ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ኣብ ጐደናታት እሓድር ነይረ”

“ኣብ ጐደናታት እሓድር ነይረ”
  • ዓመተ ልደት፦ 1955

  • መበቈል ሃገር፦ ስጳኛ

  • ታሪኽ፦ ሓሽሽ ዚወስድ፡ ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕ፡ ዓመጸኛ

ሕሉፍ ህይወተይ

 ገሊኦም ሰባት ካብቲ መሪር ተመክሮኦም ኪምሃሩ ነዊሕ ግዜ ይወስደሎም እዩ። ኣነ እውን ከምኡ እየ ነይረ። ኣብታ ኣብ ስጳኛ ብዕቤታ ኻልአይቲ ዝዀነት ከተማ ባርሴሎና እየ ተወሊደ ዓብየ። ስድራ ቤተይ ኣብቲ ንዝዓበየ ኽፋል ገማግም ባሕሪ እታ ኸተማ ዚሽፍን ሶሞሮስትሮ ዚብሃል ከባቢ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ሶሞሮስትሮ ብገበንን ብንግዲ ሓሽሽን ፍሉጥ እዩ ነይሩ።

 ወለደይ ትሽዓተ ቘልዑ እዮም ወሊዶም፣ ኣነ ኸኣ በዅሪ እየ ነይረ። ኣዚና ድኻታት ስለ ዝነበርና፡ ኵዕሶ ዜቀባብል ኰይነ ምእንቲ ኽሰርሕ፡ ኣቦይ ናብታ ኣብ ከባቢና ዝነበረት ናይ ተኒስ ክለብ ሰደደኒ። ሽዑ ወዲ ዓሰርተ ዓመት እየ ነይረ፣ መዓልታዊ ኸኣ ንዓሰርተ ሰዓት እሰርሕ ነይረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከም መብዛሕትኦም መሳቶይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ኣይከኣልኩን። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ እንዳ ሓጺነ መጺን ምስ ማሽን ዚተሓሓዝ ስራሕ ጀሚረ።

ብ1975 ምስቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነበረ ኽፍለ ሰራዊት ስጳኛ ተጸንቢረ፡ መለለዪኡ ዝዀነ ዩኒፎርም ተኸደንኩ

 ብ1975 ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ስጳኛ ግዴታ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ተጸዋዕኩ። ኣብ ህይወተይ ቅያ ዝመልኦ ነገራት ክፍጽም ስለ ዝደለኹ ኸኣ፡ ብወለንታይ ምስቲ ኣብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ከተማ ማሊላ ዝነበረ ኽፍለ ሰራዊት ስጳኛ ተጸንበርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ ሓሽሽ ክወስድን ኣልኮላዊ መስተ ኸብዝሕን ጀመርኩ።

 ካብቲ ሰራዊት ምስ ወጻእኩ፡ ናብ ባርሴሎና ተመሊሰ ጕጅለ ዓዋሉ መስረትኩ። ዝረኸብናዮ ዘበለ ድማ ንሰርቕ ኔርና። ሓሽሽ መዐደጊ ገንዘብ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ ዝሰረቕናዮ ንብረት ንሸጦ ነበርና። ኤል.ኤስ.ዲ. ከምኡ ድማ ኣምፈታማይንስ ዚብሃል ዓይነት ሓሽሽ ክወስድ ጀመርኩ፣ ኣብ ናይ ምንዝርናን ኣልኮላዊ መስተን ጠላዕን ህይወት ከኣ ተወሓጥኩ። እዚ ጐዳኢ ኣነባብራ እዚ፡ ዝያዳ ዓመጸኛ ገበረኒ። ኵሉ ግዜ ኻራ፡ ፋስ፡ ወይ ጐዘሞ ሒዘ እየ ዝንቀሳቐስ ነይረ፣ ኣድላዪ ዀይኑ ኺስምዓኒ ኸሎ ኸኣ ክጥቀመሉ ድሕር ኣይብልን እየ ነይረ።

