ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ንሓቂ ኽምርምራ እዮም ዚደልዩኒ ነይሮም”

“ንሓቂ ኽምርምራ እዮም ዚደልዩኒ ነይሮም”
  • ዓመተ ልደት፦ 1982
  • መበቈል ሃገር፦ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ
  • ታሪኽ፦ ሞርሞን ኰይኑ ዝዓበየ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ሳንቶ ዶሚንጎ፡ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እየ ተወሊደ፣ ወለደይ ኣርባዕተ ቘልዑ ወለዱ፡ ኣነ ኸኣ ሕሳስ ልደ እየ። ወለደይ ምሁራት እዮም ነይሮም፣ ንደቆም ከኣ ኣብ ጽቡቕ ማሕበረ ሰብ ኬዕብዩና እዮም ዚደልዩ ነይሮም። ኣነ ኸይተወለድኩ ኣርባዕተ ዓመት ይገብር ከኣ፡ ምስ ሚስዮናውያን ሞርሞን ተራኺቦም ነበሩ። በቶም ጽፉፋትን እዱባትን ዝነበሩ መንእሰያት ስለ እተማረኹ ድማ፡ ምስ ቤተ ክርስትያን ሞርሞን ክንሓብር ወሰኑ። ኣብታ ደሴት እቲኣ፡ ስድራ ቤትና ሓንቲ ኻብተን ምስ ሞርሞን ዝሓበራ ናይ መጀመርታ ስድራ ቤታት እያ።

እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ ማሕበራዊ ንጥፈታት እታ ቤተ ክርስትያን ባህ ይብለኒ ነበረ፣ እምነት ሞርሞን ኣብ ናብራ ስድራ ቤትን ኣብ ስነ ምግባርን ዘተኰረ ብምዃኑ ኸኣ ኣኽቢረ እርእዮ ነበርኩ። ሞርሞን ብምዃነይ እውን እሕበን ነበርኩ፡ ሚስዮናዊ ክኸውን ድማ ሸቶ ገበርኩ።

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ኮሌጅ ትምህርተይ ምእንቲ ኽከታተል፡ ብስድራ ቤትና ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ገዓዝና። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሓትኖይን ሰብኣያን ናብ ፍሎሪዳ ኺበጽሑና መጹ። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚውሃበሉ ዓብዪ ኣኼባ ኽንእከብ ከኣ ዓደሙና። ኵሎም ኣብ ጥቓይ ዝነበሩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሎም ጥቕስታት ኪርእዩን መዘኻኸሪታት ኪጽሕፉን ምስ ረኣኽዎም ተገረምኩ። ሽዑ ኣነ እውን ብርዕን ወረቐትን ኪውሃበኒ ብምሕታት ከምኡ ኽገብር ጀመርኩ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ሓትኖይን ሰብኣያን፡ ሚስዮናዊ ክኸውን ድሌት ከም ዘሎኒ ስለ ዝፈለጡ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሩኒ ኸም ዚኽእሉ ነገሩኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንመጽሓፍ ሞርሞን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንላዕሊ እፈልጦ ስለ ዝነበርኩ፡ ጽቡቕ ሓሳብ ኰይኑ ተሰምዓኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ሓትኖይን ሰብኣያን ብተሌፎን መጽሓፍ ቅዱስ ኬመያይጡኒ ኸለዉ፡ ንእምነተይ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸረኣእዮ ወትሩ የተባብዑኒ ነበሩ። ንሓቂ ኽምርምራ እዮም ዚደልዩኒ ነይሮም።

ምስ እምነት ሞርሞን እተተሓሓዘ ሓያሎ ነገራት ተቐቢለ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቲ ሓሳባት ምስ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እንተ  ዀይኑ ርግጸኛ ኣይነበርኩን። ሓትኖይ፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ ናይ 8 ሕዳር 1995 ሕታም መጽሔት ንቕሑ! ሰደደትለይ። እታ መጽሔት ብዛዕባ እምነት ሞርሞን ዚገልጽ እተወሰነ ዓንቀጻት እውን ዝሓዘት እያ። ንመብዛሕትኡ ትምህርትታት ሞርሞን ከም ዘይፈልጦ ስለ እተገንዘብኩ ድማ፡ እቲ ኣብ ንቕሑ! ዘሎ ሓሳባት ሓቂ እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኸረጋግጽ፡ ኣብ ወግዓዊ ወብ ሳይት ሞርሞን ኪምርምር ተደረኽኩ። ሓቂ ዀይኑ ኸኣ ረኸብክዎ፣ ኣብ ቤተ መዘክር ኡታ ምስ ከድኩ ድማ ነዚ ዜረጋግጽ ተወሳኺ መርትዖ ረኸብኩ።

