ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ክብርቲ ሉል” ረኺቦም

“ክብርቲ ሉል” ረኺቦም

 መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ከም እትፈትሕ፡ የሱስ ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 6:10) ኣብ ማቴዎስ 13:44-46፡ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዋ ዋጋ ዜጕልሓ እዘን ዚስዕባ ኽልተ ምሳሌታት መሲሉ ኣሎ፦

  •   ሓደ ሰብ ኣብ ግራት እናዓየየ ኸሎ፡ ብሃንደበት ሕቡእ መዝገብ ረኸበ።

  •   ሓደ ጽቡቕ ሉላት ዚደሊ ተጓዓዚ ነጋዳይ፡ ሓንቲ ኽብርቲ ሉል ረኸበ።

 ክልቲኦም ሰባት ነቲ ኽቡር መዝገብ ንምጥራይ፡ ብታሕጓስ ዘለዎም ኵሉ ሸጡ። እዞም ሰባት እዚኦም ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣኽቢሮም ብምርኣዮም በረኸታ ንምርካብ ዓብዪ መስዋእቲ ዚኸፍሉ ሰባት የመልክቱ። (ሉቃስ 18:29, 30) ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ታሪኽ ክልተ ሰባት ተዘንትዩ ኣሎ፣ እዞም ሰባት እዚኦም ከምቶም የሱስ ኣብ ምሳሌታቱ ዝጠቐሶም ሰባት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም።