ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንግዜ እርጋን ብኸመይ ክትሕጐሰሉ ትኽእል፧

ንግዜ እርጋን ብኸመይ ክትሕጐሰሉ ትኽእል፧

ብዛዕባ እርጋን ክትሓስብ ከለኻ እንታይ እዩ ዚስምዓካ፧ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ኺሓስቡ ኸለዉ፡ ይሻቐሉ፡ ይጭነቑ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይፈርሁ እዮም። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እርጋን ምስ ከም ምጭምዳድ ገጽን ምድካም ኣካላትን ምርሳዕን ሕዱር ሕማምን ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ነገራት ስለ ዚተሓሓዝ እዩ።

ኰይኑ ግና፡ ሰባት ዝኣርጉሉ መገዲ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ግዜ እርጋኖም ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ብተዛማዲ ጽቡቕ ጥዕና እዩ ዘለዎም። ኣብ ሕክምና እተገብረ ምዕባለታት፡ ሰባት ንሕዱር ሕማም ኪከናኸንዎን ኪቈጻጸርዎን ኣኽኢልዎም እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ነዊሕ ዕድመን ዝሓሸ ጥዕናን ዘለዎም ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ።

ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም እርጋን ምስ ዜምጽኦ ጸገማት ይቃለሱ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ብዘየገድስ፡ ንግዜ እርጋኖም ተሓጒሶም ኬሕልፍዎ ይደልዩ እዮም። እዚ ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧ ብኸፊሉ፡ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ መድረኽ ህይወት ኣብ ዘሎና ኣረኣእያን ንምልማዱ ኣብ ዘሎና ድሌትን ክእለትን እተመርኰሰ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘና ዚኽእል ቀሊልን ግብራውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።

ትሑት ኩን፦ “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ።” (ምሳሌ 11:2) ኣብዚ ሓሳብ እዚ፡ እታ “ትሑታት” እትብል ቃል ነቶም ብሰንኪ እርጋን፡ እቲ ኺዓይዎ ዚኽእሉ ነገራት ድሩት ምዃኑ ዚቕበልዎ እምበር፡ ኪነጽግዎ ዘይፍትኑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ከተመልክት ትኽእል እያ። ኣብ ብራዚል ዚነብር ወዲ 93 ዓመት ቻርለስ፡ “ነዊሕ ዕድመ ብህይወት እንተ ጸኒሕካ፡ ክትኣርግ ግድን እዩ። ናብ ግዜ ንእስነትካ ኽትምለሰሉ እትኽእል መገዲ የለን” ብምባል ሓቅነት ዘለዎ ሓሳባት ሃበ።

እንተዀነ ግና፡ ትሑት ምዃን ማለት፡ “ኣሪገ እየ፡ ዝተረፈኒ ነገር የለን” ዚብል ናይ ቀቢጸ ተስፋ ኣመለኻኽታ ኺህልወካ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ፡ ዜሐልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምሳሌ 24:10፡ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ትብል። ከመይሲ፡ ሓደ ትሑት ሰብ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ብምሓዝን ዚከኣሎ ዘበለ ብምግባርን ጥበብ የንጸባርቕ እዩ።

ኣብ ኢጣልያ ዚነብር ወዲ 77 ዓመት ኮራዶ፡ ብዕድመ እናደፋእካ ብዝኸድካ መጠን፡ ንዝነውሐ ግዜ ምእንቲ ኽትጸንሕ፡ ንጥፈታትካ ኽትቅንስ ከም ዜድሊ ገለጸ። እወ፡ ሓደ ሰብ ብዕድመ ኺደፍእ ከሎ ገለ ምትዕርራያት ኪገብር የድልዮ እዩ። ኮራዶን ሰበይቱን ምሸት ሓይሎም ምእንቲ ኸይጽንቀቕ ንዕዮ ቤት ብዚምልከት፡ ፍኹስ ዝበለ መደባት ብምስራዕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኣማዕቢሎም እዮም። ኣብ ብራዚል እትነብር 81 ዓመት ዝዕድሚኣ ማሪያን እውን ብዛዕባ እርጋን ክውንነታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ፣ ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ከም ዓቕመይ ክስጕም ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ፣ ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ሓደ ዕዮ ዓሚመ ኻልእ ቅድሚ ምጅማረይ ሓጺር ዕረፍቲ እየ ዝወስድ። ኮፍ ኢለ ወይ ተገምሲሰ አንብብን ሙዚቃ እሰምዕን እየ። ዓቕመይ ፈሊጠ ኽነብር ከም ዘሎኒ ድማ ተማሂረ እየ።”

