ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና

ጥዕና

ንጥዕና ዚምልከት ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕማምን ሕክምናን እንታይ ከም ዚብል ፍለጥ።

ጥዕናኻ እተመሓይሸሉ መገድታት

ዝሓሸ ጥዕና ንኺህልወካ ኺሕግዘካ ዚኽእል ሓሙሽተ ነገራት።

ሕማም—ከመይ ጌርካ ኽትከላኸሎ ትኽእል

ኣካላትካ በብመዓልቱ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ ምስ ዜእትዉ ሰላሕታውያንን ዘይረኣዩን ጸላእቲ ይዋጋእ እዩ።

ኣረኣእያኻ ጽልዋ ኣለዎ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ሕጉስ ክትከውን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧

ህይወትካ ኣመሓይሽ—ስምዒታዊ ጥዕና

ስምዒትና ኽንቈጻጸር እንተ ኽኢልና፡ ንጥቀም ኢና።

መገዲ ሓጐስ—ኣካላዊ ጥዕናን ተጻዋርነትን

ጥዕና ምስኣን ንሓጐስ የጥፍኦ ድዩ፧

ካብ ግጉይ ሓበሬታ ተሓሎ

ዜደናግር ዜናን ናይ ሓሶት ጸብጻብን ሽርሕን ኣስፋሕፊሑ ኣሎ፣ እዚ ኺጐድኣካ ይኽእል እዩ።

ክብደት ብኸመይ ክንኪ እኽእል፧

ክብደት ክትንኪ እንተ ደሊኻ፡ ኣመጋግባኻ ንእተወሰነ እዋን ጥራይ ምቕያር ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣነባብራኻ ለውጢ ግበር።

እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧

መብዛሕትኡ እዋን ብንእስነቱ ዘይጥዑይ ምግቢ ዚበልዕ ዝነበረ ሰብ ምስ ዓበየ እውን ነቲ ልማዱ ኣይገድፎን እዩ፣ ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ጥዑይ ኣመጋግባ ይሃሉኻ።

ህይወትካ ኣመሓይሽ—ኣካላዊ ጥዕና

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣካላዊ ጥዕናና ንምክንኻን ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር የተባብዓና እዩ።

ንግዜ እርጋን ብኸመይ ክትሕጐሰሉ ትኽእል

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ሽዱሽተ ምኽርታት፡ ንግዜ እርጋን ንኽትሕጐሰሉን ነዚ ሓድሽ መድረኽ ህይወት ንኽትለምዶን ኪሕግዘካ እዩ።

ጽሩይ ኣየርን ብርሃን ጸሓይን—ባህርያዊ “ጸረ ነፍሳት”

ዘመናዊ ስነ ፍልጠት፡ ንልክዕነት እቲ ኣብ 1800ታት እተገብረ መጽናዕቲ ዜረጋግጽ እዩ።

ንሕማም ምጻሩ

ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧

እወ! ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ ንሕማምካ ኽትጻወሮ ዚሕግዘካ ሰለስተ ነጥብታት ርአ።

ነቶም ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ብኸመይ ንሕግዞም፧

ንኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎ ፈታዊኻ ምሕጋዝ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ።

ከቢድ ሕማም ምስ እትሓምም፡ ብህይወት ምንባርዶ ይሓይሽ፧

ገሊኦም ንኸቢድ ሕማም ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ ፍለጥ።

“ሕማመይ ንህይወተይ ኪቈጻጸሮ ኣይፈቕደሉን እየ”

ኢላይሳ ነቲ ዘለዋ ሕዱር ሕማም ንኽትጾሮ፡ ሓድሓደ እዋን እውን ንኽትርስዖ ዜኽእላ ብርታዐ እትረክብ ብኸመይ እያ፧

ንስንክልና ምጻሩ

ካብ ድኻም ምብርታዕ

ካብ ብሽክለታ ስንኩላን ዘይትፍለ ሰበይቲ፡ ብእምነታ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ረኸበት።

ከይረኣኻ ምንባር

ዓይነ ስዉራን ዝሓሸ ናይ ምስማዕን ምሽታትን ምድህሳስን ኬማዕብሉ ይኽእሉ ድዮም፧

ኻይሮ ብኣዒንቱ ንኣምላኽ የገልግል

ኻይሮ ኣዝዩ ኸቢድ ዝዓይነቱ ናይ ሓንጎል መልመስቲ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ዜሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ይነብር ኣሎ።

ንኣምላኽ ምግልጋል፡ መድሃኒት ኰኖ

ኦኒሲመስ፡ ኦስትዮጀነሲስ ኢምፐርፈክታ ዚብሃል ንኣዕጽምቲ ተሰባሪ ዚገብር ሕማም ኣለዎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዜተባብዖ ብኸመይ እዩ፧

ብምድህሳስ ምንባር

ጄምስ ርያን፡ ጽሙም ኰይኑ እተወልደ፡ ጸኒሑ ኸኣ ዓይነ ስዉር ዝዀነ እዩ። ኣብ ህይወቱ ናይ ሓቂ ዕላማ ኺህልዎ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

