ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ሓይለይ ምእንቲ ኸይጽንቀቕ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ሓይለይ ምእንቲ ኸይጽንቀቕ እንታይ ክገብር እኽእል፧

 ሓይልኻ ኽጽንቀቕ ዝቐረበ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ እያ!

 ስለምንታይ የጋጥም፧

  •   ጸቕጢ። ሓንቲ ጁሊ እትብሃል መንእሰይ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ዝሓሸ ነገራት ክንገብር፡ ርእስና ብቐጻሊ ኸነመሓይሽ፡ ዝለዓለ ሸቶታት ከነውጽእን ዝበለጸ ውጽኢታት ከነምጽእን እዩ ትጽቢት ዚግበረልና። ኣብ ትሕቲ እዚ ቐጻሊ ጸቕጥታት እዚ ምንባር ከቢድ እዩ!”

  •   ተክኖሎጂ። ዳርጋ ብምሉኡ ግዜና ኣብ ሞባይላትን፡ ኣብ ታብለታትን፡ ኣብ ካልእ ናውትታትን ኢና እነሕልፎ፣ እዚ ድማ ጸቕጢ ኼሕድረልና፡ ምስ ግዜ ድማ ንሓይልና ኺጽንቅቖ ይኽእል እዩ።

  •   ስእነት ድቃስ። ሓንቲ ሚራንዳ እትብሃል መንእሰይ፡ “ብዙሓት መንእሰያት ብሰንኪ ትምህርትን ስራሕን መዘናግዕን ኣንጊሆም ይትንስኡ፡ ኣምስዮም ድማ ይድቅሱ፣ እዚ ድማ ኣብ ሕማቕ ዓንኬል የእትዎም” ትብል። እዚ ኣካይዳ እዚ ንሓይልኻ ይጽንቅቖ እዩ።

 ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ትጉሃት ክንከውን ይምዕደና እዩ። (ምሳሌ 6:6-8፣ ሮሜ 12:11) ይኹን እምበር፡ ኵሉ መዳያት ህይወትና እንተላይ ጥዕናና ኽሳዕ ዚጕዳእ ክንሰርሕ ኣይተባብዕን እዩ።

 “ሓደ መዓልቲ በቲ እተቐበልክዎ ብዙሕ ሓላፍነታት ትሕዝቲ ስለ ዝነበረኩ ምሉእ መዓልቲ ኸይበላዕኩ ውዒለ። ሽዑ ንጥዕናይ እናሃሰኹ፡ ንዚውሃበኒ ዘበለ ዅሉ ዕዮታት ክቕበል ከም ዘይብለይ ተገንዚበ።”—ኣሽሊ።

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሓይሽ” ይብል እዩ። (መክብብ 9:4) ንርእስኻ እናኣገደድካ ምዕያይ፡ ንእተወሰነ እዋን ብርታዐ ኣንበሳ ዘሎካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ይገብር ይኸውን። ሓይልኻ እንተ ተጸንቂቑ ግና እዚ ኣብ ጥዕናኻ ሕማቕ ሳዕቤናት የምጽእ እዩ።

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ‘ኣይፋልን’ ምባል ፍለጥ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበብ ግና ምስ ትሑታት እያ” ይብል እዩ። (ምሳሌ 11:2) ትሑታት ሰባት ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ይፈልጡ እዮም፡ ስለዚ ኺገብርዎ ኻብ ዚኽእሉ ንላዕሊ ኺገብሩ ኣይፍትኑን እዮም።

     “ኣይፋልን ምባል ዘይፈልጥን ንዅሉ ዚውሃቦ ዕዮ ዚቕበልን ሰብ ሓይሉ ይጽንቀቕ እዩ። እዚ ትሑት ምዃን ኣይኰነን። ውዒሉ ሓዲሩ ሓይሉ ምጽንቃቑ ኣይተርፍን እዩ።”—ጆርዳን።

  •   እኹል ደቅስ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ” ይብል እዩ። (መክብብ 4:6) ድቃስ፡ “ምግቢ ኣእምሮ” እዩ ዚብሃል፣ ኰይኑ ግና መብዛሕትኦም መንእሰያት፡ ኣብ መዓልቲ እቲ ኺድቅስዎ ዚግብኦም ኻብ ሸሞንተ ኽሳዕ ዓሰርተ ሰዓት ኣይድቅሱን እዮም።

     “ኣዝዩ ጽዑቕ መደባት ምስ ዚህልወኒ፡ እኹል ኣይድቅስን እየ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ተወሳኺ ሓንቲ ሰዓት እንተ ደቂሰ፡ ንጽባሒቱ ንጥፍትን ሕጕስትን እኸውን እየ።”—ብሩክሊን።

  •   ምሕዱር ኩን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ” ይብል እዩ። (ምሳሌ 21:5) ግዜኻን ንጥፈታትካን ብኸመይ ከም እተመሓድር ምፍላጥ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዚጠቕመካ ኽእለት እዩ።

     “ውጥን እንተ ጌርካ ነቲ ባዕልኻ እተምጽኦ ጸቕጢ ኸተወግዶ ትኽእል ኢኻ። መደባት ምስ ኣውጻእካ፡ ሓይልኻ ምእንቲ ኸይጽንቀቕ ኣበይ ምትዕርራያት ክትገብር ከም ዘሎካ ምልላይ ኣይጸግመካን እዩ።”—ቫነሳ።