ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ብዘይ ሽጉጠይ ኣይንቀሳቐስን እየ ነይረ

ብዘይ ሽጉጠይ ኣይንቀሳቐስን እየ ነይረ
  • ዓመተ ልደት፦ 1958

  • መበቈል ሃገር፦ ኢጣልያ

  • ታሪኽ፦ ዕዋላ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብቲ ድኻታት ሸቃሎ ብብዝሒ ዚነብሩሉ ኸባቢ ሮማ እየ ተወሊደ ዓብየ። ህይወት ከቢድ እዩ ነይሩ። ንኣደይ ኣይፈልጣን እየ ነይረ፣ ምስ ኣቦይ ከኣ ጽቡቕ ርክብ ኣይነበረናን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብቲ ንምንባሩ ኸቢድ ዝነበረ ኸባቢና ብብዙሕ ጸገም እየ ዓብየ።

ገና ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ፡ ክሰርቕ ጀመርኩ። ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ፡ ንፈለማ እዋን ንገዛይ ሓዲገ ኸድኩ። ኣቦይ ብተደጋጋሚ ናብ መደብር ፖሊስ መጺኡ ናብ ቤት ይወስደኒ ነበረ። ኵሉ ሳዕ ምስ ሰባት እቋየቝ ስለ ዝነበርኩ፡ ዓማጽን ሓራቕን እየ ነይረ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ጠቕሊለ ኻብ ገዛይ ወጻእኩ። ሓሽሽ ክወስድን ኣብ ግዳም ክሓድርን ድማ ጀመርኩ። ለይቲ ዝሓድረሉ ቦታ ስለ ዘይነበረኒ፡ ኣብ ሓንቲ ማኪና ሰይረ ኣትየ ኽሳዕ ወጋሕታ እድቅስ ነበርኩ። ንግሆ ድማ፡ ኣብ ጃሕጃሕ ዚብል ማይ ከይደ እተሓጻጸብ ነበርኩ።

ብስርቂ ኽኢላ ዀይነ ነበርኩ፣ ቦርሳ መንጢለ እሃድም፡ ለይቲ ድማ ናብ ኣፓርታማታትን ቪላታትን ኣትየ እሰርቕ ነበርኩ። ብሰንኪ እዚ ተግባር እዚ ሕማቕ ስም ስለ ዘጥረኹ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣባላት ሓደ ፍሉጥ ጕጅለ ዓዋሉ ምሳታቶም ክሓብር ዓደሙኒ፣ እዚ ኸኣ፡ ናብ ባንክታት ኣትየ ንኽሰርቕ ዜኽእል ኣጋጣሚ ኸፈተለይ። ኣመና ሓራቕ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣባላት እቲ ጕጅለ ኬኽብሩኒ ጀመሩ። ብዘይ ሽጉጠይ ኣይንቀሳቐስን እየ ነይረ፣ አረ ኣብ ትሕቲ መተርኣሰይ ገይረያ እየ ዝሓድር ነይረ። ዓመጻን ሓሽሽን ስርቅን ብዕሉግ ኣዘራርባን ርኽሰትን፡ ክፍሊ ናብራይ እዩ ነይሩ። ፖሊስ ድማ እግሪ እግረይ ይከታተሉኒ ነበሩ። ንነዊሕ ዓመታት ከኣ ብተደጋጋሚ እእሰር ነበርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ፡ ንሓንቲ ኻብ ሓትኖታተይ ክበጽሓ ወሰንኩ። ኣነ ደኣ እየ ዘይፈለጥኩ እምበር፡ ሓትኖይን ክልተ ደቂ ሓትኖይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ምሳታቶም ናብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸይድ ድማ ዓደሙኒ። ብዛዕባኦም ክፈልጥ ስለ ዝደለኹ፡ ምሳታቶም ከድኩ። ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ በጻሕና፡  ዚኣቱን ዚወጽእን ምእንቲ ኽርኢ፡ ኣብ ጥቓ ማዕጾ ኾፍ በልኩ። ሽጉጠይ እውን ሒዘያ ነበርኩ።

