ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“መቓብረይ እየ ዝዅዕት ነይረ”

“መቓብረይ እየ ዝዅዕት ነይረ”
  • ዓመተ ልደት፦ 1978

  • መበቈል ሃገር፦ ኤል ሳልቫዶር

  • ታሪኽ፦ ተባኣሲ ኣባል ጕጅለ ዓዋሉ

ሕሉፍ ህይወተይ

 “ብዛዕባ ኣምላኽ ብሓቂ ኽትምሃር እንተ ደሊኻ፡ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይትፈለ።” እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ ደንጽዩኒ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ኻብ ዝጅምር ነዊሕ ኣይገበርኩን ነይረ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም እተሰምዓኒ ምእንቲ ኺርድኣኩም ግና፡ ብዛዕባ ህይወተይ እተወሰነ ኽገልጸልኩም።

 ኣብ ኤል ሳልቫዶር ኣብ እትርከብ ከተማ ከሳልተፐከ እየ ተወሊደ። ካብቶም 15 ቘልዑ ድማ 6ይ እየ ነይረ። ወለደይ ብቕንዕናን ሕጊ ሓልየን ከም ዝመላለስ ገይሮም እዮም ኬዕብዩኒ ፈቲኖም። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ሊዮናርዶ ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህረና ሓሓሊፉ ይመጽእ ነይሩ እዩ። ኣነ ግና ነቲ እተምሃርክዎ ዕሽሽ ኢለ ሕማቕ ውሳነታት እገብር ነይረ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ መማህርተይ ምስ ዝዀኑ ኣዕሩኸይ ኣልኮላዊ መስተ ኽሰትን ሓሽሽ ክወስድን ጀመርኩ። ንሳቶም ከኣ ምስ ጕጅለ ዓዋሉ ንምሕባር በብሓደ ትምህርቲ ኣቋረጹ፣ ኣነ እውን ኣሰር እቲ ሕማቕ ኣብነቶም ሰዓብኩ። ነቲ ወልፍታትና ዜድሊ ገንዘብ ንምርካብ ድማ፡ ኣብ ጽርግያ ገንዘብ ክንምንዝዕን ክንሰርቕን ንውዕል ኔርና።

 እቶም ጕጅለ ዓዋሉ ኸም ስድራ ቤት እዮም ዀይኖምኒ ነይሮም። ንዓታቶም እሙን ክኸውን ከም ዘሎኒ እውን እኣምን ነይረ። ንኣብነት፡ ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ኻብቶም ጕጅለ ዓዋሉ ብሓሽሽ ሰኺሩ ኸሎ፡ ንሓደ ኻብ ጐረባብተይ ወቕዖ። ኣብቲ ባእሲ፡ እቲ ጐረቤተይ ንዓርከይ ኣሰነፎ፡ ናብ ፖሊስ ከኣ ደወለ። በቲ ዝገበሮ ኣዝየ ስለ እተቘጣዕኩ፡ ንዓርከይ ምእንቲ ኸፍትሖ ኢለ፡ ብሓደ ገዚፍ በትሪ ገይረ ንማኪና ጐረቤተይ ክሰባብራ ጀመርኩ። ነቲ መሳዅታን ዝተረፈ ኣቕሑኣን ክሳባብሮ ኸለኹ እቲ ጐረቤተይ ይልምነኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስማዕ ኣበኽዎ።

 ወዲ 18 ዓመት ከለኹ፡ ጕጅለና ምስ ፖሊስ ተጋጨወት። ሽዑ፡ ባዕልና ዝሰናዕናዮ ቦምብ ክድርቢ ምስ በልኩ ድማ፡ ከመይ ኢላ ኸም እተተኰሰት እኳ እንድዒ፡ እታ ቦምብ ኣብ ኢደይ ተተኲሳ። እተሰላልዐት ኢደይ ክርኢ ጥራይ እዩ ዚዝከረኒ፣ ድሕሪኡ፡ ሃለዋተይ ኣጥፋእኩ። ኣብ ሆስፒታል ሃለዋተይ ምስ ፈለጥኩ፡ የማናይ ኢደይ ከም እተቘርጸን የማናይ እዝነይ ከም ዝጸመመን የማናይ ዓይነይ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓወረን ፈለጥኩ።

