ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ዘስተማቕራ ዝነበርኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ

ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ዘስተማቕራ ዝነበርኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ
  • ዓመተ ልደት፦ 1982

  • መበቈል ሃገር፦ ፖላንድ

  • ታሪኽ፦ ዓመጽን ሓሽሽን ዜዘውትር፡ ብሉጽ ሞያ ኺህልዎ ዚመጣጠር ዝነበረ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ፖላንድ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ጀርመን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እየ ተወሊደ። ብሕርሻታትን ብጫካን ኣብ እተኸብበ ቦታ፡ ሰላማዊ ህይወት አሕልፍ ነበርኩ። እቶም ፈቃራት ወለደይ፡ ጽቡቕ ህይወት ክመርሕን ኣብ ትምህርተይ ንፉዕ ክኸውንን ብሉጽ ሞያ ኺህልወንን የተባብዑኒ ነበሩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ሕጊ ኽምሃር ኢለ ናብ ከተማ ቭሮዝላቭ ምስ ከድኩ ግና ጸገማት ኬጋጥመኒ ጀመረ። ካብ ወለደይ ምስ ተፈለኹ ምስ ሕማቓት ኣዕሩኽ ተዓራረኽኩ። ብቐደመይ ኵዕሶ እግሪ እፈቱ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብጽልዋ እዞም ሓደስቲ ኣዕሩኸይ ግና ዕሉል ደጋፊ ዀንኩ። እታ ኻብ ከተማ ዋርሶ ዝዀነት ዝፈትዋ ጋንታ፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኽትጻወት ከላ ናብ ኵሉ እቲ እትጻወተሉ ቦታታት እኸይድ ነበርኩ። ኣብዚ ዙረት እዚ፡ መስተ ነብዝሕን ሓሽሽ ንወስድን ሓድሓደ ግዜ ምስቶም ደገፍቲ ኣንጻር ጋንታ ንበኣስን ነበርና። በዚ ምኽንያት እዚ እንተ ተኣሲረ፡ እቲ ናይ ሕጊ ሞያይ ኪበላሾ ኸም ዚኽእል እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እዚ ተግባራት እዚ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ዜጋጥመኒ ውጥረት ዘፋዅሰለይ ገይረ እየ ዚርእዮ ነይረ።

ኣነን ኣዕሩኸይን ናብ ክበባትን ለይታዊ ትልሂትን ንኸይድ፡ ብዙሕ ግዜ ኸኣ ኣብ ጐደናታት ንበኣስ ነበርና። ብፖሊስ ብዙሕ ሳዕ እኳ እንተ ተታሓዝኩ፡ ሓድሓደ ግዜ ጉቦ ብምሃብ፡ ምስ ሕጊ ብዚተኣሳሰር ከቢድ ጸገም ከየጋጠመኒ አምልጥ ነበርኩ። ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ዘስተማቕራ ዝነበርኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ። ብውሽጠይ ግና፡ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጌጋ ምዃኑ እፈልጥ ነይረ እየ። ሕልናይ ንምቕሳን ከኣ ሰንበት ሰንበት ናብ ቤተ ክርስትያን እኸይድ ነበርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ብ2004 ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ ምስ መጹ፡ ምስኣቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክመያየጥ ተሰማማዕኩ። ናይ ሓቂ ክርስትያን ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ እናፈለጥኩ ብዝኸድኩ መጠን፡ ሕልናይ ኪርብሸኒ ጀመረ። መስተ ምብዛሕን ሓሽሽ ምውሳድን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዖም ምስ ዘይነብሩ ሰባት ምትዕርራኽን ከቋርጽ ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ። ነቲ ቝጡዕን ዓመጸኛን ባህርየይ ከወግዶ ኸም ዘሎኒ ድማ ተረዳእኩ። ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ እኳ እንተ ተገንዘብኩ፡ ዝዀነ ይኹን ምምሕያሽ ግና ኣይገበርኩን።

እታ ምስ ሸሞንተ ሰብኡት እተበኣስኩላ ምሸት፡ ንዓይ ነጥበ መቐይሮ እያ ነይራ። ኣብ ጽርግያ ኣውዲቖም፡ ርእሰይ ኪሃርሙንን ኪቐልዑንን ከለዉ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝዝክሮ። ዝመውት ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ “የሆዋ፡ ንቓላትካ ኣርዚነ ብዘይ ምርኣየይ ይቕረ በለለይ። ብህይወት እንተ ተሪፈ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ፡ ኣብ ህይወተይ ድማ ለውጢ ኽገብር ቃል እኣቱ ኣለኹ” ብምባል ጸለኹ። እቲ ዜገርም ከኣ ብህይወት ተረፍኩ። ከም ቃለይ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ።

