ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዚገልጽ ተስፋ፡ ንህይወተይ ቀዪርዎ”

“ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዚገልጽ ተስፋ፡ ንህይወተይ ቀዪርዎ”
  • ዓመተ ልደት፦ 1974

  • መበቈል ሃገር፦ ላትቭያ

  • ታሪኽ፦ ተወዳዳሪ ሓደገኛ ውድድር ሞተር ብሽክለታ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብታ ርእሰ ኸተማ ላትቭያ ዝዀነት ሪጋ እየ ተወሊደ። ንዓይን ንሓብተይን፡ ኣደይ እያ ኣዕብያትና። ኣደይ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ጥራይ ኢና ናብ ቤተ ክርስትያን ንኸይድ ኔርና። ዝለዓለ ሓይሊ ኸም ዘሎ እኣምን እኳ እንተ ነበርኩ፡ መንእሰይ ከለኹ ግና ብዙሕ ኣቓልቦይ ዚሰርቕ ካልእ ነገራት ነበረ።

ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ፡ ንነገራት ፈንጢሕካ ናይ ምግጥጣም ተውህቦ ኸም ዘሎኒ፡ ኣደይ ኣስተብሃለት። ኣብ ገዛና ብዙሕ ኪፈናጣሕ ዚኽእል ኣቕሑ ስለ ዝነበረ፡ ኣደይ ኣብ ቤት ሓዲጋትኒ ምኻድ የሻቕላ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዚፈናጣሕን ዚገጣጠምን መጻወቲ ምስ ሃበትኒ፡ ብእኡ ገይረ እጻወት ነበርኩ። ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ ሞተር ብሽክለታ ምዝዋር እፈቱ ነበርኩ። ኣደይ ነዚ ምስ ረኣየት፡ ዜልታ ሞፒድስ (ወርቃዊ ሞፒድ) ኣብ ዚብሃል ውድድር ሞተር ብሽክለታ ኣመዝገበትኒ። ኣብ ፈለማ ሞፒድ ብእትብሃል ንእሽቶ ሞተር ብሽክለታ፡ ጸኒሐ ኸኣ ብዓባይ ሞተር ብሽክለታ ኽወዳደር ጀመርኩ።

ንነገራት ቀልጢፈ ስለ ዝመሃሮ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣብቲ ቕልጡፍን ሓደገኛን ዝዀነ ስፖርት ዕዉት ኰንኩ። ሰለስተ ሳዕ ኣብ ውድድር ፍሉያት ሞተር ብሽክለታ ላትቭያ ተዓወትኩ፣ ክልተ ሳዕ ከኣ ኣብ ውድድር ፍሉያት ሞተር ብሽክለታ ሃገራት ባልቲክ ተዓወትኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ብሞያይ ዕዉት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ እታ ኢቪያ ዝስማ ጸኒሓ ሰበይተይ ዝዀነት ዓርከይ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። ንገለ ኻብ ጽሑፋቶም ረኸበት፣ ኣብቲ ጽሑፋቶም ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትሓትት ዜኽእል ኩፖን ነበረ። ኢቪያ ድማ ነቲ ኩፖን መሊኣ ለኣኸቶ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺአን በጽሓኣ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ስለ ዘይነበረኒ፡ ከምኡ ምግባራ ንዓይ ብዙሕ ኣየገደሰንን።

ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኢቪያ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከላ ንኽሰምዕ ዓደማኒ። ከምቲ ዝበላኒ ምስ ገበርኩ፡ ነቲ ዝሰማዕክዎ ኣዝየ ፈተኽዎ። ብፍላይ እቲ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዚገልጽ ተስፋ ልበይ ተንከፈኒ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 37:10, 11 ዚርከብ፡ “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ዚብል ሓሳብ ምስ ኣርኣያኒ፡ እቲ ተስፋ ሰሓበኒ።

በዚ ኸምዚ፡ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ዝነበረኒ ተገዳስነት እናዓበየ ኸደ። ብዙሕ ሃይማኖታዊ ሓሶት ከም ዘሎ ድማ ተገንዘብኩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርትዓውን ንጹርን ስለ ዝዀነ፡ ንልበይ ተንከፎ።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ቀጸልኩ፡ የሆዋ ንህይወት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእያ ተመሃርኩ። (መዝሙር 36:9) እዚ ኸኣ ነቲ ብሞተር ብሽክለታ ዝገብሮ ዝነበርኩ ውድድር ዚትንክፍ ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪኡ ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኸእትዋ ኣይደለኹን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ኣብ ምምጻእ ከውዕላ ደለኹ። ስለዚ፡ ነቲ ምስ ውድድር ሞተር ብሽክለታ ዚመጽእ ዝነበረ ዝናን ክብርን ውዕዉዕ ስምዒትን ዝነበረኒ ተገዳስነት ነከየ።

ኣብ ቅድሚ እቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ የሆዋ፡ ሓላፍነት ከም ዘሎኒ ተረዲአ እየ

ብ1996 ኣብቲ ኣብ ታሊን፡ ኢስቶንያ ኣብ ጥቓ እቲ ቐደም ብተደጋጋሚ ዝወዳደረሉ ዝነበርኩ ስታድየም እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣከብኩ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ብሰላምን ብስኒትን ተኣኪቦም ረኣኹ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ቦርሳኣ ምስ ጠፍኣ፡ እንደገና ኸም ዘይትረኽቦ ገይረ ሓሰብኩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ ቦርሳ ረኸበቶ፣ ዋላ ሓንቲ ኸየጕደለት ከኣ መለሰቶ። በዚ ኣዝየ እየ ተገሪመ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ልዑል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚስዕቡ ድማ ተገንዘብኩ። ኣነን ኢቪያን ኣብ መጽናዕትና ዕቤት ብምግባር፡ ብ1997 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ተጠመቕና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ገሊኦም ኣዕሩኸይ ብሰንኪ እቲ ጠገለ ዘይብሉን ናህሪ ዚበዝሖን ውድድር ሞተር ብሽክለታ፡ ህይወቶም ስኢኖም እዮም። ኣነ ግና ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ የሆዋ፡ ሓላፍነት ከም ዘሎኒ ተረዲአ እየ። እዚ ምርዳእ እዚ ኸኣ፡ ንህይወተይ ኣድሒንዋ እዩ።

ኣነን ኢቪያን ኣብቲ ኣብ ሪጋ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣርባዕተ ዓመት ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና። ሕጂ ድማ ነታ ኣሊሲ ዝስማ ጓልና ነዕብን ንየሆዋ ንኽትፈትዎ ንሕግዛን ኣለና። ኣነ ኸኣ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ትርጕም እናኸድኩ ማካይንን ካልእ እተሰብረ ነገራትን እጽግን ኣለኹ። ነቲ ብቝልዕነተይ እተመሃርክዎ ኽእለት፡ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኸውዕሎ ምኽኣለይ የሐጕሰኒ እዩ። እወ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንነገራት ፈንጢሕካ ምግጥጣም የሐጕሰኒ እዩ።

ሳላ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ትምህርቲ፡ ምስ ስድራ ቤተይ ኰይነ ብዛዕባ እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ናይ ምምስካር ፍሉይ መሰል ምርካበይ፡ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። ኣማን ብኣማን፡ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዚገልጽ ተስፋ፡ ንህይወተይ ቀዪርዎ እዩ።