 ካብ ሆስፒታል ምስ ወጻእኩ፡ ስንኩል ክነሰይ ብቐጥታ ናብ ጕጅለና ተመለስኩ። ይኹን እምበር፡ ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ብፖሊስ ተታሒዘ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣቶኹ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ኣባላት ጕጅለና ዝነበረኒ ርክብ ደልደለ። ንግሆ ኣብ እዋን ቍርሲ ናይ መጀመርታ ማሪዋና ብሓባር ካብ እነትክኸሉ ግዜ ኣትሒዝና ኽሳዕ እንድቅስ፡ ምሉእ መዓልቲ ብሓንሳእ ኢና እንውዕል ኔርና።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሊዮናርዶ ኺበጽሓኒ መጸ። ከነዕልል ከለና፡ ናብ የማናይ ምናተይ እናኣመልከተ፡ “እዚ ተወቂጥካዮ ዘለኻ ሰለስተ ነጠብጣብ ትርጉሙ ትፈልጦዶ” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ፡ “እወ፡ ጾታዊ ርክብን ሓሽሽን ሮክ ኤንድ ሮልን” በልክዎ። ሊዮናርዶ ግና፡ “ኣነስ እባ ሆስፒታልን ቤት ማእሰርትን ሞትን ምበልክዎ። ኣብ ሆስፒታል ኔርካ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣለኻ። ዚቕጽል መቸም እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጦ ኢኻ” በለኒ።

 እቲ ሊዮናርዶ ዝበሎ ነገር ኣሰምቢዱኒ እዩ። ሓቁ እዩ ነይሩ። ብኣነባብራይ፡ መቓብረይ እየ ዝዅዕት ነይረ። ሊዮናርዶ ምስኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ዓደመኒ፡ ኣነ እውን ተቐበልክዎ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርክዎ ኸኣ ንህይወተይ ክቕይር ደረኸኒ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ስነ ምግባር የበላሽዎ እዩ” ይብል እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:33፡ እግረ ጽሑፍ) ስለዚ፡ ሓደ ኻብቲ ብቐዳምነት ክገብሮ ዝነበረኒ ነገር፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ምርካብ እዩ ነይሩ። ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ነቲ ምስ ዓዋሉ ዚግበር ኣኼባ ሓዲገ፡ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ኽእከብ ጀመርኩ። ኣብቲ ኣኼባ ድማ፡ ምስ ሓደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ እተጠምቀ ኣንድሬስ ዚብሃል እሱር ተራኸብኩ። ንሱ ድማ ምስኡ ሓቢረ ቝርሲ ኽበልዕ ዓደመኒ። ድሕሪኡ፡ ንመዓልተይ ማሪዋና ብምትካኽ ኣይኰንኩን ዝጅምሮ ነይረ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣነን ኣንድሬስን ንግሆ ንግሆ ብዛዕባ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመያየጥ ነበረና።

 ኣባላት እቲ ጕጅለ ዓዋሉ ለውጢ እገብር ከም ዘለኹ ቐልጢፎም ኣስተብሃሉ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ሓደ ኻብቶም መራሒ ጕጅለ ኼዛራርበኒ ኸም ዚደሊ ገለጸለይ። ሽዑ፡ ፈሪሀ ነይረ እየ። ሓሳበይ ምስ ፈለጠ እንታይ ከም ዚገብር ኣይፈለጥኩን ነይረ፣ ምኽንያቱ፡ ነቲ ጕጅለ ሓዲግካ ምውጻእ ፈጺምካ ዘይከኣል እዩ። ሽዑ ንሱ፡ “ኣብ ኣኼባታትና ትእከብ ከም ዘየለኻ፡ ኣብ ክንዳኡስ ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትኸይድ ከም ዘለኻ ርኢና ኢና። እንታይ እዩ መደብካ፧” በለኒ። ኣነ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክቕጽልን ህይወተይ ክቕይርን ከም ዚደሊ ነገርክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ብሓቂ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከም ዝደሊ ነቶም ዓዋሉ ኽሳዕ ዘርኣኽዎም፡ ንሳቶም ከም ዜኽብሩኒ ብምግላጽ ዘይተጸበኽዎ ነገር ተዛረበ። ቀጺሉ ድማ፡ “ብዛዕባ ኣምላኽ ብሓቂ ኽትምሃር እንተ ደሊኻ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልገብ። ሕማቕ ነገራት ምግባር ክትሓድጎ ንጽበየካ ኢና። እንቋዕ ሓጐሰካ። ኣብ ቅኑዕ መገዲ ኢኻ ዘለኻ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ኺሕግዙኻ እዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸለኹ ምሳታቶም ኣጽኒዐ ነይረ እየ፣ ገለ ኻብ ስድራ ቤተይ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ኣይትፍራህ። ጽናዕ” በለኒ። ከምኡ ኺብለኒ ኸሎ፡ ገና ፍርሂ ይስምዓኒ ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ብዙሕ ሓጐስ እውን ይስምዓኒ ነይሩ እዩ። ንየሆዋ ኣምላኽ ድማ ብልበይ ኣመስገንክዎ። ካብ ጋብያ ኸም ዝወጸት ዑፍ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። እቲ የሱስ፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ኢሉ እተዛረቦ ቓል ድማ ሽዑ እዩ ተረዲኡኒ።—ዮሃንስ 8:32

