ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ደጊም ባርያ ዓመጻ ኣይኰንኩን”

“ደጊም ባርያ ዓመጻ ኣይኰንኩን”
  • ዓመተ ልደት፦ 1956

  • መበቈል ሃገር፦ ካናዳ

  • ታሪኽ፦ ተስፋ ዝቘረጸ፡ ዝሩግ፡ ተባኣሲ

ሕሉፍ ህይወተይ

 ኣብ ካናዳ፡ ኣብ ኣልበርታ ኣብ እትርከብ ከተማ ካልጋሪ እየ ተወሊደ። ገና ሕጻን ከለኹ ወለደይ ስለ እተፋትሑ፡ ኣነን ኣደይን ናብ እንዳ ኣቦሓጎይ ገዓዝና። ኣቦሓጎይን ዓባየይን፡ ንዓይን ንኣደይ ይፈትዉና ነይሮም እዮም፡ ኣነ ድማ ኣዝየ ሕጉስ እየ ነይረ። ነተን ሰላም ዝመልአን ዓመታት ንእስነተይ ክሳዕ ሎሚ እዝክረን እየ።

 ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣደይ ንኣቦይ ዳግም ተመርዓወቶ እሞ ናብቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ሰይንት ሉዊስ፡ ሚዙሪ ገዓዝና፣ ኣብኡ ድማ ህይወት መከራ ዀነትኒ። ኣቦይ ክሳዕ ክንደይ ጨካን ምዃኑ ሽዑ እየ ፈሊጠ። ንኣብነት፡ ኣብታ ናብ ሓድሽ ቤት ትምህርተይ ዝኸድኩላ መዓልቲ፡ ገለ ተምሃሮ ኸም ዝሃረሙኒ፡ ኣነ ግና ከም ዘይተብኣስኩ ፈለጠ። ሽዑ፡ ኣዝዩ ተቘጢዑ ኻብቶም ተምሃሮ ብዝገደደ ዘበጠኒ። ኣነ ድማ ካብዚ ስለ እተምሃርኩ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ ምስ መማህርተይ ክብኣስ ጀመርኩ።

 ኣቦይ ኣመና ቝጡዕ ስለ ዝነበረ፡ ኣደይ ትጕሂ ነበረት፣ ወትሩ ድማ ይጋጨዉ ነበሩ። ወዲ 11 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ሓሽሽ ክወስድን ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ኽሰትን ጀመርኩ። እናሓደረ ድማ ዕሉል ተባኣሲ ዀንኩ፡ ኣብ ጐደናታት ምስ ሰባት ወትሩ እብኣስ ነበርኩ። ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ እተመረቕኩሉ እዋን፡ ባህርያተይ ኣመና ተባላሽዩ ነበረ።

 ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣባል ፍሉይ ሰራዊት ሕ.መ.ኣ. ዀንኩ። ኣብኡ ድማ ሰብ ብኸመይ ከም ዝቐትል ተምሃርኩ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ኣብ ፌደራላዊ ቢሮ መርመራ (ኤፍ.ቢ.ኣይ.) ስራሕ ክረክብ ስለ ዝደለኹ፡ ካብ ሰራዊት ወጺአ ስነ ኣእምሮ ኽምሃር ጀመርኩ። ፈለማ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርስቲ ኽምሃር ጀመርኩ፣ ደሓር ናብ ካናዳ ምስ ገዓዝኩ፡ ነቲ ትምህርቲ ኣብኡ ቐጸልክዎ።

 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኸለኹ፡ ብሓፈሻኡ ብደቂ ሰብን ብማሕበረ ሰብን ኣዝየ ተስፋ ቘረጽኩ። ኵሎም ሰባት ፈተውቲ ርእሶም፡ ኵሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገር ከንቱ፡ ኵሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ድማ ፍታሕ ዘይብሉ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ሰባት ንዓለም ኬመሓይሽዋ ኸም ዚኽእሉ ዝነበረኒ ተስፋ በነነ።