 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣነን ብጾተይን ማኪና ሰሪቕና ኽንሃድም ከለና፡ ፖሊስ እግሪ እግርና ኺስዕቡና ጀመሩ። እቲ ኣጋጣሚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ፊልም ዚርአ እዩ ነይሩ። እቶም ፖሊስ ኪትኩሱልና ኽሳዕ ዚጅምሩ ኸኣ ነታ ዝሰረቕናያ ማኪና ንኣስታት 30 ኪሎ ሜተር ዘወርናያ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዘዋሪ ነታ ማኪና ኣጋጨዋ፣ ኵላትና ድማ ካብቲ ቦታ ሃደምና። ኣቦይ ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጠ፡ ካብ ቤት ሰጐጐኒ።

 ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመት፡ ግዳም ሓደር ኰንኩ። ኣብ ኣፍ ደገታትን ኣብ ዓበይቲ ማካይንን ኣብ መናፈሻታትን ኣብ መካነ መቓብራትን እውን እሓድር ነይረ እየ። አረ ንእተወሰነ ግዜስ ኣብ በዓቲ እውን ተቐሚጠ እየ። ህይወተይ ዕላማ ዚብሃል ኣይነበራን፣ ብህይወት ኣልየ ወይ ሞይተ እውን ዜገድስ ከም ዘይኰነ ይስምዓኒ ነይሩ። ሓሽሽ ወሲደ ጉምቦ ኣእዳወይን ቀላጽመይን ክጠብሕ ይዝከረኒ እዩ። እቲ በሰላታት ክሳዕ ሕጂ ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ወዲ 28 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣደይ ናባይ መጺኣ ናብ ቤት ክምለስ ሓተተትኒ። ኣነ ድማ ተሰማማዕኩ፣ ህይወተይ ከተዓራሪ ምዃነይ እውን ቃል ኣተኹላ። ቃለይ ክሕሉ ግና ግዜ ወሲዱለይ እዩ።

 ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና መጹ። ንዓታቶም እናሰማዕኩዎም ከለኹ ኸኣ፡ ኣቦይ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዀይኑ ነቲ ማዕጾ ኣብ ገጾም ክዓጽዎ ኸም ዘሎኒ ጨደረ። ሰብ ክእዝዘኒ ስለ ዘይፈቱ ግና፡ ንዕኡ ዕሽሽ በልክዎ። ሰለስተ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ምስ ሃቡኒ፡ ተሓጒሰ ተቐበልክዎም። ኣበይ ከም ዚእከቡ ድማ ሓተትክዎም፣ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ድማ ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከድኩ።

 ፈለማ ዘስተብሃልኩዎ ነገር፡ ኵሎም ኣከዳድናኦም ጽፉፍ ምንባሩ እዩ። ኣነ ግና ብኣንጻሩ፡ ጸጉረይ ኣዝዩ ነዊሑን ጭሕመይ ወዚሉን ጀልገድገድ ዝበለ ኽዳን ተኸዲነን ነበርኩ። ኣከዳድናይ ካብ ናታቶም እተፈልየ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ናብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ኣይኣተኹን። እቲ ዜገርም ግና፡ ኽዋን ዝስሙ ቐደም መሻርኽተይን ኣባል ጕጅለ ዓዋሉን ዝነበረ ሰብ፡ ምሉእ ክዳን ተኸዲኑ ረኣኽዎ። ጸኒሐ ኸኣ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ፈለጥኩ። ንሱ ኣብኡ ምንባሩ፡ ናብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ኣትየ ኣብቲ ኣኼባ ኽካፈል ኣተባቢዑኒ እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ከኣ ህይወተይ ኪቕየር ጀመረ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ንዝቐረበለይ ዕድመ ተቐበልክዎ፣ ስምረት ኣምላኽ ክረክብ እንተ ደልየ፡ ነቲ ዝነበረኒ ቝጥዓ ክሓድጎን ነቲ ርኹስ ኣነባብራይን ክቕይሮን ከም ዘሎኒ ቐልጢፈ ተገንዘብኩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ንየሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኸሐጕሶ፡ ‘ንኣእምሮይ ብምሕዳስ ክልወጥ’ ከም ዜድልየኒ ተረዳእኩ። (ሮሜ 12:2) ብምሕረት ኣምላኽ ኣዝየ እየ ተተንኪፈ። ብዙሕ ጌጋታት እኳ እንተ ፈጸምኩ፡ ኣምላኽ ኣነባብራይ ምሉእ ብምሉእ ክቕይር ኣጋጣሚ ይህበኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ ተሰምዓኒ። እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እተምሃርክዎ ነገራት ኣብ ውሽጢ ልበይ ሰሪጹ እዩ። ብዛዕባይ ዝሓሊ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኸኣ ንጹር ኰነለይ።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7

