ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ህይወተይ ናበይ ተምርሕ ከም ዘላ ኣርዚነ ኽሓስብ ጀመርኩ”

“ህይወተይ ናበይ ተምርሕ ከም ዘላ ኣርዚነ ኽሓስብ ጀመርኩ”
  • ዓመተ ልደት፦ 1941

  • መበቈል ሃገር፦ ኣውስትራልያ

  • ታሪኽ፦ ሽጋራ ዜትክኽን ሰታይን

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ እትርከብ ዎርያልዳ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። ዎርያልዳ፡ ብሕርሻ ዚመሓደር ማሕበረ ሰብ ዝሓዘት ብምዃና፡ ኣባጊዕን ከብትን ዘራእትን ኣሕምልትን ኣይፍለያን እዩ። ብዘይካዚ፡ ጽርይትን ብዙሕ ገበን ዘይፍጸመላን ከተማ እያ።

ዓሰርተ ቘልዑ ኢና፣ በዅሪ ገዛ ስለ ዝዀንኩ ድማ ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ንስድራ ቤትና ምእንቲ ኽሕግዝ ስራሕ ጀመርኩ። ብዙሕ ዓለማዊ ትምህርቲ ስለ ዘይነበረኒ፡ ኣብ ሕርሻ እየ ዝዓዪ ነይረ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ምርባሕ ከብቲ እናዓየኹ፡ ኣፍራስ ከሰልጥን ጀመርኩ።

ኣብ ሕርሻ ምዕያይ ረብሓን ጕድኣትን ኣለዎ። ብሓደ ሸነኽ፡ እቲ ዕዮ ዀነ እቲ ኣከባቢ ብሓቂ የሐጕሰኒ እዩ። ኣብቲ ህዱእ ንፋስን ጥዑም ሽታ ኣግራብን ዘለዎ ባህ ዜብል ምሸት፡ ሓዊ እናሰሓንኩ ናብ ወርሕን ከዋኽብትን ዝጥምተሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። ‘ነዚ ዅሉ ዜደንቕ ነገራት መቸም ፈጣሪ ኺህልዎ ኣለዎ’ ኢለ ዝሓሰብኩሉ እዋን ትዝ ይብለኒ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ኣብቲ ሕርሻ ጐዳኢ ጽልዋ ይግበረለይ ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ኪጻረፉ ኸለዉ እሰምዖም ነበርኩ። ብቐሊሉ ሽጋራ ዘትክኸሉ ኣጋጣሚ ኸኣ ነበረኒ። ስለዚ ድማ፡ ሽጋራ ምትካኽን ጸርፍን ክፍሊ ህይወተይ ኰነ።

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ናብ ሲድኒ ኸድኩ። ኣብ ሰራዊት ክኽተብ እኳ እንተ ደለኹ፡ ዓለማዊ ትምህርቲ ስለ ዘይነበረኒ ግና፡ ተቐባልነት ኣይረኸብኩን። ይኹን እምበር፡ ስራሕ ስለ ረኸብኩ፡ ኣብ ሲድኒ ሓደ ዓመት ተቐመጥኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ እየ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራኸብኩ። ኣብ ሓደ ኻብ ኣኼባታቶም ንኽእከብ ዕድመ ተቐበልኩ፣ ትምህርትታቶም ሓቂ ምዃኑ ድማ ብኡብኡ ተገንዘብኩ።

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና፡ ናብ ሕርሻ ኽምለስ ወሰንኩ። ከይሓሰብክዎ ድማ ናብ ጉንዲዊንዲ፡ ኲንስላንድ ከድኩ። ኣብኡ ስራሕ ረኺበ፡ ተመርዓኹ፣ እቲ ዜሕዝን ግና፡ መስተ ኽሰቲ እውን ጀመርኩ።

ክልተ ቘልዑ ወሊድና ኢና። ደቀይ ምስ ተወልዱ፡ ህይወተይ ናበይ ተምርሕ ከም ዘላ ኣርዚነ ኽሓስብ ጀመርኩ። ነቲ ኣብ ሲድኒ፡ ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰማዕክዎ ትምህርቲ ዘከርኩ እሞ፡ ብዛዕባኡ ሓደ ነገር ክገብር ከም ዘሎኒ ወሰንኩ።

