ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብ መወዳእታ ምስ ኣቦይ ሓደ ዄንና

ኣብ መወዳእታ ምስ ኣቦይ ሓደ ዄንና
  • ዓመተ ልደት፦ 1954

  • መበቈል ሃገር፦ ፊሊፒንስ

  • ታሪኽ፦ ምስ ሃሳዪ ኣቦኡ እተረሓሓቐ

ሕሉፍ ህይወተይ

 ብዙሓት በጻሕቲ ነቲ ኣብ ፊሊፒንስ ጥቓ ኸተማ ፓግሳንሃን ዚርከብ ውሩይ መንጫዕጫዕታ ኺበጽሕዎ ይመጹ እዮም። ናርዶ ለሮን ዝስሙ ኣቦይ ድማ ኣብቲ ኸባቢ እቲ እዩ ብድኽነት ዓብዩ። ነቲ ኣብ መንግስትን ኣብ ሓይልታት ፖሊስን ኣብ ስራሕን ዘሎ ብልሽውና ምስ ረኣየ፡ በዚ ተመረረ፡ ጡዕ እውን ኰነ።

 ወለደይ ንሸሞንቴና ደቆም ንምዕባይ፡ ኣበርቲዖም ይዓይዩ ነይሮም እዮም። ብዙሕ ግዜኦም ኣብቲ ኣብ ኣኽራን ዚርከብ ሕርሻ እዮም ዜሕልፍዎ ነይሮም። ኣነነ ሮዲሊዮ ሓወይን ንርእስናን ንኣሕዋትናን ክንኣሊ ነይሩና፣ ብዙሕ ግዜ ድማ ንጠሚ ኔርና። ቈልዑ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ንምጽዋት ብዙሕ ኣጋጣሚ ኣይነበረናን። ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ወዲ ሸውዓተ ኻብ ዚኸውን ኣትሒዙ ኣብ ሕርሻ ይሰርሕ ነይሩ፣ ኣብኡ ኸኣ ከቢድ ጾር ኮኮናት ተሰኪምና ናብ ከረን ነደይቦ ኔርና። እቲ ጾር ክንስከሞ ዘይንኽእል እንተ ዄንና፡ ክንጐትቶ ነይሩና።

 መውቃዕቲ ኣቦይ ክንጻወር ነይሩና፣ ልዕሊ ዅሉ ዜሳቕየና ዝነበረ ግና፡ ንኣደይ ኪወቕዓ ኽንርኢ ኸለና እዩ። ከነገላግላ እኳ እንተ ፈተንና፡ ዋላ ሓንቲ ኣይንዓብስን ኢና ኔርና። ስለዚ፡ ኣነን ሮዲሊዮን ምስ ዓበና ንኣቦና ኽንቀትሎ ብምስጢር ተሰማማዕና። ፈቃር ኣቦ ንምርካብ ሃረር እየ ዝብል ነይረ!

 ብሰንኪ ዓመጻ ኣቦይ ተበሳጭየን ተቘጢዐን ስለ ዝነበርኩ፡ ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ ኻብ ገዛ ወጻእኩ። ንእተወሰነ እዋን ኣብ ጽርግያ እነብር ነበርኩ፣ ማሪዋና እውን ክጥቀም ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንበጻሕቲ ናብቲ መንጫዕጫዕታ ዚወስድ ዘዋር ጃልባ ዀይነ እሰርሕ ነበርኩ።

 ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ማኒላ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ኽምሃር ጀመርኩ። ኰይኑ ግና፡ ቀዳመ ሰንበት ንስራሕ ናብ ፓግሳንሃን ክምለስ ስለ ዝነበረኒ፡ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ግዜ ኣይነበረንን። ህይወተይ ከም ሸቶ ዘይብሉ ዕንክሊል እዩ ዀይኑ ነይሩ፣ ነቲ ማሪዋና ስለ ዝለመድክዎ፡ እውን ካብ ጭንቀተይ ኣየደንዝዘንን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ መታፕታሚነስን ኮከይንን ሄሮይንን ዚብሃል ዝበርትዐ ዓይነት ሓሽሽ ክፈታትን ጀመርኩ። ሓሽሽ ከኣ ምስ ምንዝርና፡ ኢድን ጓንትን እዩ። ብድኽነትን ብግፍዕን ብመከራን ተኸቢበ እየ ነይረ። ነቲ መንግስቲ እጸልኦ ነይረ፣ ብሽግረይ እውን ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ገይረ እርእዮ ነይረ። ንኣምላኽ ድማ፡ “ህይወት ከምዚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ኣብተን ዝመርመርክወን እተፈላለያ ሃይማኖታት ግና መልሲ ኣይረኸብኩን። ስለዚ፡ ነቲ ቕብጸተይ ንምዕባጥ፡ ብዙሕ ሓሽሽ ወሰድኩ።

