ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምምሕልላፍ ደም—ሕጂ ሓካይም እንታይ ይብሉ ኣለዉ፧

ምምሕልላፍ ደም—ሕጂ ሓካይም እንታይ ይብሉ ኣለዉ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ብምእባዮም፡ ንሓያሎ ዓመታት ኪንቀፉ ጸኒሖም እዮም። ኣብቲ፡ ‘ካብ ደም ርሓቑ’ ዚብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒ ተመርኲሶም ደም ምውሳድ ምእባዮም፡ እዚ መትከል እዚ ምስቲ ሓካይም ንጥቕሚ ተሓከምቶም ዝሓሸ ኢሎም ዚሓስብዎ ዓይነት ሕክምና ኺጋጮ ጸኒሑ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:29

ኰይኑ ግና፡ ብዝሖም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ምኩራት ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ብዘይ ደም ዚውሃብ ሕክምና ዝሓሸ ምዃኑ ይዛረቡ ኣለዉ።

ክፍሊ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዜሕትማ ናይ ጽድያ 2013 ሕታም መጽሔት ስታንፎርድ መዲስን ማጋዚን፡ “ኣንጻር ውሒዝ—ምምሕልላፍ ደም እናነከየ ዚኸይድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧” ዚብል ኣርእስቲ ዚርከባ ብዛዕባ ደም ዚገልጽ ፍሉይ ጸብጻብ ሒዛ ወጺኣ ነይራ። ሳራ ዊልያምስ ዝስማ ጸሓፊት እታ ዓንቀጽ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዚርከብ ሆስፒታላት ኣብ እተገብረ ምርምር፡ እተለገሰ ደም ካብቲ ንደገፍ ተሓካሚ ዜድሊ ንላዕሊ፡ ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ዀነ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዚርከብ መናበዪ ኽፍልታት፡ ብተደጋጋምን ብብዙሕ መጠንን ኣብ ጥቕሚ ኸም ዚውዕል ሓቢሩ” ትብል።

እታ ጸሓፊት ነታ መስራቲትን ዳይረክተርን እቲ ኣብ ሆስፒታል ፐንስልቨንያ ዚርከብ ማእከል ደም ኣልቦ ሕክምናን መጥባሕትን ዝዀነት ዶ/ር ፓትሪሽያ ፎርድ ዝበለቶ እውን ኣብቲ ጽሑፍ ጠቒሳ እያ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዶ/ር ፎርድ ከምዚ በለት፦ “ኣብ ባህሊ ሕክምና፡ ‘መጠን ደም ሰባት ካብ እተወሰነ ንታሕቲ እንተ ወሪዱ ይሞቱ፡ ደም ቀንዲ መድሕን ህይወት እዩ’ ዚብል ኣተሓሳስባ ኣብ ሱር ሰዲዱ ኣሎ። . . . ኣብ ገሊኡ ፍሉይ ኵነታት እዚ ሓቂ እዩ፣ a ግናኸ፡ እዚ ንመብዛሕትኦም ተሓከምትን ኣብ መብዛሕትኡ ዅነታትን ሓቂ ኣይኰነን።”

ብዘይካዚ፡ ኣብ ዓዓመት ኣስታት 700 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕክም ዶ/ር ፎርድ ከምዚ ዚስዕብ በለት፦ “መብዛሕትኦም ዘዛራርቦም ተሓከምቲ፡ . . . ብዙሓት ተሓከምቲ ደም እንተ ዘይወሲዶም ከም ዘይሰርሩ እዮም ብጌጋ ዚኣምኑ ነይሮም። ኣነ እውን ብእተወሰነ መጠን ከምኡ እሓስብ ነይረ። እንተዀነ ግና፡ ነዞም ተሓከምቲ እዚኦም ብቐሊል ስልትታት ጌርካ ኽትከናኸኖም ከም እትኽእል ብቕልጡፍ እየ ተማሂረ።”

ኣብ ነሓሰ 2012፡ ኣርካይቭስ ኦቭ ኢንተርናል መዲስን እትብሃል መጽሔት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓደ ማእከል ኣብ 28 ዓመት እተገብረ መጥባሕቲ ልቢ ዚገልጽ ውጽኢት መጽናዕቲ ኣሕቲማ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ዝነበሩ እሞ ደም ዝወሰዱ ተሓከምቲ ብዝሓሸ ፍጥነት ጥዕና ኸም ዝረኸቡ ድማ ተገሊጹ እዩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ደም ዝወሰዱ ተሓከምቲ ኺነጻጸሩ ኸለዉ፡ ኣብ ሆስፒታል ዝወሓደ ሕልኽላኻት ኣጋጢምዎም፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዀነ ኣብቲ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ 20 ዓመት ብዝሓሸ መጠን ሰሪሮም እዮም።

ኣብ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ብ8 ሚያዝያ 2013 እተሓትመት ዓንቀጽ ከኣ ከምዚ በለት፦ “ደም ኣልቦ መጥባሕቲ፡ ማለት ብዘይ እተለገሰ ደም ዚግበር መጥባሕቲ፡ ነቶም ብምኽንያት ሃይማኖቶም ዘይቅበልዎ ሰባት ንዓመታት ኪግበር ጸኒሑ እዩ። ሕጂ፡ ሆስፒታላት ነቲ ሜላ ብብዝሒ ይቕበላኦ ኣለዋ፣ . . . ምስ ምዕዳግን ምኽዛንን ምምስራሕን ምምርማርን ምምሕልላፍን ደም እተተሓሓዘ ወጻኢታት ኣብ ርእሲ ምንካዩ፡ እቲ ተክኒክ ነቲ ምስ ምምሕልላፍ ደም እተተሓሕዘ ብከላን ነቲ ንተሓከምቲ ኣብ ሆስፒታል ንዝነውሐ ከም ዚጸንሑ ዚገብሮም ሕልኽላኻትን ከም ዚንክዮ ንደም ኣልቦ መጥባሕቲ ዚማጐቱ ሓካይም መጥባሕቲ ይገልጹ እዮም።”

ዳይረክተር ምምሕዳር ደም ክሊኒክ ክሊቭላንድ ዝዀነ ሮበርት ሎረንዝ፡ “ደም ንተሓከምቲ ኺውሃብ ከሎ፡ ትሕግዞም ዘለኻ ዀይኑ ይስምዓካ። ናይ ነዊሕ ግዜ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ ግና ብኣንጻሩ እዩ” ምባሉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

a ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ደም ዘለዎም ርእይቶ ንምፍላጥ፡ “ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት—ስለምንታይ ኢኹም ደም ዘይትወስዱ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።