ብ2006 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ገዓዝኩ። ሸቶይ፡ እኹል ገንዘብ ብምውህላል ናብ ፖላንድ ተመሊሰ ብትምህርቲ ሕጊ ዝለዓለ ዲግሪ ኽረክብ እዩ ነይሩ። ኣብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብረሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ሓንቲ ጥቕሲ ዓሚቝ ጦብላሕታ ኣሕደረትለይ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ስለቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ኵሉ ኸም ክሳራ ቘጸርክዎ። ስሊኡ ዅሉ ኸሰርኩ፡ ከም ጐሓፍ ድማ ቈጸርክዎ፣ እዚ ዝገበርኩ ኸኣ፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ [እየ]” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 3:8) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ልክዕ ከማይ ትምህርቲ ሕጊ ዝቐሰመን ኣዝዩ ዓመጸኛን እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:3) ምስናይዚ ግና፡ ንኣምላኽ ምግልጋልን ንየሱስ ንምምሳል ዚከኣሎ ምግባርን፡ እቲ ዝሓሸ መገዲ ህይወት ከም ዝዀነ ኽግንዘብ ክኢሉ እዩ። ነቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ምስ ኣስተንተንኩሉ፡ ብዙሕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ሞያን ዓመጸኛ ጠባይን ናይ ሓቂ ሓጐስ ኬምጽእ ከም ዘይክእል ተረዳእኩ። ጳውሎስ ኪልወጥ ካብ ከኣለ፡ ኣነ እውን ክልወጥ ከም ዝኽእል ኣመንኩ። ስለዚ ድማ ነቲ ብትምህርቲ ሕጊ ዝለዓለ ዲግሪ ንምውሳድ ዝነበረኒ መደብ ሓዲገ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክጸንሕ ወሰንኩ።

ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብእተማሃርኩ መጠን፡ ናብኡ ዝያዳ ዝቐረብኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። በቲ የሆዋ ነቶም ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኺገብሩ ልባዊ ድሌት ዘለዎም ሰባት ይቕረ ኸም ዚብለሎም ዝሃቦ ተስፋ ኣዝየ ተተንከፍኩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:38) ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 4:16 ዚርከብ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል ሓሳብ ምስ ኣስተንተንኩሉ ድማ ኣምላኽ ንዓመጽ ዚጸልኣሉ ምኽንያት ኪርድኣኒ ኸኣለ።

ክፍሊ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜስተማቕርዎ ባህ ዜብል ሕውነት ክኸውን ደለኹ

ብኣካይዳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ተመሲጠ እየ። ምስቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዖም ንኺነብሩ ዚጽዕሩ ምዃኖም ንጹር እዩ ነይሩ። ክፍሊ እቲ ዜስተማቕርዎ ባህ ዜብል ሕውነት ክኸውን ድማ ደለኹ። ኣብ ህይወተይ ዜድሊ ምትዕርራይ ብምግባር፡ ብ2008 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ኣነን ኣስቴርን ተዛረብቲ ቛንቋ ፖላንድኛ ንዝዀኑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃር፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንረክብ ኣሎና

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ብሉጽ ሞያ ኺህልዎ ዚመጣጠርን ዓመጸኛን ሓሽሽ ዚወስድን መስተ ዘብዝሕን ዕሉል ደጋፊ ዅዕሶ እግርን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሳላ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንኻልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ባህ ዚብሎ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኰንኩ። ሕጂ እውን ኵዕሶ እግሪ ምርኣይ እፈቱ እየ፣ ኰይኑ ግና፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መዘናግዒ ግቡእ ኣመለኻኽታ ኺህልወኒ ቘራጽነት ገይረ እየ።

ሕጂ ምስታ ምጭውቲ ንየሆዋ እተምልኽ ኣስቴር ተመርዕየ፡ ሕጕስ ሓዳር እመርሕ ኣለኹ። ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ ዚርከቡ ተዛረብቲ ቛንቋ ፖላንድኛ ዝዀኑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃር፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንረክብ ኣለና። ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብ ህይወተይ ናይ ሓቂ ዕግበት ተሰምዓኒ። ሕጂ፡ ንጹህ ሕልናን ትርጉም ዘለዎ ህይወትን ኣሎኒ።