ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብ ርእሰይ ጥራይ እየ ዘተኵር ነይረ

ኣብ ርእሰይ ጥራይ እየ ዘተኵር ነይረ
  • ዓመተ ልደት 1951

  • መበቈል ሃገር ጀርመን

  • ታሪኽ ትዕቢተኛን ብርእሱ ዚምራሕን

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ህይወተይ፡ ስድራ ቤተይ ጥቓ እታ ኣብ ምብራቕ ጀርመን እትርከብ ከተማ ሊፕስግ፡ ካብ ዶባት ቸኮስሎቫክያን ፖላንድን ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ እያ እትነብር ነይራ። ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ከለኹ፡ ብስራሕ ኣቦይ ምኽንያት መጀመርታ ናብ ብራዚል፡ ጸኒሕና ኸኣ ናብ ኤኳዶር ክንግዕዝ ተገደድና።

ወዲ 14 ዓመት ከለኹ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣተኹ። ወለደይ ካባይ ርሒቖም ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ርእሰይ ክኢለ ኺነብር ኣድልዩኒ ነበረ። ብርእሰይ ኪምራሕ ከኣ ጀመርኩ። ተግባራተይ ንኻልኦት ብኸመይ ኪጸልዎም ከም ዚኽእል ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ወለደይ ናብ ጀርመን ተመልሱ። ፈለማ፡ ምስኦም ክነብር ጀመርኩ። ብርእሰይ እምራሕ ስለ ዝነበርኩ ግና፡ ምስ ወለደይ ክነብር ከበደኒ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ ካብ ቤት ወጻእኩ።

ዕላማ ህይወት ንኽፈልጥ ወትሩ ህርድግ እብል ነበርኩ። እተፈላለየ ዓይነት ናብራን ውድባትን ምስ ተዓዘብኩ ድማ፡ ንህይወተይ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኼውዕላ ዚኽእል፡ ነዛ ውቅብቲ ምድርና ብሰባት ቅድሚ ምጥፋኣ ብምድህሳስ ጥራይ ምዃኑ ተሰምዓኒ።

ካብ ጀርመን ወጻእኩ፡ ብሽክለታ ሞተር ዓዲገ ኸኣ ናብ ኣፍሪቃ ኪኸይድ ተበገስኩ። ነዊሕ ከይከድኩ ግና ሞተር ብሽክለታይ ንኸዐሪ ናብ ኤውሮጳ ኽምለስ ኣድለየኒ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፖርቱጋል በጻሕኩ። ብሽክለታ ሞተር ገዲፈ፡ ብጃልባ ኺጐዓዝ ወሰንኩ።

ብኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኪጐዓዙ ዚቀራረቡ ዝነበሩ ጕጅለ መንእሰያት ምስ ረኸብኩ ተጸምበርክዎም። እታ ጸኒሓ ሰበይተይ ዝዀነት ሎሪ እውን ሓንቲ ኻባታቶም እያ ነይራ። ኣነን ሎርን መጀመርታ ናብ ደሴታት ካሪበያ ተጓዓዝና። ኣብ ፖርቶ ሪኮ ንሕጽር ዝበለ እዋን ምስ ጸናሕና ድማ ናብ ኤውሮጳ ተመለስና። ብጋንጽላ እትንቀሳቐስ ጃልባ ረኺብና ናብ ሞተር ጀልባ ኽንቅይራ ተስፋ ነበረና። ንሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስ ደለና ግና፡ ብሃንደበት ውጥንና ተቛረጸ። ኣነ ኣብ ሰራዊት ጀርመን ተኸተብኩ።

ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን 15 ወርሒ ጸናሕኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣነን ሎሪን ተመርዓና፡ ነቲ ብባሕሪ ናይ ምጕዓዝ ናብራና ኽንቅጽሎ ኸኣ ተዳለና። ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ቀቅድሚ ምክፋለይ፡ ንእሽቶ ጃልባ ዓዲግና ነበርና። ኣብ ውትህድርና እናኣገልገልኩ ኸለኹ ኸኣ ነታ ጃልባ ኣመሓይሽና  በብቝሩብ ናብ ሓንቲ ብጋንጽላ እትንቀሳቐስ ጃልባ ኽንቅይራ ጀመርና። ኣብኣ እናነበርና ነዛ ውቅብቲ ምድርና ኽንድህስሳ መደብና። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ማለት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምስ ወዳእኩ፡ ነታ ጃልባ ቕድሚ ምዝዛምና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብና እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ጀመርና።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

መጀመርታ፡ ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ለውጢ ኽገብር ዜድልየኒ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን ነይሩ። ምስ ሎሪ ተመርዕየ ነይረ እየ፡ ምትካኽ ሽጋራ እውን ኣቋሪጸዮ ነይረ እየ። (ኤፌሶን 5:5) ብዛዕባ እቲ ንዓለም ክንዞራ ዝነበረና ውጥን ግና፡ ነቲ ዜደንቕ ፍጥረታት ኣምላኽ ንኽንዕዘብ ኢልና ርእስና ምውፋይና ብወገነይ ጠቓሚ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ።

