ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧

ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧

ዲያና፡ a መስተውዓሊትን ምቕልልትን ሕውስትን መንእሰይ እያ። ምስናይዚ ግና፡ ንመዓልትታት፡ ንሰሙናት፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ንኣዋርሕ ስለ እትጭነቕ፡ “ብዛዕባ ሞት ዘይሓሰብኩላ መዓልቲ የላን፡ ብህይወት ምህላወይ ንዓለም ዋላ ዚጠቕማ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ” በለት።

“ገሊኡ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሓደ ሰብ ርእሰ ቕትለት ኪፍጽም ከሎ፡ 200 ሰባት ርእሰ ቕትለት ኪፍጽሙ ይፍትኑ፡ 400 ዝዀኑ ድማ ርእሰ ቕትለት ኪፍጸሙ ይሓስቡ።”ዘ ጋዜቲ፡ ሞንትሪያል፡ ካናዳ።

ድያና ርእሰ ቕትለት ክትፍጽም ከም ዘይትደሊ እኳ እንተ ገለጸት፡ ስለምንታይ ብህይወት ከም እትነብር ግና ኣይርድኣን እዩ። ኣስዒባ ኸኣ፡ “ብሓደጋ ማኪና ኽመውት እየ ዝምነ። ንሞት ከም ፈታዊ ደኣ እምበር፡ ከም ጸላኢ ገይረ ኣይርእዮን እየ” በለት።

ሓያሎ ሰባት ከምዚ ናይ ድያና ዓይነት ስምዒት እዩ ዘለዎም፣ ገሊኣቶም ከኣ ርእሰ ቕትለት ኪፍጽሙ ሓሲቦም ወይ ፈቲኖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ምሁራት ከም ዚብልዎ፡ መብዛሕትኦም ርእሰ ቕትለት ኪፍጽሙ ዚደልዩ ሰባት፡ ብሓቂ ህይወቶም ኬጥፍኡ ኣይደልዩን እዮም፣ ካብ ስቓይ ኪገላገሉ ጥራይ እዮም ዚደልዩ። ብሓጺሩ፡ ብዛዕባ ዚሞቱሉ ምኽንያት እዮም ዚሓስቡ፣ ኰይኑ ግና ብህይወት ዚነብሩሉ ምኽንያት ኣሎ።

ስለምንታይ ኢና ብህይወት እንነብር፧ ብህይወት እትነብረሉ ሰለስተ ምኽንያት ንርአ።

a ስም ተቐዪሩ እዩ።