ኣድራሻ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓዘ ናይ ቀደም ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ረኸብኩ። ሓገዝ ኪውሃበኒ ዚገልጽ ደብዳበ ስለ ዝለኣኽኩ፡ ሓደ ለዋህን ፈቃርን ናይ የሆዋ ምስክር ኪበጽሓኒ መጸ። ውዓል ሕደር ከይበለ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓለይ ጀመረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከለኹ፡ ኣብ ህይወተይ ዓበይቲ ለውጥታት ክገብር ከም ዘሎኒ ኽርድኣኒ ጀመረ። ብፍላይ ዝተንከፈትኒ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ 2 ቈረንቶስ 7:1 እያ። እታ ጥቕሲ፡ “ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ” ብምባል ተተባብዓና።

ምትካኽ ሽጋራን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ከቋርጽ ከኣ ወሰንኩ። እዚ ኣመላት እዚ ንነዊሕ ዓመታት ክፍሊ ህይወተይ ኰይኑ ስለ ዝጸንሐ፡ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ኽገብር ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕስ መገዲ ኽመላለስ ቈሪጸ ነበርኩ። እቲ ዝዓበየ ሓገዝ ዝዀነኒ፡ ነቲ ኣብ ሮሜ 12:2 ዚርከብ ስርዓት ኣብ ግብሪ ምውዓለይ እዩ። እታ ጥቕሲ፡ “ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡ በዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኣይትቀረጹ” ትብል። ኣመላተይ ንክቕይር፡ ኣተሓሳስባይ ክቕይር ከም ዜድልየኒ፡ ከምኡውን ንኣመላተይ ኣምላኽ ብዚርእዮ መገዲ፡ ማለት ከም ጐዳኢ ገይረ ኽርእዮ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ብሓገዝ የሆዋ ድማ፡ ምትካኽ ሽጋራን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ኣቋረጽኩ።

‘ኣመላተይ ንክቕይር፡ ኣተሓሳስባይ ክቕይር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ’

ዝያዳ ዘጸገመኒ ግና፡ ጸርፊ ንኽሓድጎ ዝገበርክዎ ቓልሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኤፌሶን 4:29፡ “ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” ኢሉ ኸም ዚመክር እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ጽሩይ ቃላት ክሳዕ ዝዛረብ ግዜ ወሲዱለይ እዩ። ብዛዕባ እተን ኣብ ኢሳይያስ 40:26 ዚርከባ ቓላት ምስትንታነይ ግና ጠቒሙኒ እዩ። እታ ጥቕሲ ብዛዕባ እቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማያት ከምዚ ትብል፦ “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።” ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ባህ ኢሉኒ ዝርእዮ ዩኒቨርስ ኪፈጥር ካብ ከኣለ፡ ምእንቲ ኸሐጕሶ ለውጢ ንኽገብር ዜኽእለኒ ሓይሊ ብርግጽ ክህበኒ ኸም ዚኽእል ሓሰብኩ። ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን ጻዕርን ድማ፡ በብቝሩብ ዘረባይ ክቈጻጸር ከኣልኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ኣርባሒ ማል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ሕርሻ ብዙሓት ሰባት ስለ ዘይነበሩ፡ ምስ ሰባት ናይ ምዝራብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ኣይነበረንን። ይኹን እምበር፡ በቲ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኽብክዎ ስልጠና፡ ሓሳባተይ ብኸመይ ክገልጽ ከም ዝኽእል ተማሂረ እየ። እቲ ስልጠና ብብዙሕ መዳያት ጠቒሙኒ እዩ። ንኣብነት፡ ንሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽዛረቦም ኣኽኢሉኒ እዩ።—ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14

ንሓያሎ ዓመታት፡ ኣብ ጉባኤ ሽማገለ ዀይነ ኸገልግል በቒዐ እየ። ብእተኻእለኒ መጠን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾተይ ክሕግዝ ምኽኣለይ ከም ክቡር መሰል ገይረ እየ ዝርእዮ።

የሆዋ ንዓይ፡ ብዙሕ ትምህርቲ ንዘይብለይ ሰብ፡ ብእኡ ኽምሃር ስለ ዝፈቐደለይ አመስግኖ እየ። (ኢሳይያስ 54:13) ነቲ ‘በረኸት የሆዋ የሀብትም’ ዚብል ኣብ ምሳሌ 10:22 ዘሎ ቓላት ምሉእ ብምሉእ እሰማምዓሉ እየ።