 ገሊኦም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ሓሽሽ እናሃቡ ይፍትኑኒ ነይሮም እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ በቲ ፈተና እስነፍ ነይረ እየ። ድሕሪ ብዙሕ ልባዊ ጸሎት ግና፡ ምስ ግዜ ንወልፈይ ከሰንፎ ኽኢለ እየ።—መዝሙር 51:10, 11

 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ከም ዝምለስ መሲልዎም ነይሩ እዩ፣ ኣነ ግና ከምኡ ኣይገበርኩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዙሕ ግዜ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እናተመላለስኩ ነቶም እሱራት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም እተምሃርኩ እነግሮም ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ እቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ናይ ሓቂ ኸም እተቐየርኩ ኣመኑ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቶም ናይ ቀደም ጸላእተይ ከም እተቐየርኩ ኣይፈለጡን ነይሮም።

 ሓደ መዓልቲ፡ ምስ መገላግልተይ እናኣገልገልና ኸለና፡ ዕጡቓት ኣባላት ጕጅለ ዓዋሉ ብሃንደበት ከበቡና። እዞም መቐናቕንቲ እቶም ቀደም ኣባሎም ዝነበርኩ ጕጅለ፡ ኪቐትሉኒ ይደልዩ ነይሮም እዮም። ሽዑ፡ መገላግልተይ ብትሕትና ግናኸ ብትብዓት፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣባል ጕጅለ ዓዋሉ ኸም ዘይኰንኩ ገለጸሎም። ኣነ እውን ክሃድእ ፈተንኩ። እቶም ሰባት ከኣ ምስ ቀጥቀጡንን ናብቲ ኸባቢ ዳግም ከይመጽእ ምስ ኣጠንቀቑንን፡ ንኣጽዋሮም ናብ መሬት ገጹ ገይሮም ክንከይድ ሓደጉና። መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ብሓቂ ቐይርዎ እዩ። ቀደም እንተ ዚኸውን፡ ሕነ ኽፈዲ ምፈተንኩ ነይረ። ሕጂ ግና፡ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:15፡ “ሓደ እኳ ንኻልእ ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፣ ግናኸ፡ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ክትገብሩ ተጋደሉ” ብምባል ዚህቦ ምኽሪ ኽመላለስ እጽዕር እየ።

 ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝዀንኩሉ እዋን ኣትሒዘ ብቕንዕና ኽመላለስ እጽዕር ኣለኹ። ቀሊል ግና ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ብሓገዝ የሆዋን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝረኸብክዎ ምኽርን ብደገፍ ሓደስቲ ኣዕሩኸይን ተዓዊተ እየ። ናብ ናይ ቀደም ተግባራተይ ክምለስ ፈጺመ ኣይደልን እየ።—2 ጴጥሮስ 2:22

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 ቍጡዕን ተባኣስን እየ ነይረ። ነዚ ሕማቕ ባህርያት ሒዘ እንተ ዝቕጽል፡ ሕጂ ብህይወት ኣይምሃለኹን ነይረ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርክዎ ነገር ምሉእ ብምሉእ ቐዪሩኒ እዩ። ወልፈይ ሓዲገዮ እየ። ምስ ናይ ቀደም ጸላእተይ ብሰላም ምንባር እውን ተማሂረ እየ። (ሉቃስ 6:27) ሕጂ፡ ጽቡቕ ባህርያት ኸማዕብል ምስ ዚሕግዙኒ ሰባት ተዓራሪኸ ኣለኹ። (ምሳሌ 13:20) ንዅሉ እቲ ዝገበርክዎ ሕማቕ ነገራት ይቕረ ንምባል ድሉው ንዝዀነ ኣምላኽ እናኣገልገልኩ፡ ሓጐስን ዕላማን ዘለዎ ህይወት እመርሕ ኣለኹ።—ኢሳይያስ 1:18

 ኣብ 2006፡ ንንጽል ክርስትያን ወንጌላውያን ዚውሃብ ፍሉይ ስልጠና ረኸብኩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ነታ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ ተመርዓኹዋ፡ ሓቢርና እውን ጓልና ነዕቢ ኣለና። ሕጂ፡ መብዛሕትኡ ግዜይ እቲ ንዓይ ዝሓገዘኒ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ኣብ ምምሃር እየ ዘሕልፎ። ኣብ ጉባኤና ኸኣ ሽማግለ ዀይነ አገልግል እየ፡ ንመንእሰያት እውን ካብቲ ብንእስነተይ ዝገበርክዎ ጌጋታት ምእንቲ ኺርሕቑ ኽሕግዞም እፍትን እየ። ሕጂ፡ መቓብረይ ኣብ ክንዲ ዝዅዕት፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እሃንጽ ኣለኹ።