የሆዋ ኻብቲ ዚግብኣኒ ንላዕሊ እዩ ሂቡኒ

ፌሊክስ ኣሌርኮን ብብሽክለታ ሞተር እናተጓዕዘ ኸሎ ብሰንኪ ዝወረዶ ሓደጋ ኻብ ክሳዱ ንታሕቲ ለሚሱ እዩ፣ ብድሕሪዚ ግና ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኪነብር ጀመረ።

ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ተስፋ ረኺበ

ሚክሎሽ ሌክስ ወዲ 20 ዓመት ከሎ ብሰንኪ ዜሕዝን ሓደጋ ለመሰ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ንኺረክብ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

ክንክን

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽንክን ኣረጋውያን ወለዲ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ንኣረጋውያን ወለዶም ብምክንኻን ዝመጸ ኣርኣያ ዚዀኑ ኣብ ኣምላኽ እምነት ዝነበረቶም ሰብኡትን ኣንስትን ይገልጽ እዩ። ነቶም ንወለዶም ዚከናኸኑ ሰባት ዚኸውን ግብራዊ ምኽሪ እውን ይህብ እዩ።

ውሉድካ ስንኩል እንተ ዀይኑ

ኬጋጥመካ ዚኽእል ሰለስተ ብድሆታትን ኪሕግዘካ ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥበብን ርአ።

ወላድየይ እንተ ሓሚሙ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘጋጠሞ መንእሰይ ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን። ክልተ መንእሰያት ነዚ ብኸመይ ከም እተዋጽኣሉ ኣንብብ።

ሰብካ ብዘይምሕር ሕማም ምስ ዚጥቃዕ

ኣባላት ስድራ ቤት ብዘይምሕር ሕማም ንእተጠቕዐ ሰቦም ንምጽንናዕን ንምክንኻንን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ እቶም ንሰቦም ዚከናኸኑ ነቲ ዚስምዖም እተፈላለየ ስምዒታት ኪዋጽኡሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ሕማማት

ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት

ንኣእምሮኣዊ ምዝንባል ብዕዉት መገዲ ንኽትጾሮ ኺሕግዘካ ዚኽእል ትሽዓተ መገዲ።

ሽኮርያ—ንገዛእ ርእስኻ ኽትከላኸለላ ትኽእል ዲኻ፧

ካብቶም ቅድመ ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት፡ እቶም ተስዓ ሚእታዊት ዚዀኑ ብዛዕባ ሕማሞም ኣይፈልጡን እዮም።

ብዛዕባ ትርግትያ ኽትፈልጦ ዚግብኣካ ነገራት

ብዛዕባ እዚ ሰባት ብጌጋ ዚርድእዎ ሕማም፡ ገለ መሰረታዊ ሓቅታት ፍለጥ።

ሕማም ግርጻን—ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዲኻ ዘለኻ፧

ሕማም ግርጻን፡ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ዚርአ ሕማም ኣፍ እዩ። ጠንቁ እንታይ እዩ፧ ሕማም ግርጻን እንተ ኣልዩካ ብኸመይ ትፈልጥ፧ ነቲ ዜስዕቦ ሓደጋኸ ብኸመይ ክትንክዮ ትኽእል፧

ቍጥዐ ኣካላትን ጸገም ምሕቃቕ ምግብን—እንታይ እዩ ፍልልዩ፧

ኣብ ሕክምና ኸይተመርመርካ፡ ባዕልኻ እተወሰነ ምግቢ ምግዳፍ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ኣለዎ ድዩ፧

ብዛዕባ ዓሶ ኽትፈልጦ ዘሎካ

ዓሶ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ሃገር ትነብር እንተ ዄንካ፡ ወይ ናብታ ሃገር ክትገይሽ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ዓሶ ንኸይሕዘካ ኽትከላኸል ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ምስ ንጽፈ ጽግያት ዚመጽእ ጸገማት ምጻሩ

ንስኽን እቶም እተፍቅርዮም ሰባትን ብዛዕባ ንጽፈ ጽግያት ብዝያዳ ብዝፈለጥኩም መጠን፡ ነቲ ምስኡ ዚመጽእ ጸገማት ብዝሓሸ መገዲ ኽትጾርዎ ኢኹም።

ሕዱር ጭንቀት

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጭንቀት እንታይ ይብል፧

ጭንቀት ንሰባት ዚጸልዎም ስለምንታይ ምዃኑን መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሉታዊ ስምዒታት ንኽትጾሮ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእልን ፍለጥ።

ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧

ንሓደ ሰብ ንሞት ከም ፈታዊ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ህይወት ዘይጽወር ምስ ዚመስል