ሚዛናዊ ኹን

ሚዛናዊ ኹን‘ኣንስቲ ትሕትናን ልብምናን ብዜርኢ ግቡእ ክዳውንቲ ይሰለማ።’ (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) እቲ “ግቡእ ክዳውንቲ” ዚብል መግለጺ ንጽቡቕን ሚዛኑ ንዝሓለወን ኣከዳድና የመልክት። ኣብ ካናዳ እትነብር 74 ዓመት ዝዕድሚኣ ባርባራ፡ “ጽፍፍትን ጽርይትን ኰይነ እየ ኽርአ ዝደሊ፣ ‘ኣሪገ እየ፡ ብዛዕባ ትርኢተይ ኣየገድሰንን እዩ’ ዝዓይነቱ ኣረኣእያ ዜንጸባርቕ ወዛል ኣከዳድና ኺህልወኒ ኣይደልን እየ” በለት። ኣብ ብራዚል እትነብር 91 ዓመት ዝዕድሚኣ ፈርን እውን፡ “ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ጽቡቕ ንኺስምዓኒ፡ ስሕት ኢለ ሓድሽ ክዳውንቲ እዕድግ እየ” በለት። ብዛዕባ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ኣብ ብራዚል ዚነብር 73 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣንቶንዮ፡ “ጽሩይን ሓድሽን ክዳውንቲ ብምኽዳን ጽፉፍ ኰይነ ንኽርአ ዚከኣለኒ እየ ዝጽዕር” በለ። ንኣካላዊ ጽሬት ብዚምልከት ከኣ፡ “መዓልታዊ እየ ዝሕጸብን ጭሕመይ ዝላጸን” በለ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ ብዛዕባ ትርኢትካ ኣመና ኻብ ምግዳስ እተላዕለ፡ “ልብምና” ኣብ ዘይተርእየሉ ደረጃ ኸይትበጽሕ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ደቡብ ኮርያ እትነብር 69 ዓመት ዝዕድሚኣ ቦኪም፡ ብኣከዳድና ዝመጸ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ። “ሕጂ፡ ንገሊኡ እቲ መንእሰይ ከለኹ ዝኽደኖ ዝነበርኩ ኽዳውንቲ፡ ክኽደኖ ግቡእ ከም ዘይኰነ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝፈልጥ” ከኣ በለት።

ኣወንታዊ ኹን

ኣወንታዊ ኹን፦ “ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ።” (ምሳሌ 15:15) ብዕድመ ኽትደፍእ ምስ ጀመርካ፡ ነቲ ብግዜ ንእስነትካ ዝነበረካ ሓይልን ቅድሚ ሕጂ እትገብሮ ዝነበርካ ብዙሕ ነገራትን ብምዝካር፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ይስምዓካ ይኸውን። ከምኡ ኺስምዓካ ድማ ንቡር እዩ። ይኹን እምበር፡ በዚ ኣሉታዊ ስምዒታት እዚ ኸይትስነፍ ጻዕሪ ግበር። ኣብ ሕሉፍ ህይወትካ ጥራይ ምትኳር፡ ከም እትጕሂ ኺገብረካን ነቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት ንኸይትገብሮ ኺዓናቕፈካን ይኽእል እዩ። ኣብ ካናዳ ዚነብር ወዲ 79 ዓመት ጆሴፍ፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎ፣ ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ኣብ ክንዲ በቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገብሮ ዝነበርኩ ሕጂ ግና ኽገብሮ ዘይክእል ነገራት ዝጕሂ፡ ነቲ ኽገብሮ ዝኽእል ነገራት ጥራይ ብምግባር ክሕጐስ እየ ዝፍትን።”

ምንባብን ምምሃርን እውን ዝያዳ ኣወንታዊ ኸም እትኸውንን ክፉት ኣእምሮ ኸም ዚህልወካን ኪገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ ብእተኻእለ መጠን፡ ሓድሽ ነገራት ንኽትመሃርን ንኸተንብብን ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር 74 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርኔስቶ፡ ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ብምኻድ መሳጢ ዝዀነ መጻሕፍቲ የንብብ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሕጂ እውን እንተዀነ ብጽሑፋት ኣቢለ፡ ብሓሳበይ ካብ ቀጽሪ እቲ ዘለኽዎ ቤት ብምውጻእ ብዛዕባ መሳጢ ዝዀነ ቕያታት ምንባብ የሐጕሰኒ እዩ።” ኣብ ሽወደን ዚነብር ወዲ 75 ዓመት ሌናርት እውን ዋላ እኳ ኸቢድ እንተ ዀነ፡ ሓድሽ ቋንቋ ተማሂሩ እዩ።

ለጋስ ኩን

ለጋስ ኩን፦ “ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም።” (ሉቃስ 6:38) ግዜኻን ክትህቦ እትኽእል ነገራትን ንኻልኦት ናይ ምውፋይ ልምዲ ይሃሉኻ። እዚ ድማ ዕግበትን ሓጐስን ኬምጽኣልካ እዩ። ኣብ ብራዚል እትነብር ጓል 85 ዓመት ሆዛ፡ ኣካላዊ ዓቕማ ድሩት ክነሱ ንኻልኦት ክትሕግዝ ብዙሕ እያ እትጽዕር። ከምዚ ኸኣ በለት፦ “ነቶም ዝሓመሙን ተስፋ ዝቘረጹን ፈተውተይ እድውለሎምን ደብዳበ እጽሕፈሎምን ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንኣሽቱ ህያባት እሰደሎምን እየ። ኣብ ርእሲ እዚ ንዝሓመሙ፡ ምግቢ ክኽሽነሎም ወይ ምቍር ምግቢ ኸዳልወሎም ባህ እዩ ዚብለኒ።”

ንኻልኦት ሰባት ለጋሳት ምስ እንኸውን፡ ንሳቶም እውን ብግዴኦም ንኺልግሱልና ይተባብዑ እዮም። ኣብ ሽወደን እትነብር 66 ዓመት ዝዕድሚኣ ጃን፡ “ንኻልኦት ሰባት ፍቕርኻ ምስ እተርእዮም፡ ንሳቶም እውን ኬፍቅሩኻ እዮም ዚድረኹ” በለት። እወ፡ ሓደ ለጋስ ሰብ፡ ንኻልኦት ሰባት ባህ ዜብሎም ምዉቕን ኣኽብሮት ዚንጸባረቐሉን ሃዋሁ እዩ ዚፈጥር።

ተቐራቢ ኹን፦ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ፡ ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ።” (ምሳሌ 18:1) ሽሕ እኳ በይንኻ ክትከውን እትደልየሉ ግዜያት እንተሎ፡ ርእስኻ ኣይትፍለን ኣይተግልልን። ኣብ ናይጀርያ ዚነብር ወዲ 72 ዓመት ኢኖሰንት፡ ምስ ፈተውቱ ግዜ ኼሕልፍ ባህ እዩ ዚብሎ፣ “ምስ እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ሰባት ተሓጒሰ እሓብር እየ” ኸኣ በለ። ኣብ ሽወደን ዚነብር ወዲ 85 ዓመት ቦርየ እውን፡ “ምስ መንእሰያት ክሓብር እጽዕር እየ። እቲ ዘለዎም ሓይሊ ኸኣ ብልበይ ገና መንእሰይ ዝዀንኩ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ እዩ ዚገብር” በለ። ሓሓሊፍካ፡ ፈተውትኻ ንምዕዳም ተበግሶ ውሰድ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ዚነብር 72 ዓመት ዝዕድሚኡ ሃን-ሲክ፡ “ኣነን ሰበይተይን፡ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዘለዉ ፈተውትና ማለት፡ ብዕድመ ንዝደፍኡን ንኰተቴታትን ምትእኽኻብ ወይ ንድራር ክንዕድሞም ባህ እዩ ዚብለና” በለ።