 ብ1972፡ ኣብ ፊሊፒንስ ዚርከቡ ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ እቲ መንግስቲ ተቓውሞ ኣለዓዓሉ። ኣነ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ተቓውሞታት ተጸምበርኩ፣ እቲ ተቓውሞ ናብ ጐነጽ ተቐየረ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተዉ፣ ኣብ ብዘላ እታ ሃገር ከኣ ወተሃደራዊ ሕጊ ተኣወጀ።

 ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጽርግያ ተደርበኹ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ኣብቲ ዕልወት እጃም ስለ ዝነበረኒ፡ ንሰበ ስልጣን ፈሪሀ እየ ኣብ ጽርግያ ዝሓድር ዝነበርኩ። ነቲ ዝነበረኒ ወልፊ ሓሽሽ ዚኸውን ገንዘብ ንምርካብ፡ ክሰርቕ ጀመርኩ፣ ኣብ መወዳእታ እውን፡ ንሃብታማትን ንወጻእተኛታትን ብዕሉግ ኣገልግሎት እህብ ነበርኩ። ብህይወት እንበር ወይ እሙት ኣይግድሰንን እዩ ነይሩ።

 እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ኣደይን ምንኣሰይ ሓወይን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ጀሚሮም ነበሩ። ኣቦይ በዚ ነደረ፣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋቶም እውን ኣንደዶ። ንሳቶም ግና ጸንዑ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም እውን ተጠምቁ።

 ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንኣቦይ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚምስረተሉ ናይ መጻኢ ተስፋ ተዛረቦ። (መዝሙር 72:12-14) እዚ ተስፋ እዚ ንኣቦይ ብዙሕ ስለ ዝሰሓቦ፡ ባዕሉ ኺምርምር ወሰነ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዘተስፈወና ፍትሓዊት መንግስቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ካብ ሰብኡትን ኣቦታትን ዚጽበዮ ብቕዓታት እውን ረኸበ። (ኤፌሶን 5:28፣ 6:4) ድሕሪ ሒደት እዋን፡ ንሱን ኵሎም ዝተረፉ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ካብ ገዛ ርሒቐ ስለ ዝነበርኩ፡ ነዚ ዅሉ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ብ1978 ናብ ኣውስትራልያ ገዓዝኩ። ኣብታ ሰላምን ብልጽግናን ዝመልኣ ሃገር ግና፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክረክብ ኣይከኣልኩን። ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን እውን ኣየቋረጽክዎን። በታ ዓመት እቲኣ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሑኒ መጹ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ሰላማዊት ምድሪ ዘርኣዩኒ እኳ እንተ ፈቶኽዎ፡ ምሳታቶም ምሕባር ግና ኣሰከፈኒ።

 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሒደት ሰሙናት ናብ ፊሊፒንስ ተመለስኩ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከኣ፡ ኣቦና ጥዑይ ሰብ ንምዃን ብዙሕ ከም ዝጸዓረ ነገሩኒ፣ ይኹን እምበር፡ ልበይ ተመሪሩ ብምንባሩ፡ ምስኡ ዋላ ሓንቲ ርክብ ኪህልወኒ ኣይደለኹን ነይረ።

 ምንኣሰይ ሓብተይ ድማ ኣብ ህይወት ብዙሕ መከራን ግፍዕን ዝሃለወሉ ምኽንያት ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይራ ገለጸትለይ። ብዙሕ ተመክሮ ዘይብላ ጐርዞ ኸላ፡ ንሕቶታተይ መልሲ ኽትህብ ብምኽኣላ ተደነቕኩ። ቅድሚ ምንቃለይ፡ ኣቦይ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ a ዘርእስታ መጽሓፍ ሃበኒ። “ላዕልን ታሕትን ምጕያይ ሕደጎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እትደልዮ ዘለኻ ንምርካብ ክትሕግዘካ እያ” በለኒ። ኣብ ኣውስትራልያ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክረኽቦም ከኣ ተማሕጸነኒ።

 ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ምኽሪ ተቐቢለ ድማ፡ ኣብ ብሪዝበን ኣብ ጥቓ ገዛይ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብኩ። ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር እውን ተሰማማዕኩ። ከም ዳንኤል ምዕራፍ 7ኢሳይያስ ምዕራፍ 9ን ዝኣመሰለ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ኻብ ብልሽውና ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ኸም እትገዝኣና ኽግንዘብ ኣኽኣለኒ። ምድሪ ገነት ከም እትኸውን እውን ተምሃርኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ክኸውን ደለኹ፣ እንተዀነ ግና፡ ስምዒታተይ ክቈጻጸር፡ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ምውሳድ ሓሽሽን ክሓድጎ፡ ብዕሉግ ኣነባብራይ ድማ ክገድፎ ነበረኒ። ካብታ ምሳይ እትነብር ዝነበረት ጓል ተፈለኹ፣ ካብ ወልፍታተይ እውን ናጻ ወጻእኩ። ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምንቶ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ካልእ ለውጥታት ንምግባር ኪሕግዘኒ ብጸሎት ለመንክዎ።

 በብቝሩብ ድማ እቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ነገር፡ ህይወት ሰብ ኪቕይር ከም ዚኽእል ኣስተውዓልኩ። እንተ ጽዒርና፡ “ሓድሽ ስብእና” ኽንለብስ ከም እንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ቈሎሴ 3:9, 10) ከምኡ ንምግባር ክጽዕር ከለኹ ኸኣ፡ ኣቦይ ባህርዩ ኸም ዝቐየረ እተነግረኒ ነገር ሓቂ ኪኸውን ከም ዚኽእል ተገንዘብኩ። ድሕርዚ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ቝጥዓን ጽልእን ጠፍአ እሞ፡ ክዕረቖ ደለኹ። ኣብ መወዳእታ፡ ንኣቦይ ይቕረታ ገበርኩሉ፡ ካብ ቍልዕነተይ ሒዘዮ ዝነበርኩ ጽልኢ እውን ሓደግክዎ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 መንእሰይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብዙሕ ግዜ ንኻልኦት ስዒበ ኣብ ጐዳኢ ወይ ሃሳዪ ተግባር እሳተፍ ነይረ እየ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መጠንቀቕታ ሓቂ ምዃኑ ኣብ ህይወተይ ርእየዮ እየ፡—ሕማቓት ኣዕሩኽ መገደይ ኣስሒቶምኒ እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:33) ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ እሙናት ኣዕሩኽ ረኺበ እየ፣ ዝሓሽኩ ሰብ ክኸውን እውን ሓጊዞምኒ እዮም። ኣብ መንጎኦም ድማ፡ ሎረታ ዝስማ እትንኣድ ሰበይቲ ረኺበ እየ። ብሓባር ኴንና ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ንሰባት ንምህር ኣለና።

ምስ ሰበይተይን ፈተውተይን ኣብ መኣዲ

 ሳላ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣቦይ ጠሪሱ ኪዀኖ ዘይክእል ዚመስለኒ ዝነበረ ሰብ ኰይኑ እዩ፣ እወ፡ ንኣደይ ፈቃር ሰብኣይ፡ ብሓፈሻኡ ድማ ትሑትን ሰላም ዚፈቱን ክርስትያን ኰይኑ እዩ። ብ1987 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ድሕሪ ምጥማቐይ ምስ ተራኸብና፡ ኣቦይ ኣብ ህይወተይ ንፈለማ ግዜ ሓቚፉኒ!

 ንልዕሊ 35 ዓመት፡ ኣቦይ ምስ ኣደይ ብሓባር ኰይኑ ተስፋ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ኣካፊሉ እዩ። ንሰባት ብምሕጋዝ ዚፍለጥ ትጉህን ሓላይን ሰብኣይ ኰይኑ እዩ። ኣብተን ዓመታት እቲአን፡ ከኽብሮን ከፍቅሮን ክኢለ እየ። ወዱ ብምዃነይ እውን ሓበን ተሰሚዑኒ እዩ። ኣቦይ ብ2016 ሞይቱ እዩ፣ ኣነን ንሱን ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባር ኣብ ስብእናና ዓብዪ ለውጢ ኸም ዝገበርና ኽሓስብ ከለኹ ግና፡ ኣዝዩ ባህ ዜብል ተዘክሮታት እዩ ዘሎኒ። ካብቲ ቐደም ዝነበረኒ ጽልኢ፡ ንእሽቶ እውን እንተ ዀነ ኣይተረፈን። ነቲ ንዅሉ ጠንቂ ጸገማት ስድራ ቤታት ከም ዜወግዶ ዘተስፈወና ሰማያዊ ኣቦይ የሆዋ ኣምላኽ ብምርካበይ እውን ብዙሕ እሕጐስ እየ።

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።