ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ጭንቀት

ጭንቀት

ጭንቀት እንታይ እዩ፧

“ኣነ ጐበጥኩ እምብዛውን ሐጐብኩ፡ ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር አሎኹ።”—መዝሙር 38:6

ተመራመርቲ እንታይ ይብሉ፧

ኵሉ ሰብ ሓሓሊፉ ተስፋ ይቘርጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕዱር ጭንቀት ግና ቀጻልን ንመዓልታዊ ንጥፈታትካ ዚዓናቕፍን ዜማስንን ሕማም እዩ። ነቲ ኣብ መንጎ እቲ “ንቡር” ዝዀነ ጓህን ከም “ሕማም” ዚቝጸር ጭንቀትን ዘሎ ፍልልይ፡ ኵሎም ምሁራት ዚሰማምዑሉ ጕዳይ ከም ዘይኰነ ኽንዝክር ኣሎና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ሰባት ዘይረብሑ ዀይኑ ኺስምዖም ከሎን መጠኑ ብዝሓለፈ ጸጸት ኪውሓጡ ኸለዉን፡ ዓሚቝ ኣሉታዊ ስምዒት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣሉታዊ ስምዒት ዘጋጠሞም ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ሃና “ብነፍሳ ተመሪራ” ነበረት፣ እዛ ሓረግ እዚኣ፡ “ልባ ተሰይሩ” ወይ “ኣመና ተጨኒቓ” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ። (1 ሳሙኤል 1:10) ነብዪ ኤልያስ እውን እንተ ዀነ፡ ሓደ እዋን ብጓሂ ተዋሒጡ፡ ንነፍሱ ምእንቲ ኺወስዳ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ ነይሩ እዩ።—1 ነገስት 19:4

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ‘ንእተጨነቑ ኼጸናንዕዎም’ ተማዒዶም ነይሮም እዮም። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ “እተጨነቑ” እትብል ቃል፡ ነቶም “ንግዜኡ ብናይ ህይወት ጭንቀት እተዋሕጡ ሰባት” ከተመልክት ትኽእል እያ። ብንጹር እምበኣር፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እውን እንተ ዀኑ፡ ሓድሓደ ግዜ ይጭነቑ ነይሮም እዮም።

ጭንቀት ብጕድለት እቲ ሕሙም ድዩ ዚመጽእ፧

‘ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን ኣሎ።’—ሮሜ 8:22

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕማም ብሰንኪ ዕልወት እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝመጸ እዩ ዚምህር። ንኣብነት፡ መዝሙር 51:5፡ “ብኣበሳ ተወለድኩ፡ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ” ትብል። ሮሜ 5:12 እውን፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ [እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ” ትብል። ካብ ኣዳም ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡ ነፍሲ ወከፍና ንኣካላዊ ዀነ ንስምዒታዊ ሕማም እተቓላዕና ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን ከም ዘሎ” ዚገልጽ። (ሮሜ 8:22) ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ይኹን ሓኪም ኪህቦ ዘይክእል ተስፋ እውን ይህበና እዩ፣ እወ፡ ኣምላኽ፡ ሰላም ዝሰፈና ኸምኡውን ኵሉ ዓይነት ሕማም፡ እንተላይ ጭንቀት ዚውገደላ ሓዳስ ዓለም ከም ዜምጽእ ይመባጻዕ እዩ።—ራእይ 21:4

ንጭንቀት ብኸመይ ክትጾሮ ትኽእል፧

“እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፡ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።”—መዝሙር 34:18

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንዅነታትካ ኽትቈጻጸሮ እትኽእል፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን፣ ሓድሓደ ግዜ ሕማቕ ነገራት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። (መክብብ 9:11, 12) ይኹን እምበር፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ንህይወትካ ምእንቲ ኸይቈጻጸሮ፡ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሕሙማት ሓኪም ከም ዜድልዮም ይገልጽ እዩ። (ሉቃስ 5:31) ስለዚ፡ ብጭንቀት ትሳቐ እንተ ኣሊኻ፡ ሕክምና ኽትረክብ ምጽዓርካ ጌጋ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጸሎት ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ እውን ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ መዝሙር 55:22፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ትብል። ጸሎት፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ምርኩስ ኣይኰነን፣ ምስቲ “ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እንዘራረበሉ ናይ ሓቂ መስመር እዩ።—መዝሙር 34:18

ብዛዕባ ስምዒትካ ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ ብምንጋር እውን፡ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። (ምሳሌ 17:17) ዳንየላ ዝስማ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ብዛዕባ ጭንቀተይ ንኽዛረብ ብህድኣት ኣተባብዓኒ። ንነዊሕ ዓመታት ከምኡ ኽገብር ዘይደሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና ምስ ካልእ ሰብ ክዘራረብ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ድሕሪ እቲ ዝርርብና ፍዅስ ምስ በለኒ ኣዝየ ተገረምኩ” በለት።