ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባትይ ቕይር

ንዅሉ ሕቶታተይ ብመጽሓፍ ቅዱስ መለሱለይ

ንዅሉ ሕቶታተይ ብመጽሓፍ ቅዱስ መለሱለይ
  • ዓመተ ልደት 1950

  • መበቈል ሃገር ስጳኛ

  • ታሪኽ ድንግል ካቶሊክ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ እተወለድኩሉ እዋን፡ ወለደይ ኣብ ጋሊሽያ፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ስጳኛ ኣብ እትርከብ ቍሸት፡ ንእሽቶ ቦታ ሕርሻ ነበሮም። ሸሞንተ ቘልዑ ኢና ኔርና፣ ኣነ ኸኣ ራብዓይቲ እየ ነይረ። ኣብ ቤትና ባህ ዜብል ሃዋህው እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ስጳኛ፡ ካብ ስድራ ቤት፡ እንተ ወሓደ ሓደ ቘልዓ ኣብ ማሕበር ደናግል ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት ኪኣቱ ልሙድ እዩ ነይሩ። ካብ ስድራ ቤትና፡ ክልተ ኣብ ማሕበር ደናግል ኣተና፡ ሓደ ኸኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት ኣተወ።

ኣነ ጓል 13 ዓመት ምስ ኰንኩ እየ ኣብቲ ሓብተይ ዝነበረትሉ ኣብ ማድሪድ ዚርከብ ማሕበር ደናግል ዝኣተኹ። ኣብቲ ማሕበር ዝነበረ ሃዋህው ዜሐጕስ ኣይነበረን። ሕግታትን ጸሎትን ሕሰም መነባብሮን እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሕዝነታዊ ምቅርራብ ኣይነበረን። ኣንጊህና ንትንስእ እሞ፡ ኣብቲ ቤት ጸሎት ንኸነስተንትን ንእከብ ነበርና፣ ኣነ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ኸስተንትን ኣይክእልን እየ ነይረ። ጸኒሕና ኸኣ፡ ሃይማኖታዊ መዝሙር ንዝምርን ኣብ ቅዳሴ ንሳተፍን ነበርና። እዚ ዅሉ ግና ብላቲን ስለ ዝነበረ፡ ፈጺሙ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ፣ ኣምላኽ ካባይ ኣዝዩ ኸም ዝረሓቐ ዀይኑ ድማ ይስምዓኒ ነይሩ። እተን ኣብኡ ዝነበርኩለን መዓልትታት፡ ብስቕታ እየን ሓሊፈን። ኣነን ሓብተይን ክንራኸብ ከለና እኳ፡ “ንጽህቲ ማርያም ትወደስ” ጥራይ ኢና ንባሃሃል ኔርና። እተን ደናግል ድሕሪ መኣዲ ንፍርቂ ሰዓት ጥራይ እየን ኽንዛረብ ዚፈቕዳልና ነይረን። እዚ ኻብቲ ኣብ ቤትና ዝነበረ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት ፈጺሙ እተፈልየ እዩ ነይሩ። እተጠለኹ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ ድማ፡ ብዙሕ ሳዕ እበኪ ነበርኩ።

ንኣምላኽ ከም ዝቐረብክዎ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ጓል 17 ዓመት ምስ ኰንኩ ግና፡ ምሒለ ድንግል ካቶሊክ ኰንኩ። ግቡአይ ጥራይ እየ ገይረ፣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና ኣምላኽ ነዚ ንኽገብር መሪጹኒ እንተ ዀይኑ ኽጠራጠር ጀመርኩ። እተን ደናግል፡ ዚጠራጠሩ ሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዚኣትዉ ይምህራና ነበራ። ምስናይዚ ግና፡ ካብ ምጥርጣር ዓዲ ኣይወዓልኩን። የሱስ ክርስቶስ ካብ ሰብ ተፈልዩ ይነብር ከም ዘይነበረ፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ወትሩ ንኻልኦት ሰባት ይምህርን ይሕግዝን ከም ዝነበረ እፈልጥ ነይረ እየ። (ማቴዎስ 4:23-25) ጓላ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ማሕበር ደናግል ዝቕጽለሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣይነበረንን። እቲ ዜገርም ከኣ እታ ኣደ ደናግል፡ ኣብቲ ማሕበር ንክቕጽል ዝጠራጠር እንተ ዀይነ፡ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፈ ኽወጽእ ዝሓሸ ምዃኑ ነገረትኒ። ከምኡ ዝገበረትሉ ምኽንያት ከኣ  ንኻልኦት ጽልዋ ምእንቲ ኸይገብረለን እዩ ዚመስለኒ። ስለዚ፡ ካብቲ ማሕበር ደናግል ወጻእኩ።

