ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ማርሻል ኣርት ኣዝየ እፈቱ ነይረ”

“ማርሻል ኣርት ኣዝየ እፈቱ ነይረ”
  • ዓመተ ልደት፦ 1962

  • መበቆል ሃገር፦ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

  • ታሪኽ፦ ንማርሻል ኣርት ውፉይ

ሕሉፍ ህይወተይ

 እቲ ምሳይ ዚለማመድ ዝነበረ ብጻየይ፡ ካብ እተጸበኽዎ ንላዕሊ እዩ ተጐዲኡ ነይሩ። ከይተፈለጠኒ ኣፍንጫኡ ብእግረይ ሃሪመዮ። ሽዑ ናይ ብሓቂ ሕማቕ ተሰሚዑኒ፣ ‘ማርሻል ኣርት ክቕጽሎዶ ኽሓድጐ’ ኢለ ኸኣ ክሓስብ ጀሚረ። እቲ ዝገበርክዎ ጌጋ ነቲ ኣዝየ ዝፈትዎን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸዓርኩሉን ስፖርት ኣብ ሕቶ ኸእትዎ ዝገበረኒ ስለምንታይ እዩ፧ ፈለማ፡ ማርሻል ኣርት ብኸመይ ከም ዝጀመርኩ ኸዘንትወልኩም።

 ኣብ ጥቓ ቡፋሎ፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.አ እየ ዓብየ። ስድራ ቤትና ሰላማዊትን ውፍይቲ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክን እያ ነይራ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ እየ ተማሂረ፣ ኣብ ሰደቓ ቍርባን ከኣ እሕግዝ ነይረ። ወለደይ ኣነን ሓብተይን ኣብ ህይወትና ዕዉታት ክንከውን ይደልዩና ነይሮም። ስለዚ፡ ኣብ ትምህርቲ ጽቡቕ ነጥቢ እንተ ኣምጺአ፡ ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ስፖርት ክሳተፍ ወይ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ክሰርሕ የፍቅዱለይ ነይሮም። እዚ ድማ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ርእሰ ተግሳጽ ከም ዚህልወኒ ገይሩ እዩ።

 ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ማርሻል ኣርት ክምሃር ጀመርኩ። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልቲ፡ ኣብ መዓልቲ ኸኣ ንሰለስተ ሰዓት እለማመድ ነበርኩ። ሰሙን ሰሙን፡ ንነዊሕ ሰዓታት ብኣእምሮይ ተክኒክ ቅልስ እለማመድን ነዚ ኸመሓይሾ ዚሕግዘኒ ቪድዮታትን እርኢ ነይረ። ዓይንኻ ተሸፊንካ ምልምማድ ባህ ይብለኒ ነይሩ፣ ኣጽዋር ሒዘ ኽለማመድ ከለኹ እውን ከምኡ እገብር ነይረ። ብሓንቲ ጕስጢ ጣዋሉ ወይ ሕጡብ እሰብር ነይረ። ኣብዚ ስፖርት እዚ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሐን ኣብ ብዙሕ ውድድራት ተዓዊተን እየ። በዚ ኸምዚ፡ ማርሻል ኣርት ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወተይ ኰነ።

 ነቲ ዓወት ኢለ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ነገራት ረኺበዮ ነይረ እየ። ከመይሲ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዝለዓለ መዓርግ ተመሪቐ፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ትካል ድማ መሃንድስ ስርዓተ ኮምፒዩተር ኰይነ እዓዪ ነይረ። ካብቲ ትካል ተወሳኺ ጥቕምታት እረክብ ነይረ፣ ብዘይካዚ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ገዛ ነይሩኒ፣ ዓርኪ እውን ሒዘ ነበርኩ። ህይወተይ ላዕለ ላዕሉ ኺርአ ኸሎ ዜሕጕስ እኳ እንተ መሰለ፡ ብዛዕባ ህይወት መልሲ ዘይረኸብኩሉ ሕቶታት ግና ነበረኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ንሕቶታተይ መልሲ ንምርካብ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ናብ ቤተ ክርስትያን ክኸይድን ምእንቲ ኺሕግዘኒ ናብ ኣምላኽ ክጽልን ጀመርኩ። ሓደ መዓልቲ ምስ ሓደ ዓርከይ ዝገበርክዎ ምይይጥ፡ ንህይወተይ ቀየሮ። ነቲ ዓርከይ “ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ኣስዕብ ኣቢለ ኸኣ፡ “ብዙሕ ጸገማትን ዘይፍትሓውነትን ኣሎ” በልክዎ። ንሱ እውን ተመሳሳሊ ሕቶታት ከም ዝነበሮን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልስታት ከም ዝረኸበን ነገረኒ። ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዘርእስታ መጽሓፍ ከኣ ሃበኒ። a ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ከም ዘሎ ኸኣ ነገረኒ። ‘ናይ ካልእ ሃይማኖት ጽሑፍ ከንብብ የብለይን’ ኢለ እሓስብ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ፈለማ ኣድሓርሓርኩ። እቲ ንሕቶታተይ መልሲ ንምርካብ ዝነበረኒ ድሌት ግና፡ ንትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክምርምር ደረኸኒ።

