ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ወላድየይ እንተ ሓሚሙ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ወላድየይ እንተ ሓሚሙ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

 መብዛሕትኦም መንእሰያት ንወለዶም ብኸመይ ከም ዚኣልይዎም ኣይጭነቑን እዮም። ከመይሲ፡ ወለዶም ጸገማት ጥዕና ኼማዕብሉ ዚጅምሩ፡ ዓመታት ጸኒሖም ኪኸውን ይኽእል እዩ።

 ኰይኑ ግና፡ ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ገና መንእሰይ ከለኻ እንተ ሓሚሙኸ፧ እዚ ብድሆ እዚ ዘጋጠመን ክልተ መንእሰያት እሞ ንርአ።

 ታሪኽ ኤምሊን

 ኣደይ ኢ.ዲ.ኤስ. ዚብሃል ንመላግቦን ንቘርበትን ንመትንታት ደምን ዜጥቅዕ ዜሳቒ ሕዱር ሕማም ኣለዋ።

 ሕማም ኣደይ ፈውሲ የብሉን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ድማ እናገደደ እዩ ኸይዱ። ብዝሒ ዋህዮታት ደማ ኣዝዩ ኻብ ምንካዩ እተላዕለ፡ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወሉ እዋን ነይሩ እዩ፣ ቃንዛ ኣዝዩ ምስ በርትዓ፡ ብህይወት ክትቅጽል ዘይትደልየሉ እዋን እውን ነይሩ እዩ።

 ኣነን ስድራ ቤተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና፣ ኣባላት ጉባኤና ኸኣ ብዙሕ እዮም ዜጸናንዑና። ንኣብነት፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን መሰታይ ኣቢላ እትኸውን ጓል፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተፍቅረናን ወትሩ ኽትድግፈና ድልውቲ ምዃናን ዚገልጽ ካርድ ንስድራ ቤትና ሂባትና እያ። ከምኣ ዝኣመሰሉ ፈተውቲ ኺህልዉኻ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ። ንኣብነት፡ እታ “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ” እትብል መዝሙር 34:18 ኣዝየ ዝፈትዋ ጥቕሲ እያ። ነታ “የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ” እትብል እብራውያን 13:6 እውን እፈትዋ እየ።

 ምናዳ እዛ ዳሕረወይቲ ጥቕሲ፡ ንዓይ ፍሉይ ትርጉም እዩ ዘለዋ። ልዕሊ ዅሉ ዜፍርሃኒ፡ ኣደይ ብሞት ከይትፍለየኒ እዩ። ንኣደይ ኣዝየ እየ ዝፈትዋ፣ ምስኣ ንዘሕልፈን መዓልትታት ድማ ኣዝየ እየ ዘማስወለን። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣብ መጻኢ ኼጋጥመኒ ንዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ብምትእምማን ክገጥሞ ኸም ዝኽእል ክግንዘብ ትሕግዘኒ እያ።

 ካልእ ዜፍርሃኒ ነገር ግና ኣሎ። ኢ.ዲ.ኤስ. ብተወርሶ ዚመሓላለፍ ሕማም እዩ። ኣደይ ካብ ኣዲኣ እያ ወሪሳቶ፣ ኣነ ኸኣ ካብ ኣደይ። እወ፡ ኣነ እውን ኢ.ዲ.ኤስ. ኣሎኒ። ግናኸ፡ እብራውያን 13:6 የሆዋ “ረዳእየይ” ከም ዚኸውን ስለ እትገልጽ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ተጸናንዓኒ እያ።

 ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ነዚ ሎሚ ረኺበዮ ዘለኹ ነገራት ከመስግነሉ እምበር፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ እዋን እናሓሰብኩ ኸይነብር ወይ ብዛዕባ መጻኢ ኸይጭነቕ እጽዕር እየ። ነቲ ሎሚ ኣደይ ዘለዋ ድሩት ዓቕሚ ምስቲ ቕድሚ ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ዝነበረት ነገራት ዘወዳድሮ እንተ ዀይነ፡ ክጭነቕ እኽእል እየ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሎሚ ዜጋጥመና ፈተናታት ምስቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ሕማም ዘይብሉ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪነጻጸር ከሎ፡ “ቀልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን” ምዃኑ ይነግረና እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:17፣ ራእይ 21:1-4

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንኤምሊን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

 ታሪኽ ኤሚሊ

 ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣቦይ ጭንቀት ኬሕድር ጀሚሩ። እቲ ኣነ ዝፈልጦ ኣቦይ ዝጠፍአ እሞ፡ ሓድሽ ሰብኣይ ንቦታኡ ዝተክኦ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ፡ ኣቦይ ብጓህን መሰረት ብዘይብሉ ፍርህን ይሳቐ እዩ። ን15 ዓመት ከኣ ምስዚ ሕማም እዚ ይቃለስ ኣሎ። ከም እትጕሂ ዚገብረካ ምንም ምኽንያት ከም ዘይብልካ እናፈለጥካ ኽነስኻ፡ ብጓሂ ኽትውሓጥ ከለኻስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜሳቒ ዀን እዩ!

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና፣ ኣባላት ጉባኤና ኸኣ ብዙሕ እዮም ዚድግፉና። ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ለዋሃትን ጸገምና ዚርድኡልናን እዮም፣ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ድማ ንኣቦይ ኣብታ ጉባኤ ዝዀነ ኣበርክቶ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ገይርዎ ዚፈልጥ የልቦን። ኣቦይ ነዚ ፈተና እዚ ብኸመይ ይዋጽኣሉ ኸም ዘሎ ምርኣየይ፡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን እዋን ብዝያዳ ኸም ዜፍቅሮ እዩ ዚገብረኒ።

 ነቲ ኣቦይ ብጭንቀት ዘይውሓጠሉን ዘይሳቐየሉን ሕጉስ ዝነበረሉን እዋን ይናፍቖ እየ። ኣቦይ በብመዓልቱ ምስቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዘሎ ዘይርአ ጸላኢ ኺቃለስ ክርእዮ ኸለኹ፡ ኣዝየ እየ ዝጕሂ።

 ይኹን እምበር፡ ኣቦይ ጽቡቕ ኣረኣእያ ኺሕዝ ብዙሕ እዩ ዚጽዕር። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጭንቀቱ ኣዝዩ ኸቢድዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሒደት ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይኹና፡ በብመዓልቱ ገለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ጽዒሩ እዩ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ኣበርቲዕዎ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ንእሽቶ ዚመስል ልማዳት እውን ከይተረፈ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ነይሩ። ከም ሽዑ ገይረ ብኣቦይ ተሓቢነ ኣይፈልጥን እየ።

 እታ “ሓጐስ የሆዋ ዕርድኹም እዩ” እትብል ነህምያ 8:10 ኣዝየ ዝፈትዋ ጥቕሲ እያ። እቲ ሓሳባታ ሓቂ ዀይነ እየ ረኺበዮ። እቲ ኣብ ጉባኤ ኽእከብን ኣብኡ ኽሳተፍን ብንጥፈት ክዓይን ከለኹ ዚስምዓኒ ሓጐስ፡ ንጓህየይ የርሕቐለይ እዩ። ምሉእ መዓልቲ ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ ድማ እዩ ዚገብር። ምስ እንታይ ዓይነት ጸገም ንቃለስ ኣለና ብዘየገድስ፡ የሆዋ ወትሩ ኸም ዚድግፈና ኻብ ኣብነት ኣቦይ ተማሂረ እየ።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኤሚሊ ንኣቦኣ ኣብ እዋን ሕማሙ ዝደገፈቶ ብኸመይ እያ፧ ብጭንቀት ንዚሳቐ ዘሎ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