ናብ ቤትና ምስ ተመለስኩ፡ ወለደይ ጸገመይ ብሓቂ ተረዲኦምለይ እዮም። ግናኸ፡ ኣብ ዓድና ስራሕ ስለ ዘይነበረ፡ ምስ ሓወይ ንኽነብር ናብ ጀርመን ተሰደድኩ። ሓወይ፡ ኣባል ሓንቲ ብስደተኛታት ስጳኛውያን ዝቘመት ጕጅለ ኮምዩኒስት እዩ ነይሩ። ኣባላት እታ ጕጅለ ንመሰል ሰራሕተኛታትን ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ይቃለሱ ስለ ዝነበሩ፡ ምስኣቶም ምንባር የሐጕስኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣነ እውን ኮምዩኒስት ኰንኩ እሞ፡ ንሓደ ኣባል እታ ጕጅለ ተመርዓኹዎ። ጽሑፋት ኮምዩኒስት ክዕድልን ኣብ ሰልፍታት ተቓውሞ ኽሳተፍን ከለኹ፡ ጠቓሚ ነገር ዜበርክት ዘለኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ግና፡ ተስፋ ቘረጽኩ። እቶም ኮምዩኒስት ነቲ ዚሰብክዎ ዘይትግብርዎ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ብ1971 መንእሰያት ዝዀኑ እተወሰኑ ኣባላት ጕጅለና፡ ኣብ ፍራንክፈርት ንዚርከብ ቆንስል ስጳኛ ምስ ኣቃጸልዎ እሞ ኸኣ፡ እቲ ዝነበረኒ ጥርጣረ ወሲኹ እዩ። እቶም መንእሰያት ንዘይፍትሓውነት ምልካዊ ስርዓት ስጳኛ ንኺቃወሙ ኢሎም እዮም ከምኡ ገይሮም። ይኹን እምበር፡ በዚ መገዲ እዚ ምረትካ ምግላጽ ቅኑዕ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን።

በዅሪ ወደይ ምስ ወለድኩ፡ ንሰብኣየይ ድሕሪ ደጊም ኣብ ኣኼባታት ኮምዩኒስት ከም ዘይእከብ ነገርክዎ። ናይ ቀደም ፈተውተይ ንዓይ ኰነ ንወደይ ኣይበጽሑናን እዮም ነይሮም፣ ጽምዋ ድማ ተሰምዓኒ። ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ከኣ ኬተሓሳስበኒ ጀመረ። ‘ሕብረተ ሰብ ንኸተመሓይሽ ኢልካ ምጽዓርሲ ብሓቂዶ ፋይዳ ኣለዎ እዩ፧’ ኢለ ኽሓስብ ጀመርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ብ1976 ክልተ ስጳኛውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ገዛና ዃሕኲሖም ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሃቡኒ ተቐበልክዎም። ተመሊሶም ምስ መጹ ኸኣ፡ ብዛዕባ መከራን ዘይማዕርነትን ዘይፍትሓውነትን ብሕቶ ጦቕ አብሎም ነበርኩ። ንዅሉ ሕቶታተይ ብመጽሓፍ ቅዱስ ምስ መለሱለይ ገሪሙኒ እዩ። ብኡብኡ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ።

ኣብ ፈለማ፡ ንፍልጠት ኢለ ጥራይ እየ ዘጽንዕ ነይረ። ኣነን ብዓል ቤተይን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ክንእከብ ምስ ጀመርና ግና፡ ኵነታት ተቐየረ። ኣብቲ እዋን እቲ ኽልተ ቘልዑ እዮም ነይሮምና። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብለውሃት ተደሪኾም ብማኪና የብጽሑና፡ ኣብቲ ኣኼባታት ከኣ ንደቅና ይከናኸንዎም ነበሩ። ስለዚ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክፈትዎም ጀመርኩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ብዛዕባ ሃይማኖት እተወሰነ ጥርጣረ ነይሩኒ እዩ። ኣብ ስጳኛ ንዚነብሩ ስድራ ቤተይ ክበጽሕ ድማ ወሰንኩ። እቲ ቐሺ ዝነበረ ሓወቦይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸየጽንዕ ጸቕጢ ኺገብረለይ ፈተነ። ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ኣጸቢቖም ሓጊዞምኒ እዮም። ንሳቶም እውን ከምቶም ኣብ ጀርመን ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሕቶታተይ ብመጽሓፍ ቅዱስ መለሱለይ። ናብ ጀርመን ምስ ተመለስኩ ኸኣ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕተይ ክቕጽሎ ወሰንኩ። ሽሕ እኳ ብዓል ቤተይ መጽናዕቱ ኼቋርጽ እንተ ወሰነ፡ ኣነ ግና ኣብ ውሳነይ ጸናዕኩ። ብ1978 ከኣ፡ ተጠሚቐ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

እቲ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበረኒ ቕኑዕ ፍልጠት፡ ኣብ ህይወተይ ንጹር ዕላማን መምርሕን ንኺህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:1-4፡ ኣንስቲ ንሰብኡተን ‘ብብዙሕ ኣኽብሮት ኪግዝኣን’ ‘እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ልኡም መንፈስ’ ኬማዕብላን ተተባቢዐን ኣለዋ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ፡ ነቲ ኸም ብዓልቲ ቤትን ከም ኣደን መጠን ዘሎኒ ግደ ንኽፍጽሞ ሓጊዙኒ እዩ።

ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝኸውን 35 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ኣባል ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ብምዃን ድማ ንኣምላኽ ተሓጒሰ አገልግሎ ኣለኹ፣ ካብቶም ሓሙሽተ ደቀይ እቶም ኣርባዕተ እውን ንየሆዋ የገልግልዎ ምህላዎም የሐጕሰኒ እዩ።