 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ነገራት ኣገረመኒ። ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ፡ ሰባት ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም ዝነበረን እዚ ዕላማኡ ኸኣ ከም ዘይተቐየረን ተምሃርኩ። (ዘፍጥረት 1:28) ኣብቲ ዝነበረኒ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ዚብሃል ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ምስ ረኣኹን ኣብቲ ዝደግሞ ዝነበርኩ ጸሎት ጐይታ ብዛዕባ እዚ ስም እዚ እጽሊ ምንባረይ ምስ ፈለጥኩን በዚ ኣዝየ ተደመምኩ። (መዝሙር 83:18፣ ማቴዎስ 6:9) ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ኣምላኽ ስለምንታይ ንእተወሰነ ግዜ፡ ደቂ ሰብ መከራ ኺወርዶም ከም ዝፈቐደ ተገንዘብኩ። ኵሉ እቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ርትዓዊ ነበረ፣ በዚ ድማ ኣዝየ ተሓጐስኩ።

 ነቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብ ከለኹ እተሰምዓኒ ስምዒት ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ዅሎም ምቕሉላት እዮም ነይሮም። ስመይ እናሓተቱ ኸኣ ይላለዩኒ ነይሮም። ኣብታ ንፈለማ እዋን እተኣከብኩላ ኣኼባ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚሰምዖ ጸሎት፡ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ ቐሪቡ ነይሩ። ኣምላኽ ኪሕግዘኒ እጽሊ ስለ ዝነበርኩ፡ ፍረ ነገር እቲ መደረ ሰሓበኒ። ቀጺለ ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ተረኸብኩ። ኣብቲ ኣኼባታት፡ ቈልዑ እውን ከይተረፉ፡ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪንበብ ከሎ፡ ገንጺሎም ኪከታተሉ ምርኣየይ ብዙሕ ኣገሪሙኒ ነይሩ። ኣብ ፈለማ ጥቕስታት ብኸመይ ከም ዚርከብ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ብዙሕ ሓጊዞምኒ እዮም፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክጥቀመሉ ኸም ዝኽእል ከኣ ምሂሮምኒ እዮም።

 ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት እናተኣከብኩ ብዝኸድኩ መጠን፡ ነቲ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚምህርዎ ብሉጽ ትምህርቲ ዝነበረኒ ሞሳ እናዓመቘ ኸደ። ከመይሲ፡ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ብዙሕ ነገር እምሃር ነበርኩ። እዚ ድማ ወትሩ የተባብዓንን የሐድሰንን ነበረ። ጸኒሐ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምር ተሓተትኩ።

 እቲ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርእዮ ዝነበርኩ ነገራት፡ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያነይ ዝርእዮ ዝነበርኩ ነገራት ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድነት ዘለዎምን ንኣምላኽ ባህ ንምባል ካብ ልቦም ዚጽዕሩ ቅኑዓትን ምዃኖም ኣስተብሂለ እየ። ኣብ መንጎኦም ከኣ እታ ናይ ሓቂ መለለዪት ክርስትያናት ዝዀነት ፍቕሪ ኸም ዘላቶም ከኣ ተገንዘብኩ።—ዮሃንስ 13:35

 መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ብዘጽናዕኩ መጠን፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዐ ምእንቲ ኽነብር፡ ለውጥታት ክገብር ጀመርኩ። እንተዀነ ግና፡ ማርሻል ኣርት ክገድፎ ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዐንን። ከመይሲ፡ ልምምድ ምግባርን ኣብ ውድድራት ምስታፍን እፈቱ ነበርኩ። ብዛዕባ እዚ ነቲ መጽናዕቲ ዚመርሓለይ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ነገርክዎ፡ “መጽናዕትኻ ጥራይ ቀጽል እምበር፡ ቅኑዕ ውሳነ ኸም እትገብር ርግጸኛ እየ” ኢሉ ብለውሃት ኣተባብዓኒ። ከምዚ ዓይነት መተባብዒ ኸኣ እየ ዝደሊ ነይረ። ብዝያዳ ብዘጽናዕኩ መጠን፡ ብዝያዳ ንየሆዋ ኣምላኽ ባህ ከብሎ ደለኹ።