 ህይወተይ ዕላማ ስለ ዘይነበሮ፡ ኣትኵሮይ ኣብ መስተን ኣብ ሓሽሽን ደድሕሪ ገንዘብን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምጕያይ ጥራይ እዩ ነይሩ። ፈቐዶ ፓርቲ እኸይድን ምስ እተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ እዘውርን ነበርኩ። በቲ ዝወሰድክዎ ወተሃደራዊ ስልጠና ብምትእምማን ድማ ወትሩ እብኣስ ነበርኩ። ብዛዕባ ፍትሒ እግደስ ስለ ዝነበርኩ፡ በደለኛ ዀይኑ ምስ እተራእየኒ ዘበለ እጋጮ ነበረኩ። ከም ሓቂ ግና፡ ባርያ ዓመጻ እየ ዀይነ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ሓደ መዓልቲ፡ ኣነን ዓርከይን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ቤት ሓሽሽ እናወሰድና ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዚሽየጥ ማሪዋና ነዳሉ ነበርና፣ ሽዑ ዓርከይ ብኣምላኽ እኣምን እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “ኣምላኽ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ተሓታቲ እንተ ዀይኑ፡ ክፈልጦ ኣይደልን እየ” በልክዎ። ንጽብሒቱ ሓድሽ ስራሕ ጀመርኩ፣ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ መሳርሕተይ ድማ፡ “ኣምላኽ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ተሓታቲ ድዩ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ድሮ እታ መዓልቲ፡ ተመሳሳሊ ሕቶ ሓቲተ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዛዕባ እዚ ኽፈልጥ ደለኹ። ምስቲ ሰብ ንሽዱሽተ ወርሒ ብዙሕ ተመያየጥና፣ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዝነበረኒ ኸቢድ ሕቶታት ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰለይ።

 ኣብቲ እዋን እቲ ምሳይ እትነብር ዝነበረት ሕጽይተይ፡ ብዛዕባ እቲ ዝምሃሮ ነበርኩ ነገራት ክትሰምዕ ኣይትደልን እያ ነይራ። ሓደ ሰንበት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩልና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና ኸም ዚመጹ ነገርክዋ። ንጽብሒቱ ኻብ ስራሕ ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ገዛ ዝነበረ ዅሉ ንብረት ጠቕሊላ ግዒዛ ጸንሐትኒ። ናብ ደገ ወጺአ በኸኹ። ሓገዝ ንምርካብ ድማ ንኣምላኽ ብጸሎት ለመንክዎ። ሽዑ ንፈለማ እዋን ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ጸሎተይ ተጠቐምኩሉ።—መዝሙር 83:18

 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ። እቶም ሰብ ሓዳር ምስ ከዱ ድማ፡ ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዘርእስታ ንመጽናዕቲ እተዳለወት መጽሓፍ፡ ምሉእ ለይቲ ኣንቢበ ወዳእክዋ። a እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን እተምሃርክዎ ነገራት ንልበይ ተንከዮ። የሆዋ ርሕሩሕ ምዃኑን ኵሉ ጭንቅና ከም ዜጨንቖን ከኣ ፈለጥኩ። (ኢሳይያስ 63:9) ልበይ በቲ ኣምላኽ ንዓይ ዘለዎ ፍቕርን በቲ ወዱ ምእንታይ ኢሉ ዝኸፈሎ መስዋእትን ኣዝዩ ተተንከየ። (1 ዮሃንስ 4:10) የሆዋ ኽሳዕ ሎሚ እተዓገሰኒ፡ “ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ” ምዃኑ ድማ ተረድኣኒ። (2 ጴጥሮስ 3:9) የሆዋ ናብኡ ይስሕበኒ ኸም ዘሎ ተገንዘቡ።—ዮሃንስ 6:44

 ኣብታ መጽናዕቲ ዝጀመርኩላ ሰሙን፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽእከብ ጀመርኩ። ነዊሕ ጸጕርን ስቝሬንን ዜሰንብድ ትርኢትን እኳ እንተ ነበረኒ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከም ዝረኸብዎ ናይ ቀደም ፈታዊኦም ገይሮም እዮም ተቐቢሎምኒ። ተግባሮም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃኖም ዜርኢ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብ እንዳ ኣባሓጎይ እተመለስኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፣ እቲ ሃዋህው እሞ ኸኣ ዝሓሸ እዩ ነይሩ።

 ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ነገራት ንህይወተይ ኪልውጦ ጀመረ። ጸጕረይ ተቐምቀምኩ፡ ብዕሉግ ተግባራት ሓደግክዎ፡ ሓሽሽ ምውሳድን መስተ ምብዛሕን እውን ሓደግክዎ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 11:14) ንየሆዋ ኼሐጕሶ ደለኹ። ስለዚ ባህ ዘየብሎ ነገራት እገብር ከም ዝነበርኩ ምስ ፈለጥኩ፡ ንጌጋታተይ መመኽነይታ ኽህብ ኣይፈተንኩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ልበይ ኣዝዩ ይጕሂ ነበረ። ንርእሰይ ድማ፡ ‘ድሕሪ ሕጂ ኸምዚ ኽገብር የብለይን’ እብላ ነበርኩ። ብኡብኡ እውን ኣተሓሳስባይን ተግባራተይን ክቕይር እጽዕር ነበርኩ። ከም ውጽኢቱ፡ ነቲ ብመገዲ የሆዋ ምኻድ ዘለዎ ረብሓታት ክርኢ ጀመርኩ። ብ29 ሓምለ 1989፡—መጽናዕቲ ኻብ ዝጅምር ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡—ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ባህርያተይ ክልውጥ ሓጊዙኒ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ተባኣሲ ሰብ ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ተሃንዲደ እየ ናብ ባእሲ ዝኣቱ ነይረ። ሎሚ ግና፡ “ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም” ክነብር እየ ዝጽዕር። (ሮሜ 12:18) ነዚ ኽገብሮ ዝኸኣልኩ፡ ብናተይ ዓቕሚ ዘይኰነስ ሳላ የሆዋን ሳላ እቲ ቓሉ ንምልዋጥ ዘለዎ ሓይልን ሳላ መንፈስ ቅዱስን እዩ።—ገላትያ 5:22, 23፣ እብራውያን 4:12

 ሎሚ ባርያ ሓሽሽን ዓመጻን ብዕሉግ ትምኒታትን ኣይኰንኩን፡ ኣብ ክንዳኡስ ንየሆዋ ኣምላኽ ባህ ንምባልን ንዕኡ ብሉጸይ ንምሃብን እየ ዝጽዕር። ካልኦት ሰባት ንዕኡ ምእንቲ ኺፈልጥዎ እውን እሕግዝ እየ። ምስ ተጠመቕኩ ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ንምስታፍ፡ ዝያዳ ወንጌላውያን ናብ ዜድልዩሉ ዓዲ ገዓዝኩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምሂረን እቲ ትምህርቲ ንህይወቶም ኬመሓይሾ ኸሎ ርእየን እየ። ኣደይ በቲ ኣብ ኣረኣእያይን ኣብ ኣካይዳይን ዝገበርክዎ ኣወንታዊ ለውጢ ተደሪኻ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና እውን ኣሐጒሱኒ እዩ።

 ብ1999 ኣብ ኤል ሳልቫዶር ካብቲ ሕጂ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ዚብሃል ዘሎ ተመረቕኩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ብኸመይ ከም ዝመርሕን ብኸመይ ከም ዝምህርን ብኸመይ ንጉባኤ ኸም ዝጓስን ኣሰልጢኑንን ኣዕጢቑንን እዩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ነታ ዝፈትዋ ሰበይተይ ኤውሄንያ ተመርዓኽዋ። ሕጂ ኽልቴና ኣብ ጓተማላ ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ዄንና ነገልግል ኣለና።

 ሎሚ፡ ብህይወት ተስፋ ዝቘረጸ ዘይኰነስ፡ ኣዝየ ሕጉስ ሰብ እየ። ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባረይ፡ ካብ ዝሙትን ዓመጻን ሓራ ኣውጺኡኒ፡ ናይ ሓቂ ፍቕርን ሰላምን ዝመልኦ ህይወት ክመርሕ ድማ ኣኽኢሉኒ እዩ።

a ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ ንመጽናዕቲ እተዳለወት መጽሓፍ እዮም ዚጥቀሙ።