ተቐራቢ ኹን

ተቐረብቲ ሰባት ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ እዮም። ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ግና ንስኻ ጥራይ ክትዛረብ ዘይኰነስ፡ ጽን ኢልካ እውን ክትሰምዕ ኣለካ። ንኻልኦት ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ። ኣብ ሞዛምቢክ እትነብር ጓል 71 ዓመት ሄለና፡ “ተቐራቢት እየ፡ ንኻልኦት ሰባት ድማ ብኽብሪ እየ ዝሕዝ። እንታይ ከም ዚሓስቡን ከም ዚፈትዉን ንምፍላጥ ከኣ ጽን ኢለ እየ ዝሰምዖም” በለት። ኣብ ብራዚል ዚነብር ሆሴ ዝስሙ ወዲ 73 ዓመት ሰብኣይ እውን “ሰባት፡ ምስቶም ጽን ኢሎም ዚሰምዑን ድንጋጽ ዜርእዩን ብኻልኦት ዚግደሱን ኣብ ግቡእ ግዜ ናእዳ ዚህቡን ተዋዘይትን ሰባት እዮም ግዜ ኼሕልፉ ዚደልዩ” በለ።

ሓሳባትካ ኽትገልጽ ከለኻ፡ ‘ዘረባኻ ብጨው እተቓመመ ይኹን።’ (ቈሎሴ 4:6) ሓልዮት ኣርእን ኣተባብዕን።

መማሰዊ ኹን፦ ‘መማሰውቲ ኹኑ።’ (ቈሎሴ 3:15) ንእተገብረልካ ሓገዝ ሞሳኻ ኣርኢ። ሞሳኻ ምግላጽ፡ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ንኸተማዕብል ይሕግዝ እዩ። ኣብ ካናዳ እትነብር 74 ዓመት ዝዕድሚኣ ሜሪ-ፖል፡ “ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣነን ሰብኣየይን ካብ ቤትና ናብ ካልእ ቤት ክንግዕዝ ከለና፡ ብዙሓት ፈተውትና ኺሕግዙና መጹ፣ በዚ ኸኣ ኣዚና ኢና እነመስግኖም። ባዕልና ዘዳለናዮ ናይ ምስጋና ካርድታት ልኢኽናሎምን ንገሊኣቶም ድማ ንምሳሕ ወይ ድራር ዓዲምናዮምን ኢና።” ኣብ ደቡብ ኮርያ እትነብር 76 ዓመት ዝዕድሚኣ ጀይ-ዎን፡ ነቲ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብማኪና ኽትከይድ ዚግበረላ ሓገዝ ተማስወሉ እያ። “ንኹሉ እቲ ዚግበረለይ ሓገዝ ኣዝየ ስለ ዘማስወሉ፡ ንነዳዲ ዚኸውን ሒደት ገንዘብ ክኸፍል እጽዕር እየ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ናይ ምስጋና ጽሑፍ ዘለዎ ንእሽቶ ህያባት አዳሉ እየ” በለት።

ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንህይወት ኣማስወላ። እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ” ብምባል የዘኻኽረና እዩ። (መክብብ 9:4) እወ፡ ንዅነታትካ ኽትለምዶ ፍቓደኛ ብምዃንን ቅኑዕ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ብምሓዝን ንግዜ እርጋን ተሓጒስካ ኸተሕልፎ ትኽእል ኢኻ።

መማሰዊ ኹን