወተይ ዕላማ ኸም ዚህልዋ ገይርዋ፡ ናይ ብሓቂ ሰላማዊ ክኸውን ድማ ምሂሩኒ እዩ። ሎሚ፡ ንሰባት ኣይወቅዕን እየ፡ ኣብ ክንዳኡስ ብመንፈሳዊ መገዲ ኺሓውዩ እየ ዝሕግዞም። ምስ ሓደ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸለኹ ጸላእየይ ዝነበረ ሰብ እውን ከይተረፈ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዐ እየ። ንሱ ተጠምቀ፡ ድሕሪኡ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ሓቢርና ንቕመጥ ነበርና። ክሳዕ ሎሚ ድማ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኢና። ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ፡ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ንልዕሊ 80 ዝዀኑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ ሓጊዝናዮም ኢና።

የሆዋ፡ ኣብ ማእከል ናይ ሓቂ ሕውነት፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወትን ሓጐስን ስለ ዝሃበኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።