ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንተነጽሎ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ንተነጽሎ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

 ብሰንኪ ተነጽሎ፡ ጽምዋ ይስምዓካ ድዩ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ዝበሎ ትብል ትኸውን። ንሱ፡ “ከምታ ኣብ ናሕሲ በይና ዘላ ዑፍ ኰይነ” በለ። (መዝሙር 102:7) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ ተነጽሎ ንዜስዕቦ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

 ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኵር

 ሽሕ እኳ እንተ ተነጸልካ፡ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየካ ፈሊጥካ ኸተማልኦ እንተ ጽዒርካ ኽትሕጐስ ኢኻ። (ማቴዎስ 5:3, 6) ነዚ ኸኣ፡ በዚ ዚስዕብ ብናጻ ዚርከብ መወከሲታት ጌርካ ኽትጅምሮ ትኽእል ኢኻ፦

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጸናንዕ ክፋላት ኣንብብ

  እዘን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንብዙሓት ሰባት ኣጸናኒዐናኦም እየን። ብሓንሳእ ብዙሕ ክፋላት ኣብ ክንዲ ተንብብ፡ ነቲ ኻብ ካልኦት ተነጺልካ እተሕልፎ ግዜ፡ ንምጽላይን ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ንምስትንታንን ተጠቐመሉ።—ማርቆስ 1:35

ትርጉም ፍጻመታት ዓለም ክትርዳእ ጽዓር

ብዘየድሊ ነገራት ኣይትጨነቕ

  ነዚ ዚስዕብ ርእሰ ነገራት ዚገልጽ ዓንቀጻት፡ ተነጽሎ ንዜስዕቦ ጸቕጢ ኽትዋጽኣሉን ‘ደጊም ከይትጭነቕን’ ኪሕግዘካ እዩ።—ማቴዎስ 6:25

ኣዕሩኽ ኣጥሪ

  ዕርክነት ንኣእምሮኣውን ንስምዒታውን ጥዕናኻ ጠቓሚ እዩ። ብኣካል ክትራኸብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ዅነታት እሞ ኸኣ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ገዛ ተዓጺኻ እንተ ኣሊኻ፡ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ወይ ብስልኪ ዕርክነትካ ኸተደልድልን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከተጥርን ትኽእል ኢኻ። እዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት፡ ዓርኪ ኽትረክብን “ናይ ሓቂ ፈታዊ” ወይ ዓርኪ ኽትከውንን ኪሕግዘካ እዩ።—ምሳሌ 17:17

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግበር

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምውስዋስ ኣካላት” ከም ዚጠቅም ይገልጽ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8ትርጉም 1990) ብፍላይ፡ ምስ ተነጽሎ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ይጠቅም እዩ። ዋላ እውን ኣብ ገዛ እንተ ተዓጸኻ፡ ክትገብሮ እትኽል ንጥፈታት ኣሎ።