ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ጌርካ ቕሳነት ክትረክብ ትኽእል፧

ከመይ ጌርካ ቕሳነት ክትረክብ ትኽእል፧

ሓድሽ ከም እተወልደ ሕጻን ገይሩ ንሓደጋ እተቓልዐ መሸም የልቦን። ናብዛ ዓለም ክንመጽእ ከለና፡ ድሕንነትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወለድና እዩ ዚምርኰስ። እግሪ ኽንተክል ከለና፡ ከም ዓርሞሸሽ ኰይኖም ዚርኣዩና ዘይንፈልጦም ሰባት የጋጥሙና። ወለድና ኣብ ጥቓና እንተ ዘየልዮም ከኣ የፍርሁና እዮም። ኢድ ኣዴና ወይ ኣቦና እንተ ሒዝና ግና፡ ኣይንሰግእን ኢና።

ብግዜ ቝልዕነትና፡ ወለድና ዜፍቅሩናን ዜተባብዑናን እንተ ዀይኖም እዩ ጽቡቕ ዚስምዓና። ወለድና ኸም ዜፍቅሩና እንተ ፈሊጥና፡ ቅሳነት ንረክብ ኢና። ጽቡቕ ንገብር ከም ዘሎና እንተ ኣረጋጊጾምልና ኸኣ፡ ዝያዳ ምትእምማን ነሕድር፡ እናተመሓየሽና እውን ንኸይድ።

እናዓበና ምስ ከድና፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና እውን ቅሳነት ከም ዚስምዕና ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ምሳታቶም ክንከውን ከለና ኣይንሽቝረርን፣ በቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ሃዋህው ከይንፈርህ ድማ ይሕግዙና።

እዚ ሓሳባት እዚ፡ ንጽቡቕ ቍልዕነት እዩ ዚገልጽ። ገሊኦም ቈልዑ ብዙሓት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኣይረኽቡን እዮም፣ ሓያሎ ቘልዑ ድማ ካብ ወለዶም ብዙሕ ሓገዝ ኣይረኽቡን እዮም። ሓንቲ መሊሳ እትብሃል ጓል ኣንስተይቲ፡ “ኣባላት ስድራ ቤታት ብሓደ ዀይኖም ሓደ ነገር ኪገብሩ ብዝረኣኹ መጠን፡ ‘ንእሽቶ ጓል ከለኹ፡ ከምዚ ረኺበ እንተ ዝኸውን’ ኢለ እሓስብ እየ” ኢላ ስምዒታ ትገልጽ። * ምናልባት ንስኻ እውን ከምኡ ይስምዓካ ይኸውን።

ቅሳነት ዘይብሉ ኣተዓባብያ ዜምጽኦ ጸገማት

ብቝልዕንነትካ ምትእምማን ይጐድለካ ነይሩ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ብዙሕ ፍቕርን መተባብዕን ኣይተዋህበካን ትኸውን። ነቲ ኣብ መንጎ ወለድኻ ዝነበረ ጸኒሑ እውን ናብ ፍትሕ ዝመርሖም ቀጻሊ ባእሲ ትዝክሮ ትኸውን፣ በቲ ፍትሖም ድማ ንርእስኻ ተሓታቲ ትገብር ትኸውን። ወይ ከኣ፡ ወለድኻ ይጸርፉኻን ይወቕዑኻን ነይሮም ይዀኑ።

እሞኸ ሓደ ቘልዓ ኺዓቢ ኸሎ ቕሳነት እንተ ስኢኑ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ገሊኦም መንእሰያት ምስ ኰኑ ሓሽሽ ይወስዱ፡ ወይ ሰታያት ይዀኑ እዮም። ገሊኦም ከኣ ዜቕርቦም ሰብ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ምስ ዓዋሉ ይሓብሩ። ገሊኦም ቅሳነት ዝሰኣኑ መንእሰያት ድማ ኪፍቀሩ ስለ ዚደልዩ፡ ተቐላጢፎም ፍቕራዊ ርክብ ይምስርቱ። እዚ ርክባት እዚ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ነዊሕ ኣይጸንሕን እዩ፣ እቲ ርክቦም ምስ ተበትከ ኸኣ፡ ብዝያዳ እዮም ኪሰግኡ ዚጅምሩ።

ገሊኦም ተኣፈፍቲ መንእሰያት ካብዚ መጻወድያታት እኳ እንተ ኣምለጡ፡ ብዛዕባ ርእሶም ግና ኣኽብሮት ዘይብሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣና፡ “ኣደይ ደጋጊማ ኸም ዘይረብሕ ትነግረኒ ስለ ዝነበረት፡ ዘይረብሕ ከም ዝዀንኩ ኣሚነ። ዝነኣደትኒ ወይ ፍቕራ ዝገለጽትለይ እዋን ትዝ ኣይብለንን እዩ” ትብል።