መጽሓፍ ሞርሞንን መጽሓፍ ቅዱስን ንሓድሕዱ ኸም ዚሰማማዕ እየ ዝኣምን ነይረ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ኸንብቦ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ትምህርትታት ሞርሞን ምስ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጋጮ ኣስተብሃልኩ። ንኣብነት፡ ኣብ ህዝቅኤል 18:4 መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ኸም እትመውት ይገልጽ እዩ። መጽሓፍ ሞርሞን ግና፡ ኣብ ኣልማ 42:9፡ “ነፍሲ ኽትመውት ኣይትኽእልን እያ” ይብል።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ሞርሞን ዚምህርዎ ምስ ሃገራውነት እተተሓሓዘ ሓሳባት ይርብሸኒ ነበረ። ንኣብነት፡ ሞርሞን ገነት ኤድን ኣብ ጃክሰን ካውንቲ፡ ሚዙሪ፡ ሕ.መ.ኣ. ከም እትርከብ ይምህሩ ነበሩ። መራሕቲ እታ ቤተ ክርስትያን ከኣ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን፡ ሰንደቕ ዕላማ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብቲ ምእንቲ ሓርነትን ማዕረ መሰላትን ዚጣበቕ መንግስቲ ኣመሪካ ኸም እተምበልብል” ይምህሩ ነበሩ።

እታ እተወለድኩላ ሃገር ኰነት፡ ዝዀነት ትኹን ካልእ ሃገር እንታይ ግደ ኸም ዘለወን ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሚስዮናዊ ኪኸውን ዚስልጥን ዝነበረ ሓደ መንእሰይ ሞርሞን ሓደ ምሸት ስልኪ ምስ ደወለለይ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣልዓልኩሉ። ሃገሩ ምስ ካልእ ሃገር ኣብ እትዋግኣሉ እዋን፡ ምስ ሞርሞን ደቂ እታ ሃገር ኪዋጋእ ፍቓደኛ ዚኸውን እንተ ዀይኑ ብንጹር ሓተትክዎ። እወ፡ ኢሉ ምስ መለሰለይ ከኣ ደንጸወኒ። ብዛዕባ ትምህርትታት እምነተይ ኣዕሚቘ ክዅዕት ጀመርኩ፡ ምስቶም ሓላፍነት ዝነበሮም መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ሞርሞን ከኣ ተመያየጥኩ። መልሲ ሕቶታተይ ምስጢራዊ ምዃኑ፡ ሓደ መዓልቲ ዝያዳ ብርሃን ምስ በርሀ ኸም ዚፍታሕ ድማ ተነግረኒ።

በቲ ዝሃቡኒ መልሲ ስለ ዝጐሃኹ፡ ብዛዕባ ርእሰይን ብዛዕባ እቲ ሚስዮናዊ ሞርሞን ክኸውን ዝደለኹሉ ምኽንያትን ብዝያዳ ኽምርምር ጀመርኩ። ሚስዮናዊ ክኸውን ዝደለኹሉ ቐንዲ ምኽንያት ንሰባት ክሕግዝ ስለ ዝደለኹ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ካልእ ምኽንያት ከኣ ሰባት ኬኽብሩኒ እደሊ ስለ ዝነበርኩ እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ግና፡ ክሳዕ ክንድቲ ፍልጠት ኣይነበረንን። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሕ ሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብሓቂ ኣኽቢረ ኣይርእዮን እየ ነይረ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ወይ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ዋላ ሓንቲ ፍልጠት ኣይነበረንን።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ስም ኣምላኽ መን ምዃኑን ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ከም ዚኸውንን ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም፡ የሱስ እንታይ ግደ ኸም ዘለዎን ካልእ ነገራትን ተማሂረ እየ። ኣማስያኡ፡ ነዚ ዜደንቕ መጽሓፍ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ፈለጥክዎ፡ ነቲ ዝመሃሮ ድማ ንኻልኦት ሰባት ተሓጒሰ ኽነግሮም ጀመርኩ። ኣምላኽ ከም ዘሎ ኻብ ቍልዕነተይ ጀሚረ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሕጂ ግና፡ ልክዕ ከም ናይ ቀረባ ዓርከይ ገይረ ብጸሎት ክዛረቦ እኽእል እየ። ብ12 ሓምለ 2004 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኸኣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ጀመርኩ።

ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓሙሽተ ዓመት ዚኣክል ሰሪሐ እየ። ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዚጠቅም መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ንምሕታም ኣብ ዚግበር ዕዮ ኺድግፍ ብምኽኣለይ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰኒ፣ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺፈልጡ ኽሕግዞም ከለኹ እውን ባህ እዩ ዚብለኒ።