ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ሕማቕ ጠባይ ከም ዝነበረኒ ተገንዘብኩ”

“ሕማቕ ጠባይ ከም ዝነበረኒ ተገንዘብኩ”
  • ዓመተ ልደት፦ 1960

  • መበቈል ሃገር፦ ፊንላንድ

  • ታሪኽ፦ ሙዚቀኛ ሄቪ-ሜታል

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ወደባዊት ከተማ ቱርኩ፡ ሸቃሎ ብብዝሒ ኣብ ዚነብሩሉ ኸባቢ እየ ዓብየ። ኣቦይ ጐብለል መኸተ ጕስጢ ነበረ፣ ኣነን ምንኣሰይ ሓወይን ከኣ ኣብ መኸተ ጕስጢ ብንጥፈት ንሳተፍ ነበርና። ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ብዙሕ ሳዕ ንኽብኣስ ብድሆ ይቐርበለይ ነበረ፣ ኣነ እውን ካብ ምጕሳጥ ድሕር ኢለ ኣይፈልጥን ነበርኩ። ኰተቴ ምስ ኰንኩ፡ ምስ ዕሉላት ዓዋሉ ሓበርኩ፣ እዚ ድማ ናብ ዝገደደ ግጭታት መርሓኒ። ምስ ሄቪ-ሜታል ዚብሃል ሙዚቃ ምስ ተላለኹ ኸኣ፡ ኰዀብ ሙዚቀኛ ናይ ምዃን ትምኒት ሓደረኒ።

ከበሮታት ዓዲገ ድማ፡ ባንድ መስረትኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ቀንዲ ደራፊ እቲ ባንድ ኰንኩ። ኣብ መድረኽ ዓበድበድ ምባል እፈቱ ነበርኩ። ተዳፈርቲ ስለ ዝነበርናን ትርኢትና ጠገለ ዘይብሉ ስለ ዝነበረን፡ በብቝሩብ ብዙሕ ተፈላጥነት ረኸብና። ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰማዕቲ ኽንጻወት ጀመርና። እተወሰነ ደርፍታት ከኣ ኣቕዳሕና፣ እታ ናይ መወዳእታ ዘቕዳሕናያ ድማ ብብዙሓት ተፈትወትልና። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1980ታት፡ ንባንድና ንኸነፋልጥ ኢልና ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተጓዓዝና። ንእተወሰነ እዋን፡ ኣብ ኒው ዮርክን ኣብ ሎስ ኣንጀለስን ምርኢታት ኣቕረብና፣ ናብ ፊንላንድ ቅድሚ ምምላስና ኸኣ ምስ ሰብ ሞያ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ርክባት መስረትና።

ኣብቲ ባንድ ምዃነይ ባህ ይብለኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ህይወተይ ዝያዳ ትርጕም እደሊ ነበርኩ። እቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ዝነበረ ሕሰም የጕህየኒ ነበረ። ኣነባብራይ ርዝነት ዘይብሉ ምንባሩ እውን የበሳጭወኒ ነበረ። ሕማቕ ሰብ ከም ዝዀንኩ ይስምዓኒ ነበረ፣ ኣብ ገሃነም እሳት ከይቃጸል ድማ እፈርህ ነበርኩ። ካብ ኵሉ ዓይነት መንፈሳዊ መጻሕፍቲ መልሲ ኽረክብ ፈተንኩ። ንኣምላኽ ባህ ከብሎ ኸቶ ኸም ዘይክእል እኳ እንተ ተሰምዓኒ፡ ሓገዙ ኽረክብ ብጽኑዕ ጸለኹ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ድራር ዕለተይ ንምምእራር፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ እሰርሕ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ መሳርሕተይ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ፈለጥኩ። ሽዑ፡ ብሕቶታት ልቡ ኣጥፋእኩሉ። እቲ ዚውሓጠልካ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልስታቱ ስለ ዘስተንከረኒ ግና፡ ምስኡ ሓቢረ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተሰማማዕኩ። ንገለ ሰሙናት ምስ ኣጽናዕኩ፡ ባንድና ደርፍታታ ንኸተቕድሕ ጽቡቕ ውዕል ቀረበልና፣ ምስቲ ውዕል ተተሓሒዙ ኸኣ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣልቡም ንምውጻእ ተኽእሎ ነበረና። እዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ሓንሳእ ዝረኽቦ ዕድል ኰይኑ ተሰሚዑኒ ነበረ።