ቅሳነት ከም እንስእን ዚገብርና ግና ኣተዓባብያና ጥራይ ኣይኰነን። ሕማቕ በሰላ ዚሓድግ ፍትሕ፡ እርጋን ዜምጽኦ መከራ፡ ወይ ብዛዕባ ትርኢትና እምብዛ ምጭናቕ፡ ከም ዘይንቐስን ኪገብረና ይኽእል እዩ። እቲ ጠንቂ ብዘየገድስ፡ ንሓጐስና ኪሰርቆን ምስ ካልኦት ንዝነበረና ርክብ ኬበላሽዎን ይኽእል እዩ። ነዚ ስምዒታት እዚ ንምስጋሩ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ኣምላኽ ይሓልየልና እዩ

ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንዅላትና ኺሕግዘና ዚኽእልን ኪሕግዘና ዚደልን ኣሎ፣ ንሱ ድማ ኣምላኽ እዩ።

ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኸምዚ ዚብል መልእኽቲ ልኢኹልና ኣሎ፦ “ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።” (ኢሳይያስ 41:10, 13) ኣምላኽ ብምሳልያዊ መገዲ ኢድና ኺሕዝ ዚደሊ ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! እምበኣር፡ ክንጭነቕ የብልናን።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ተጨኒቖም ዝነበሩ፡ ግናኸ ኢድ ኣምላኽ ምሓዝ እተማህሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ሃና ኣደ ሳሙኤል ውሉድ ስለ ዘይነበራ፡ ዋጋ ዘይብላ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ነይሩ። መኻን ብምዃና ድማ ኣደዳ ባጫ ትኸውን ነይራ እያ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሸውሃታ ተዓጽዩ ነይሩ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ትበኪ ነይራ። (1 ሳሙኤል 1:6, 8) ስምዒታታ ናብ ኣምላኽ ምስ ኣፍሰሰት ግና፡ ድሕሪኡ ሕማቕ ኣይተሰምዓን።—1 ሳሙኤል 1:18

ዳዊት እቲ ጽሓፍ መዝሙር እውን ቅሳነት ዝሰኣነሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ንጉስ ሳኦል ሃዲንዎ እዩ። ዳዊት ካብቲ ህይወቱ ንምጥፋእ እተገብረ ብዙሕ ፈተነታት ኣምሊጡ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ከኣ ብጸገማቱ ይውሓጥ ዘሎ ዀይኑ ተሰሚዕዎ እዩ። (መዝሙር 55:3-5፣ 69:1) እዚ ኣጋጢምዎ ኽነሱ ግና፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፡ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—መዝሙር 4:8

ሃናን ዳዊትን ንስምዒታዊ ጾሮም ናብ የሆዋ ደርብዮምዎ እዮም፣ ንሱ እውን ደጊፍዎም እዩ። (መዝሙር 55:22) ንሕናኸ ሎሚ ኸመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

ቅሳነት ክንረኽበሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት

1. ኣብ ኣቦኻ የሆዋ ተወከል።

የሱስ ነቲ ‘በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ’ ዝዀነ ኣቦኡ ኽንፈልጦ ኣተባቢዑና እዩ። (ዮሃንስ 17:3) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ፡ ‘ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ’ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ያእቆብ ድማ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ያእቆብ 4:8

ዜፍቅረናን ዚሓልየልናን ሰማያዊ ኣቦ ኸም ዘሎና ምፍላጥና፡ ንጭንቀት ንምስናፍ ዜኽእል ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ዚዀነና። ልክዕ እዩ፡ ኣብኡ ትውክልቲ ንምሕዳር ግዜ የድልየና ይኸውን፣ ብዙሓት ግና ከምኡ ምግባሮም ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ካሮላይን፡ “የሆዋ ኣቦይ ምስ ኰነ፡ ኣብ መወዳእታ ውሽጣዊ ስምዒታተይ ዝገልጸሉ ረኺበ። እዚ ብዙሕ እፎይታ ኣምጺኡለይ!” ትብል።

ሬቸል ከኣ፡ “ብዘይ ወለዲ በይነይ ምስ ተጠንጠንኩ፡ ቅሳነት ከም ዚስምዓኒ ዝገበረ የሆዋ እዩ። ክዛረቦን ኣብ ጸገማተይ ኪሕግዘኒ ኽልምኖን ክኢለ እየ። ንሱ እውን ሓጊዙኒ እዩ” ትብል። *

