ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንህይወትካ ኽትቈጻጸራ ትኽእል ዲኻ፧

ጸገም፦ ብዙሕ ወጣጢ ዘለዎ ናብራ

ጸገም፦ ብዙሕ ወጣጢ ዘለዎ ናብራ

ደቅኻ ሕጂ ቘላሕታ ኽትገብረሎም ይደልዩ ኣለዉ። ኣስራሒኻ እውን ዕዮኻ ኽትፍጽም ይጽበየካ ኣሎ። ካብ መጻምድትኻ ይድወለልካ ኣሎ። ምስናይዚ ኸኣ፡ ነቲ ዝሓመመ ወላዲኻ ኽትኣሊ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣሎኻ። ከምዚ ዓይነት ናብራ ኸተሕልፍ ድሌትካ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ሕጂ ግና ኽፍሊ መዓልታዊ ናብራኻ ዀይኑ ኣሎ። “ኵሎም ሓገዘይ ይደልዩ ኣለዉ፣ እንታይ እየ ኽገብር ዝኽእል፧” ኢልካ ድማ ንርእስኻ ትሓትት። ንድሌት እቶም ሰባት ኰነ ንድሌትካ ምሉእ ብምሉእ ከተማልእ ከኣ ኣይትኽእልን ኢኻ። እሞኸ፡ ነዚ ዅሉ ብኸመይ ኢኻ ኽትቈጻጸሮ እትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት፦ ሙሴ

ሙሴ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ እስራኤል ንበይኑ ዀይኑ ኣብ ዚፈርደሉ ዝነበረ እዋን፡ ዜድሊ ነገራት ይገብር ከም ዝነበረ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ሓሙኡ፡ “እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣይጽቡቕን እዩ። ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም” በሎ። ኣስዒቡ ኸኣ፡ ንመብዛሕትኡ ጕዳያት ንኽኢላታት ሰባት ኪህቦም፡ ነቲ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝዀነ ጕዳይ ጥራይ ናብኡ ኸም ዜመሓላልፍዎ ኺገብር ዝሓሸ ምዃኑ ርእይቶ ኣቕረበሉ። ከምኡ እንተ ገይሩ ኸኣ እንታይ ውጽኢት ከም ዚረክብ ከምዚ ብምባል ኣረጋገጸሉ፦ “ክትጸንዕ ትኽእል ኢኻ። ኵሉ እዚ ህዝብዚ ድማ ናብ ቦታኡ ብሰላም ይአቱ።”—ዘጸኣት 18:17-23

ደሊና ዝገበረቶ

ኣብታ ኣብ መእተዊት ዘላ ዓንቀጽ ከም እተገልጸ፡ ደሊና ብሕማም መትኒ ትሳቐ እያ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ሰለስተ ስንኩላን ኣሕዋታ እውን ትኣሊ እያ። “ብዛዕባ ጽባሕ ዘይምጭናቕን ዘይምድንጓይን ውጥረት ከም ዚንኪ ኣስተብሂለ እየ” በለት። ኣስዒባ እውን፡ “ብዛዕባ ዅነታተይ ንኻልኦት ብጋህዲ ስለ ዝዛረብ፡ ብዓል ቤተይን ካልኦት ሰባትን ይድግፉኒ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንግሆ ንግሆ ኣታኽልቲ ንምክንኻን ቍሩብ ግዜ እምድብ እየ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ዕግበት የምጽኣለይ እዩ” በለት።

“ኵሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ አለዎ።”—መክብብ 3:1

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ብዙሕ ዋጢጥ ዘለዎ ናብራ ንህይወትካ ይቈጻጸራ እንተ ኣልዩ፡ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

  • ዚሕግዘካ ሰብ ኣናዲ። ንኣብነት፡ ኪሕግዙ ዚኽእሉ ምሳኻ ዚነብሩ ደቂ ኣለዉኻዶ፧ ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ኺሕግዙኻ ዚኽእሉ ኣባላት ስድራ ቤት ወይ ፈተውቲ ኣለዉዶ፧

  • እንታይ ከም ዜድልየካ ንገሮም። ንኣብነት፡ ንኣስራሒኻ ኻባኻ ኣብ ዚጽበዮ ነገራት ዘይርትዓዊ እንተ ዀይኑ ተዛረቦ። እዚ ግና ‘ስራሕ ከቋርጽ እየ’ ኢልካ ኸተፈራርሖ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። እንታይ ጸገማት ተሕልፍ ከም ዘለኻ ጥራይ ሓብሮ። ጾርካ ንኼፍኵሰልካ ፍቓደኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ኣብ ሰሙን እንታይ ነገራት ክትዓምም ከም እትኽእል ጽሓፍ። እሞኸ፡ ንገሊኡ ነገራት፡ ካልኦት ንኺሕግዙኻ ኽትሓትት ትኽእል ዲኻ፧

  • ምስ ማሕበራዊ ጕዳያት ብእተተሓሓዘ ኽትዕደም ከለኻ፡ ንገሊኡ ኣይትቀበሎ። ግዜ ስለ ዘይብልካ ወይ ስለ ዝደኸምካ ኣብቲ ዕድመ ኽትርከብ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ብለውሃት ግለጸሎም።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ንዅሉ ነገራት ክትፍጽም ትፍትን እንተ ዄንካ፡ ምንም ነገር ከይፈጸምካ ኽትተርፍ ኢኻ።