ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰባት ‘ብብዝሒ ሰላም ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።’—መዝሙር 37:11።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ጭንቀትካ ንምቍጽጻር ይሕግዝ ድዩ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“[ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:7) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ካብ ጭንቀታትካ ዕረፍቲ ምእንቲ ኽትረክብ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል መረጋገጺ ይህብ እዩ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ብጸሎት ኣቢልካ ጭንቀትካ ዜፍኵሰልካ “ሰላም ኣምላኽ” ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—ፊልጲ 4:6, 7

  • ኣብ ርእሲ እዚ፡ ቃል ኣምላኽ ምንባብ ንውጥረት ክትቈጻጸሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 11:28-30

ጭንቀት ይውገድ ደዀን ይኸውን፧

ገሊኦም ሰባት፡ ጭንቀትን ውጥረትን መናብርቲ ደቂ ሰብ ምዃኑ ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ ካብ ጭንቀት እፎይታ ዚርከብ ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ጥራይ ከም ዝዀነ ይኣምኑ። እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንጠንቅታት ጭንቀት ኬወግዶ እዩ። “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