ዝዀነ ዓይነት ጸገም እናሃለወ ኽነሱ፡ ብህይወት ምንባር ይሓይሽ።

ሕዱር ጭንቀት መንእሰያት—ስለምንታይ፧ እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ምልክታቱን ጠንቅታቱን እንታይ እዩ፧ ወለድን ካልኦትን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከወግድ እኽእል፧

ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ብምትግባር፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኸተማዕብል ትኽእል ኢኻ።

ምንቍልቋል ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ንዜጋጥሞም መንእሰያት ግብራዊ ሓገዝ ይህብ።

ንጭንቀት ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

እዚ ክትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ሜላታት፡ ንኽትሓዊ ዚሕግዘካ ስጕምትታት ክትወስድ የኽእለካ።

ሞተይ እምነ ኣለኹ—ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሞት ንእተመነየ ሰብ እንታይ ግብራዊ ምኽሪ ይህቦ፧

ጭንቀትን ውጥረትን

ጭንቀት—ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧

ካብ መጠን ንላዕሊ ኸይትጭነቕ ዚሕግዘካ እንታይ ግብራዊ ምኽርን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣሎ፧

ንተነጽሎ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ከም እተነጸልካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ተስፋን ሓጐስን ዕግበትን ክትረክብ ዘይከኣል መሲሉ ይረኣየካ ይኸውን—ዘይከኣል ግና ኣይኰነን።

ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧

ንጸቕጢ ብዝሓሸ ኽትጻወሮ፡ ካብኡ ሓሊፍካ እውን ክትንክዮ ዚሕግዝ ግብራዊ ስርዓታት ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ጭንቀትካ ንምቍጽጻር ይሕግዝ ድዩ፧

ጭንቀት መናብርቲ ደቂ ሰብ ዝዀነ እዩ ዚመስል። ካብ ጭንቀት እፎይታ ይርከብ ደዀን ይኸውን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጭንቀት እንታይ ይብል፧

ኣወንታዊ ጭንቀት ጠቓሚ ኪኸውን ከሎ፡ ኣሉታዊ ጭንቀት ግና ጐዳኢ እዩ። ንጭንቀት ክትዋጽኣሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ውጥረት ንምቍጽጻር ዚሕግዝ መገድታት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብኣርባዕተ ልሙድ ረቛሒታት ዝመጸ ውጥረት ንምቍጽጻር ዚሕግዝ ግብራዊ ምኽሪ ኺህበካ ይኽእል እዩ።

ጸገም፦ ብዙሕ ወጣጢ ዘለዎ ናብራ

ንዅሉ ነገራት ክትፍጽም ትፍትን እንተ ዄንካ፡ ምንም ነገር ከይፈጸምካ ኽትተርፍ ኢኻ። ንውጥረትካ ብኸመይ ክትንክዮ ትኽእል፧

ሓይለይ ምእንቲ ኸይጽንቀቕ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ጠንቂ እዚ ጸገም እንታይ እዩ፧ ንዓኻኸ ኼጋጥመካ ይኽእል ድዩ፧ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኸየጋጥመካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ንጓልካ ውጥረት ኬጋጥማ ኸሎ

ሓያሎ ጐራዙ በቲ ኣብ እዋን ጕርዝውና ዜጋጥመን ለውጥታት ይጭነቓ እየን። ወለደን ነቲ ውጥረት ንኺዋጽኣሉ ብኸመይ ኪሕግዘወን ይኽእሉ፧

ንለውጢ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ለውጢ ኸተወግዶ ዘይከኣል እኳ እንተዀነ፡ ገሊኦም ብዕዉት መገዲ ንኺዋጽኡሉ እንታይ ኸም ዝገበሩ እስከ ርአ።

ከመይ ጌርካ ቕሳነት ክትረክብ ትኽእል፧

ቅሳነት ንምርካብ ኪሕግዘካ ዚኽእል ሰለስተ መገድታት።

ሕክምና

እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚሓምም

ቈጸራታት ሕክምና ወይ ኣብ ሆስፒታል እትጸንሓሉ እዋን ኣዝዩ ዜጨንቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንፈታዊኻ ወይ ዘመድካ ኣብ ከቢድ ኵነታት እውን ከይተረፈ ዚከኣሎ ንኺገብር ክትሕግዞ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ምምሕልላፍ ደም—ሕጂ ሓካይም እንታይ ይብሉ ኣለዉ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ብምእባዮም ኪንቀፉ ጸኒሖም እዮም። ገሊኦም ሰብ ሞያ ሕክምና ነዚ ብዛዕባ ደም ዘሎና መትከል ብኸመይ ይርእይዎ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓከምቲ ምምሕልላፍ ደም ብምእባዮም ዝሓሸ ጥዕና ይረኽቡ

ምምሕልላፍ ደም ዚኣብዩ ተሓከምቲ፡ ህይወቶም ናይ ምድሓን ዝሓሸ ዕድል ከም ዘለዎምን ኣብ ሆስፒታል ንዝሓጸረ ግዜ ኸም ዚጸንሑን ጸብጻባት ይሕብር።