ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ወለዲ

ንጓልካ ውጥረት ኬጋጥማ ኸሎ

ንጓልካ ውጥረት ኬጋጥማ ኸሎ

ጸገም

ጓልካ ውጥረት ከም ዘጋጠማ ትነግረካ። ንስኻ ግና፡ “ገና ጓል 13 ዓመት ዘላ ቘልዓ እንድያ! ብዛዕባ ውጥረት እንታይ ኣፍሊጥዋ እዩ!” ኢልካ ትሓስብ። ንጓልካ ኸምኡ ኢልካ ቕድሚ ምንጋርካ ግና፡ ህይወት ንሓንቲ ጐርዞ ስለምንታይ ኬጨንቓ ኸም ዚኽእል ዜብርህ ምኽንያታት ርአ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ኣካላዊ ለውጥታት። ሓንቲ ጓል፡ ብፍላይ ካብ መዛኑኣ ድሒራ ወይ ቀዲማ ምስ እትጕርዙ፡ እተወሰነ ጭንቀት ኬምጽኣላ ይኽእል እዩ። ሕጂ ጓል 20 ዓመት ዝዀነት ኣና፡ a “ሓንቲ ኻብተን ቀዲመን መትሓዚ ጡብ ዝገበራ ኣዋልድ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣዝየ እየ ዝሓፍር ነይረ። ንርእሰይ ምስ መዛኖይ ብምንጽጻር ድማ ፍልይቲ ፍጥረት ዝዀንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ” በለት።

ስምዒታዊ ለውጥታት። ሕጂ ጓል 17 ዓመት ዝዀነት ካረን ከምዚ በለት፦ “መዓልቲ ዝሕጐሰሉ፡ ለይቲ ግና ዝበኽየሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይተረድኣኒ ኣዝየ እበሳጮ ነይረ። እንታይ ከም ዝዀንኩ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ስምዒተይ ካብ ቍጽጽረይ ወጻኢ ዝዀነ እዩ ዚመስል ነይሩ።”

ምጅማር ጽግያት። ካትሊን እትብሃል መንእሰይ፡ “ሽሕ እኳ ኣደይ ኣዳልያትኒ እንተ ነበረት፡ እቲ ናይ መጀመርታ እዋን ጽግያት ሃንደበት እዩ መጺኡኒ” በለት። ኣስዒባ እውን፡ “ኣብቲ እዋን እቲ፡ ከም ዝረሳሕኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ነብሰይ እሕጸብ ነይረ። ብዘይካዚ፡ እቶም ሰለስተ ኣሕዋተይ ብዘይንሕስያ የላግጹለይ ነይሮም። እዋን ጽግያተይ ዜስሕቕ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ ነይሮም” በለት።

ማሕበራዊ ጸቕጢ። ሕጂ ጓል 18 ዓመት ዝዀነት ማሪ፡ “ኣብ መንጎ 12ን 14ን ክሊ ዕድመ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ጸቕጢ መዛኑ ኣዝዩ በርቲዑኒ ነይሩ። መማህርተይ ንዝዀነ ይኹን ፍልይ ዝበለ ሰብ፡ ርጉማት እዮም ነይሮም” በለት። ኣኒታ ዝስማ ጓል 14 ዓመት ድማ፡ “ኣብዚ ናተይ ክሊ ዕድመ፡ ብመሓዙትካ ተቐባልነት ክትረክብ ኣዝዩ እዩ ዜገድሰካ፡ ኬግልሉኻ ኸለዉ ኸኣ ኣዝዩ እዩ ዜጕህየካ” በለት።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንጓልካ፡ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥማ ዘሎ ውጥረት ክትነግረካ ኣተባብዓያ። ኣብ መጀመርታ፡ ንኽትነግረካ ተዕጠይጥይ እኳ እንተ ዀነት፡ ተዓገሳ፣ ነቲ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ [ኹን]” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ዕየየሉ።—ያእቆብ 1:19

ንውጥረት ጓልካ ኣርዚንካ ርኣዮ። ጓልካ ኸማኻ ተመክሮ ኸም ዘለዋ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ስለዚ፡ እቲ ዜጋጥማ ውጥረት ንዓኣ ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ኺርኣያ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንውጥረታ ብኸመይ ክትሰግሮ ኸም ዘለዋ ኣይትፈልጥን እያ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 15:1

ንጓልካ፡ ተወሳኺ ንጥፈታት ቤት ትምህርቲ ኣይተብዝሓላ። ብመሰረት ቲች ዮር ቺልድረን ወል (ንደቅኻ ጽቡቕ ጌርካ ምሃሮም) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ እተደራረበ መደባት ዘለዎም ቈልዑ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብፍላይ ከም ሕማም ርእስን ሕማም ከስዐን ዝኣመሰለ ምልክት ውጥረት የርእዩ እዮም።”—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 1:9, 10

ጓልካ ብግቡእ ከም እተዕርፍ ግበር። መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ንድቃስ ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ጓልካ እኹል ድቃስ እንተ ዘይረኺባ፡ ክእለት ኣተሓሳስባኣን ንውጥረት ንምእላይ ዘለዋ ተኽእሎን ይደክም እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 4:6

ንጓልካ፡ ግቡእ መፍትሕ ውጥረት ንኽትረክብ ሓግዛ። ንገሊአን ኣዋልድ፡ ምውስዋስ ኣካላት፡ ጭንቀት ይንክየለን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣካላዊ ልምምድ ከም ዚጠቅም’ ይገልጽ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) ገሊአን ኣዋልድ ከኣ ብዛዕባ ዜጋጥመን ኵነታት ኣብ መዝገብ ምጽሓፍ፡ ንውጥረት ብሚዛናዊ መገዲ ንኺዋጽኣሉ ይሕግዘን እዩ። ጓል 22 ዓመት ዝዀነት ብሪታኒ፡ “ንእሽቶ ኸለኹ፡ ነቲ ዜሸግረኒ ጸገማት ኣብ ጽሑፍ አስፍሮ ነበርኩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሓደ ጸገም ብሓቂ እንታይ ከም ዚስምዓኒ ንኽርዳእ ይሕግዘኒ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ጸገም ብቐሊሉ ኽፈትሖ ወይ ዕሽሽ ክብሎ እኽእል ነይረ።”

ኣብነት ኩን። ንውጥረት ብኸመይ ኢኻ እትዋጽኣሉ፧ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ክትገብር ትሓስብ እሞ፡ ክትዓይዮ ኽትጅምር ከለኻ ዓቕልኻ ይጸብበካ ድዩ፧ ነቲ ኣብ ህይወት ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ግዜ ኽሳዕ እትስእን፡ ብዘይ ዕረፍቲ ዲኻ እትሰርሕ፧ ፊልጲ 4:5፡ “ልዙባት ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ትብል። ጓልካ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ንኣብነትካ ኸም እትዕዘቦን ካብኡ ኸም እትመሃርን ኣይትረስዕ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።