እቲ ኣኼባ ንህይወተይ ቀይርዎ እዩ። ኣብ ካልእ ፕላኔት ዘለኹ ዀይኑ ኺስምዓኒ ትዝ ይብለኒ። ፍሽሑዋትን ምቕሉላትን ዝዀኑ ሰባት ናባይ መጺኦም፡ ብፍሽኽታ ሰላም በሉኒ። ነቲ ኣብ ኣዒንቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርአ ዝነበረ ለውሃትን ቅንዕናን ክሳዕ ሕጂ እየ ዝዝክሮ። ካብቲ ኣነ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ዓለም ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ብዝያዳ ብእተመሃርኩ መጠን ድማ፡ ንኣነባብራይ ምሉእ ብምሉእ ክቕይሮ ኸም ዘሎኒ ብዝያዳ ነጸረለይ። ነቲ ኣብ ምሳሌ 13:20 ዚርከብ፡ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ዚብል ምኽሪ ብምስዓብ፡ ነቲ ምስቶም ዓዋሉ ዝነበረኒ ርክብ ከቋርጾ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ከምኡ ምግባር ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብሓገዝ የሆዋ ግና ተዓዊተ እየ።

ኣብ ህይወተይ ንፈለማ እዋን፡ ንተግባራተይ ክቈጻጸሮ ጀመርኩ

ኣካላዊ ጽሬተይ እውን ክሕሉ ጀመርኩ። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ሽጋራ ምትካኽን ሓሽሽ ምውሳድን ኣቋረጽኩ። ነቲ ነዊሕ ጸጕረይ ቈረጽክዎ፣ ነቲ ኣብ እዝነይ ዝነበረ ስቝሬን ኣውጻእክዎ፣ ብዕሉግ ኣዘራርባ ድማ ሓደግክዎ። ኣብ ህይወተይ ንፈለማ እዋን፡ ንተግባራተይ ክቈጻጸሮ ጀመርኩ።

ንባብን መጽናዕትን ዘይፈቱ ስለ ዝነበርኩ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ከለኹ፡ ምትኳር የጸግመኒ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ቀስ ብቐስ ንየሆዋ ኣፍቀርክዎ፣ ኣብ ውሽጠይ ድማ ገለ ነገር ኪቕየር ጀመረ፣ ሕልናይ እውን ኪወቕሰኒ ጀመረ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ኣሉታዊ ስምዒት ስለ ዝነበረኒ፡ የሆዋ በቲ ዝገበርክዎ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ይቕረ ይብለኒ እንተ ዀይኑ እጠራጠር ነበርኩ። ከምኡ ኺስምዓኒ ኸሎ፡ የሆዋ ንንጉስ ዳዊት፡ ከቢድ ሓጢኣት ድሕሪ ምፍጻሙ ይቕረታ ኸም ዝገበረሉ ብዛዕባ ዚገልጽ ጸብጻብ ብምንባብ እጸናናዕ እየ።—2 ሳሙኤል 11:1–12:13

ካልእ ዘጸገመኒ ነገር፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩ ብዛዕባ እምነተይ ንኻልኦት ምክፋል እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝጐዳእክዎ ወይ ዝበደልክዎ ሰብ ከየጋጥመኒ እፈርህ ነበርኩ። ቀስ ብቐስ ግና፡ ነቲ ዝነበረኒ ፍርሂ ኽዋጽኣሉ ኸኣልኩ። ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ዜደንቕን ኣብዚሑ ይቕረ ዚብልን ሰማያዊ ኣቦና ንኺፈልጡ ብምሕጋዝ፡ ናይ ሓቂ ዕግበት ክረክብ ጀመርኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ብዛዕባ የሆዋ ምፍላጠይ ንህይወተይ ኣድሒንዋ እዩ። መብዛሕትኦም ናይ ቀደም ብጾተይ፡ ወይ ሞይቶም ወይ ከኣ ተኣሲሮም እዮም፣ ኣነ ግና ብሓቂ ዜዕግብ ህይወትን ብሩህ መጻእን እዩ ዘሎኒ። ትሑትን እዙዝን ክኸውን፡ ነቲ ኸም እሳተ ጐመራ ዝዀነ ሓርቖተይ ድማ ክቈጻጸሮ ኸም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ምስ ሰባት ዝሓሸ ርክብ እዩ ዘሎኒ። ምስታ ምልክዕቲ ሰበይተይ ዝዀነት ካርመን ተመርዕየ ድማ ብሓጐስ እነብር ኣለኹ። ብሓባር ኴንና፡ ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺፈልጡ ብምሕጋዝ ዓብዪ ሓጐስ ንረክብ ኣለና።

ሕጂ ብሓቀኛነት እናሰራሕኩ እነብር ኣለኹ፣ ሓድሓደ ሳዕ ስራሐይ ምስ ባንክታት እተተሓሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ባንክታት እሰርቆ ዘይኰነስ፡ አጽርዮ ኣለኹ።