 ኣብ መእተዊ ኸም ዝገለጽክዎ፡ ነቲ ምሳይ ዚለማማድ ዝነበረ ብጻየይ ከይፈለጥኩ ኣፍንጫኡ ብእግረይ ሃረምክዎ፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ ናይ ህይወተይ ነጥበ መቐይሮ ዀነ። እቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር፡ ኣብ ማርሻል ኣርት እናተሳተፍኩ ‘ሰላማዊ ሰዓቢ ክርስቶስ ክኸውን እኽእል ድየ’ ኢለ ኸም ዝሓስብ ገበረኒ። ኣብ ኢሳይያስ 2:3, 4 ብዛዕባ እቶም መምርሒታት የሆዋ ዚስዕቡ፡ “ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም” ከም እተባህለሎም ተማሂረ ነይረ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ንሰባት ዋላ እውን እንተ ተበደሉ፡ ብኽፉእ ከይፈድዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 26:52) ስለዚ፡ ነቲ ኣዝየ ዝፈትዎ ዝነበርኩ ስፖርት ሓደግክዎ።

 ነቲ፡ “ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ከም ሸቶኻ ጌርካ ርእስኻ ኣሰልጥን” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ሰዓብኩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:7) እቲ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ማርሻል ኣርት ዘውዕሎ ዝነበርኩ ግዜን ጕልበትን፡ ሕጂ መንፈሳዊ ልማዳት ኣብ ምምዕባል አውዕሎ ኣለኹ። ዓርከይ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ስለ ዘይተቐበለቶ፡ ምስኣ ተፈላለና። ብ24 ጥሪ 1987 ከኣ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀንኩ፡ ንግዜይ ድማ ንኻልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ክጥቀመሉ ጀመርኩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣየቋረጽኩን። ንእተወሰነ እዋን ከኣ፡ ኣብ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገልጊለ እየ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 ሕጂ ብዛዕባ ኣምላኽ ነቲ ሓቂ ፈሊጠ እየ። ነቲ ኣብ ህይወተይ ጐዲሉኒ ዝነበረ ነገር ከኣ ረኺበዮ እየ። ሎሚ ባዶነት ኣይስምዓንን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሕጂ ትርጉም ዘለዎ ህይወት፡ ኣብ መጻኢ ድማ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣሎኒ። እወ፡ ብሓቂ ሕጉስ እየ። ኣዘውቲረ ኣካላዊ ምውስዋስ እገብር እየ፣ ከም ቅድሚ ሕጂ ግና፡ ኣካላዊ ስልጠና ኣብ ህይወተይ ኣገዳሲ ቦታ የብሉን። ከመይሲ፡ ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ዝህቦ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ምግልጋል እዩ።

 ኣብ ማርሻል ኣርት ኣብ ዝሳተፈሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ነቶም ኣብ ከባብየይ ዝነበሩ ሰባት ብንቕሓት እየ ዝከታተሎም ነይረ፡ ሓደ ሰብ እንተ ኣጥቂዑኒ፡ ብኸመይ ንርእሰይ ክከላኸል ከም ዝኽእል ከኣ ወትሩ እሓስብ ነይረ። ሎሚ እውን ኣብ ከባብየይ ንዘለዉ ሰባት ብንቕሓት እየ ዝከታተሎም፡ ከምኡ ዝገብር ግና ምእንቲ ኽሕግዞም ኢለ እየ። መጽሓፍ ቅዱስ ለጋስን ነታ ብረንዳ ዝስማ ሰበይተይ ዝሓሽኩ ሰብኣይ ክኸውንን ሓጊዙኒ እዩ።

 ማርሻል ኣርት ኣብ ህይወተይ ኣዝዩ ዝፈትዎ ነገር እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ሕጂ ብዝበለጸ ነገር ተኪአዮ እየ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነዚ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጾ፡ “ኣካላዊ ስልጠና ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም፣ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ነታ እትመጽእ ህይወትን ተስፋ ስለ ዘለዎ፡ ንዅሉ እዩ ዚጠቅም።”—1 ጢሞቴዎስ 4:8

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።