2. መንፈሳዊ ስድራ ቤት ርኸብ።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝዀኑ ገይሮም ኪረኣኣዩ ምሂርዎም እዩ። “ንስኻትኩምሲ ዅላትኩም ኣሕዋት ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ማቴዎስ 23:8) ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ንሓድሕዶም ኪፋቕሩን ሓደ ዓብዪ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ኪዀኑን እዩ ደልይዎም።—ማቴዎስ 12:48-50፣ ዮሃንስ 13:35

ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ኣብ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ዘሎ ፍቕርን ምጽንናዕን ኣሎ። (እብራውያን 10:24, 25) ብዙሓት ሰባት ንኣኼባታት ጉባኤ፡ ንስምዒታዊ ቝስሎም ከም ዜረስርስ ዘይቲ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ።

ንኣብነት፡ ኢቫ፡ “ንስቓየይ እትርድኣለይ ፍልይቲ መሓዛ ኣብ ጉባኤና ኣላትኒ። ንሳ ሰሚዓትንን ኣንቢባትለይን ምሳይ ሓቢራ ጸልያን እያ። በይነይ ዘይምዃነይ ከም ዚስምዓኒ ገይራ እያ። ሓሳባተይ ክገልጽን ጾረይ ክድርብን ሓጊዛትኒ እያ። ሳላ ደገፋ፡ ዝያዳ ቕሳነት ኪስምዓኒ ጀሚሩ” ትብል። ሬቸል ከኣ፡ “ኣብ ጉባኤ፡ ‘ኣደን ኣቦን’ ረኺበ እየ። ፍቕርን ቅሳነትን ከም ዚስምዓኒ ድማ ገይሮምኒ እዮም” ትብል።

3. ንኻልኦት ኣፍቅሮምን ለውሃሎምን።

ንኻልኦት ፍቕርን ለውሃትን ምስ እነርእዮም፡ ነባሪ ዕርክነት ኢና እንምስርት። የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ዝያዳ ፍቕሪ ብዝሃብና መጠን፡ ዝያዳ ኢና እንቕበል። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም” ኢልዎም እዩ።—ሉቃስ 6:38

ፍቕሪ ምስ እንህብን ምስ እንቕበልን፡ ዝያዳ ቕሳነት እዩ ዚስምዓና። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።” (1 ቈረንቶስ 13:8) ምስዚ ብዚተኣሳሰር፡ ማሪያ፡ “ገሊኡ ብዛዕባ ርእሰይ ዘሎኒ ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ሓቂ ዘይምዃኑ እፈልጥ እየ። ንኻልኦት ብምሕጋዝን ኣብ ርእሰይ ብዘይምትኳርን ድማ ካብዚ ኣተሓሳስባ እዚ አምልጥ እየ። ንኻልኦት ገለ ኽገብር ከለኹ፡ ዕግበት ይስምዓኒ እዩ” ትብል።

ቅሳነት ንዅሉ

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ስጕምትታት ብኡብኡ ነባሪ እፎይታ ዜምጽእ ኣይኰነን። ግናኸ፡ ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። ካሮላይን፡ “ክሳዕ ሕጂ ቕሳነት ዝስእነሉ እዋናት ኣሎ። ሕጂ ግና ዘይረብሕ ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ። ኣምላኽ ከም ዝሓልየለይ እፈልጥ እየ፣ ቅሳነት ከም ዚስምዓኒ ዚገብሩኒ ብዙሓት ናይ ቀረባ ፈተውቲ እውን ኣለዉኒ” ትብል። ሬቸል ድማ ከምኡ ኸም ዚስምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓሓሊፈ ብጓሂ እውሓጥ እየ። ምኽሪ ኺህቡኒ ዚኽእሉ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልወኒ ኺሕግዙኒ ዚኽእሉ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ግና ኣለዉኒ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ መዓልቲ መዓልቲ ዝዛረቦ ሰማያዊ ኣቦ ኣሎኒ። እዚ ለውጢ የምጽእ እዩ” ትብል።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ይገልጽ እዩ። ኣብኣ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቕሳነት ኪነብር እዩ

ብዘይካዚ፡ ነባሪ ፍታሕ ዚርከበሉ እዋን እውን ኪመጽእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ይገልጽ እዩ። ኣብኣ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቕሳነት ኪነብር እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፡ ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” ይብል። (ሚክያስ 4:4) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይኬስግኣናን፡ ዋላ ሓደ እውን ኣይኪጐድኣናን እዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ በሰላ እኳ፡ “ኣይኪዝከርን” እዩ። (ኢሳይያስ 65:17, 25) ኣምላኽን ወዱ ክርስቶስ የሱስን “ጽድቂ” ኬቝሙ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ።”—ኢሳይያስ 32:17

^ ሕ.ጽ. 5 ኵሉ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 21 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ንኣምላኽ ኪቐርብዎ ዚደልዩ፡ ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ኣጋጣሚ ይኸፍቱሎም እዮም።