 እዚ ሓቅታት እዚ፡ ለውጥታት ክገብር ደሪኹኒ እዩ። ንኣብነት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናገበርኩ ኸለኹ ጕዳይ ሽጋራ ተላዕለ፣ ንርእሰይ ከኣ፡ ‘የሆዋ ኣምላኽ ብዅሉ መዳያት ንጹህን ዘይረኸሰን ክኸውን ዚደልየኒ እንተ ዀይኑ፡ ምትካኽ ሽጋራ ኸቋርጽ ኣሎኒ’ በልኩ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ኣቋረጽክዎ ኸኣ።

 ሓሽሽ ምጥቃምን ምሻጥን እውን ከቋርጾ የድልየኒ ነይሩ እዩ። እዚ ዝያዳ ግዜን ጻዕርን ሓቲቱኒ እዩ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ ምስቶም መሻርኽተይ ዝነበሩ ሰባት ዝነበረኒ ርክብ ክበትኽ ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ እየ። እቲ ኣባይ ዜሕድርዎ ዝነበሩ ጽልዋ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ዚሕግዘኒ ኣይነበረን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሓገዝ እቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ዝዀኑ ሓደስቲ ፈተውተይን ክውከል ጀመርኩ። እቲ ንዓይ ዝነበሮም ፍቕርን ተገዳስነትን፡ ቅድሚ ሕጂ ረኺበዮ ዘይፈልጥ ነገር እዩ ነይሩ። ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ካብ ሓሽሽ ናጻ ክኸውንን ስምረት ኣምላኽ ክረክብ ዚሕግዘኒ ‘ሓድሽ ስብእና ኽለብስን’ ከኣልኩ። (ኤፌሶን 4:24) ኣብ ነሓሰ 1985 ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ኣመሓይሽዎ እዩ። ንሰብነተይን ንኽብረይን ካብ ዜበላሹ ጐዳኢ ኣነባብራ ሓራ ገይሩኒ እዩ። ልዕሊ 30 ዝዀኑ ናይ ቀደም መሻርኽተይ ብሰንኪ አይድስ ወይ ካልእ ምስ ሓሽሽ ዚተሓሓዝ ሕማማት ብንእስነቶም ሞይቶም እዮም። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ሳዕቤናት ከምልጥ ብምኽኣለይ ኣዝየ ሕጉስ እየ።

 እቲ ዓመጸኛ መንእሰይ ከለኹ ዝሕዞ ዝነበርኩ ኻራሩን ፋሳትን ሕጂ ነበረያ ነበረ ዀይኑ እዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ክንዲ ኻራሩን ፋሳትን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝሕዝ፡ ብእኡ ገይረ ኸኣ ንሰባት ከም ዝሕግዞም ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሎሚ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ነገልግል ኣለና።

 ወለደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዐይ ዝረኸብክዎ ጥቕምታት የማስዉሉ እዮም። ኣቦይ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም መሳርሕቱ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይሕለቐሎም እዩ። እቲ ሓድሽ እምነተይ ኣወንታዊ ዝዀነ ዜደንቕ ለውጥታት ክገብር ከም ዘኽኣለኒ ነጺሩሉ እዩ። ኣደይ ብዙሕ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲመ ኽጅምር ከም ዝነበረኒ ትዛረብ እያ። ሓቃ ድማ እያ።

 ኣብ ህይወት ዘሕለፍክዎ ተመክሮ፡ ካብ ሓሽሽን ካልእ ሕማቕ ኣመላትን ዕግበት ክትረክብ ምጽዓር ዕሽነት ምዃኑ ምሂሩኒ እዩ። ሕጂ ንሰባት ነቲ ንህይወተይ ዘድሓነ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ትምህርትታት ስለ ዘካፍሎም ናይ ሓቂ ዕግበት እረክብ እየ።