ከም ሓቂ ግና፡ ብፍላይ ኣብ ባህርያተይ ለውጢ ኽገብር የድልየኒ ነይሩ እዩ። ኣዝየ ትዕቢተኛን ብርእሰይ ዝምራሕን ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ክእለተይን ኣብ ዝዓምሞ ነገራትን ምሉእ ብምሉእ ተዋሒጠ እየ ነይረ። ኣብ ርእሰይ ጥራይ እየ ዘተኵር ነይረ።

ሓደ መዓልቲ ነቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ኣንበብኩ። (ማቴዎስ፡ ምዕራፍ 5-7) ኣብ ፈለማ፡ እቲ የሱስ ብዛዕባ ሓጐስ እተዛረቦ ነገራት ኣይተረድኣንን ነይሩ። ንኣብነት፡ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ከም ዚሕጐሱ ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 5:6) ሽግር ከመይ ገይሩ ንሓደ ሰብ ሕጉስ ኪገብሮ ኸም ዚኽእል ደንጸወኒ። መጽናዕተይ እናቐጸልኩ ምስ ከድኩ ግና፡ ኵልና መንፈሳውነት ከም ዜድልየና፡ እዚ ኸም ዜድልየና ብትሕትና ምስ እንእመን ጥራይ ከኣ መንፈሳውነትና ኸነዕግብ ከም እንኽእል ተገንዘብኩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “መንፈሳውነት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3

ኣነን ሎሪን ኣብ ጀርመን መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ምስ ጀመርና፡ ጸኒሕና ናብ ፈረንሳ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ኢጣልያ ገዓዝና። ኣብ ዝኸድናዮ ድማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺብና ኢና። እታ ኣብ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕርን ሓድነቶምን ኣዝዩ መሲጡኒ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓለምለኻዊ ሕውነት ከም ዘለዎም ክርኢ ኽኢለ እየ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ድሕሪ ግዜ፡ ኣነን ሎሪን ተጠሚቕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰንና።

ድሕሪ ጥምቀት፡ ኣብ ባህርያተይ ለውጢ ምግባረይ ቀጸልኩ። ኣነን ሎሪን ኣብ ገማግም ኣፍሪቃ፡ ብኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ጌርና ኸኣ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኽንጐዓዝ ኣቐዲምና ወሲንና ነበርና። ኣብቲ ውቅያኖስ እቲ ኸለና ኸኣ፡ ክልቴና ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ኾፍ ኢልና ማእለያ ብዘይብሉ ማይ ተኸቢብና ምህላውና ምስ ሓሰብኩ፡ ምስቲ ዓብዪ ፈጣሪና ኽነጻጸር ከለኹ ዘይረብሕ ምዃነይ ተገንዘብኩ። ብዙሕ ግዜ ስለ ዝነበረኒ (ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ የለን)፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ እጥቀመሉ ነበርኩ። ብፍላይ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ህይወት ዚገልጽ ጸብጻባት ከንብብ ከለኹ ተመሰጥኩ። የሱስ ካብቲ ኣነ ኽግምቶ ዝኽእል ንላዕሊ ኽእለት ዝነበሮ ፍጹም ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ንርእሱ ኽብ ኣየበለን። ኣብ ሰማያዊ ኣቦኡ ደኣ እምበር ኣብ ርእሱ ኣየተኵርን እዩ ነይሩ።

ኣብ ህይወተይ መንግስቲ ኣምላኽ ከቐድም ከም ዘሎኒ ተገንዚበ እየ

ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ምስ ኣስተንተንኩ፡ ኣነ እውን ኣብ ህይወተይ መንግስቲ ኣምላኽ ከቐድም ደኣ እምበር፡ ኣብቲ ኽገብሮ ዝደሊ ዝነበርኩ እተፈላለየ ነገራት ከተኵር ከም ዘይብለይ ተገንዘብኩ። (ማቴዎስ 6:33) ኣነን ሎሪን ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ በጻሕና፡ ኣብኡ ዄንና ናብራና ኸነጣጥሕን ኣብ ኣምልኾና ኸነተኵርን ወሰንና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ኣብ ርእሰይ ጥራይ ኣብ ዘተኵረሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ብዛዕባ ውሳነታተይ ወትሩ እጠራጠር እየ ነይረ። ሕጂ ግና፡ ምንጪ እታ ኽትመርሓኒ እትኽእል ፍጽምቲ ጥበብ ረኺበ እየ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ብዘይካዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረኒ ዕላማ ህይወት ኪህልወኒ ኽኢሉ እዩ፣ ማለት ንኣምላኽ ከምልኽን ንሰባት ከኣ ብዛዕባኡ ኺፈልጡ ኽሕግዞምን ክኢለ እየ።

ኣነን ሎሪን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓልና ንሓዳርና ብዝያዳ ኸም ዚድልድል ገበርናዮ። ብተወሳኺ፡ ንየሆዋ እትፈልጥን እተፍቅርን ምጭውቲ ጓል ስለ ዘላትና ተባሪኽና ኢና።

ይኹን እምበር፡ ህይወትና ጸገማት ዘይብላ ኣይኰነትን። ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ ንኸይንሕለል ወይ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ንኸይነቋርጽ ቈሪጽና ኢና።—ምሳሌ 3:5, 6