ነቲ ምሳይ ዜጽንዕ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ሓንቲ ኣልቡም ከቕድሕ ከም ዝደሊ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወተይ ከም ዘውዕሎ ነገርክዎ። ንሱ ግና ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:24 ዚርከብ ቃላት የሱስ ከንብብ ደኣ ነገረኒ እምበር፡ ርእይቶኡ ኣይነገረንን። እታ ጥቕሲ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን” ትብል። ቃላት የሱስ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ምስ ተገንዘብኩ፡ ደንጸወኒ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግና፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረኒ ሰብ ብተራኡ ደንጸዎ። ከመይሲ፡ ንየሱስ ክስዕቦ ስለ ዝደለኹ፡ ነቲ ባንድ ከም ዝሓደግክዎ ነገርክዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ንጕድለተይ ዜርእየኒ መስትያት እዩ ዀይኑለይ። (ያእቆብ 1:22-25) ሽዑ፡ ሕማቕ ጠባይ ከም ዝነበረኒ ተገንዘብኩ። ትዕቢትን ዘይረዊ ህርፋንን ነበረኒ። ዘረባይ ሕማቕ ነበረ፣ እብኣስን አትክኽን ብዙሕ እሰትን ድማ ነበርኩ። ኣነባብራይ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጋጮ ምስ ተገንዘብኩ፡ ምስ መንደቕ ከም እተላጋዕኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኰይኑ ግና፡ ዜድሊ ለውጥታት ንምግባር ድሉው ነበርኩ።—ኤፌሶን 4:22-24

“ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ . . . እቲ ሰማያዊ ኣቦና መሓሪ ምዃኑ፡ ኣቝሳል እቶም ካብ ጌጋታቶም ዚንስሑ ኸኣ ኬሕዊ ኸም ዚደሊ ኣእመነኒ”

ብፍላይ ኣብ መጀመርታ፡ በቲ ዝሓለፈ ኣበሳይ ብጣዕሳ ተዋሒጠ ነበርኩ። እቲ መጽናዕቲ ዚመርሓለይ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር ግና፡ ብዙሕ ሓገዘኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢሳይያስ 1:18፡ “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ . . . እዩ” ከም ዚብል ኣርኣየኒ። እዝን ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና መሓሪ ምዃኑ፡ ኣቝሳል እቶም ካብ ጌጋታቶም ዚንስሑ ኸኣ ኬሕዊ ኸም ዚደሊ ኣእመነኒ።

ንየሆዋ ምስ ፈለጥክዎን ጋህዲ ምስ ኰነለይን፡ ህይወተይ ንዕኡ ኽውፊ ደለኹ። (መዝሙር 40:8) ብ1992 ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ፡ ሩስያ፡ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ብዙሓት ጥዑያት ፈተውቲ ኣጥርየ ኣለኹ። በብግዜኡ ተኣኪብና ጽቡቕ ሙዚቃ ንጻወት፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ድማ ንሕጐስ ኢና። (ያእቆብ 1:17) ነታ ዝፈትዋ ሰበይተይ ክርስቲና ምምርዓወይ እውን፡ ካልእ ፍሉይ በረኸት እዩ ዀይኑለይ። ምስኣ ብዙሕ ሓጐስን ጸገምን ኣሕሊፍና ኢና፣ ናይ ውሽጠይ ስምዒት እውን አካፍላ እየ።

ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዘይከውን ነይረ፡ ሕጂ ብህይወት ኣይምሃለኹን። ቀደም፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ሽግርን ሓደጋን እናኣቶኹ እየ ዝወጽእ ነይረ። ሕጂ ግና ኣብ ህይወተይ ናይ ሓቂ ዕላማ ኣሎኒ፣ ኵሉ ነገር ድማ ቦታኡ ኸም ዝሓዘ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።