ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ታሪኽ ህይወት

ካብ ድኻም ምብርታዕ

ካብ ድኻም ምብርታዕ

ድኹም ኣካላት እዩ ዘሎኒ፡ 29 ኪ.ግ. ድማ እየ ዝምዘን። ካብ ብሽክለታ ስንኩላን ከኣ ኣይፍለን እየ። ንዓይ ዝረኣየ ሰብ ብርትዕቲ ኸም ዝዀንኩ ኣይሓስብን እዩ። ኣካላተይ እኳ እንተ ደኸመ፡ ውሽጣዊ ብርታዐ ግና ኣሎኒ። ብርታዐን ድኻምን ንህይወተይ ብኸመይ ከም ዝቐረጻ እስከ ኸዘንትወልኩም።

ጓል ኣርባዕተ ዓመት ከለኹ

ብዛዕባ ቝልዕነተይ ክሓስብ ከለኹ፡ እቲ ምስ ወለደይ ኰይነ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ኣጓዱ ገጠር ዘሕለፍክዎ ባህ ዜብል መዓልትታት እዩ ዚዝከረኒ። ኣቦይ ሰለል ሰሪሑለይ ነይሩ፣ ኣብ ከባቢ እቲ ኣታኽልቲ እናጐየኻ ምጽዋት ከኣ ይፍተወኒ ነይሩ። ብ1966 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና መጺኦም ምስ ኣቦይ ነዊሕ ተዘራረቡ። ድሕሪኡ ሸውዓተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ኣቦይ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ወሰነ። ኣደይ እውን ብኡብኡ ኣሰሩ ሰዓበት፣ ኣብ ምዉቝ ሃዋህው ከኣ እዮም ኣዕብዮምኒ።

ጸገማተይ ዝጀመረ፡ ናብ ዓዲ ወለደይ፡ ማለት ናብ ስጳኛ ምስ ተመለስና ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ። ሽዑ፡ ኣብ ኣእዳወይን ዓንካርዓንካሪቶይን ሸቕሸቕ ዜብል ቃንዛ ኺስምዓኒ ጀሚሩ። ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ናብ እተፈላለዩ ሓካይም ድሕሪ ምብጻሕና፡ ሓደ ውሩይ ሓኪም ሪሕ ረኺብና። ንሱ ድማ፡ “ቅድም ኢልኩም እንተ ትመጹ ኔርኩም ምሓሸ” በለና። ሽዑ ኣደይ ክትበኪ ጀመረት። እቲ ሓኪም ንወለደይ፡ ሕዱር ሕማም ሪሕ ከም ዘሎኒ፡ እቲ ዘሎኒ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ድማ ነቲ ጥዑይ መትንታተይ ከም ዜጥቅዖን ከም ዜጥፍኦን፡ እዚ ኸኣ ኣብ መለጋግቦታተይ ቃንዛን ሕበጥን ከም ዚፈጥር ነገሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጓል ዓሰርተ ዓመት ስለ ዝነበርኩ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይተረድኣኒ፡ ዜሕዝን ነገር ምዃኑ ግና ኸስተውዕል ክኢለ እየ።

እቲ ሓኪም፡ ኣብ ሓደ ቘልዑ ዚሕከሙሉ ሆስፒታል (ሳኒታርዩም) ኣትየ ንኽሕከም ርእይቶ ኣቕረበ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕኩ፡ ህንጻ እቲ ሆስፒታል ኣፍርሃኒ። ኣብቲ ሆስፒታል ጥብቂ ዝዀነ ስርዓት እዩ ነይሩ። እተን ደናግል ጸጕረይ ላጽየን፡ ጀልጋፍ ዩኒፎርም ከደናኒ። እናበኸኹ ኸኣ፡ ‘ነዚ ናብራ እዚ ኸመይ ኢለ እየ ኽጻወሮ ዝኽእል፧’ ኢለ ሓሰብኩ።

የሆዋ ተጋህደለይ

ወለደይ ንየሆዋ ኸገልግል ምሂሮምኒ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ዚግበር ሃይማኖታዊ ጽምብላት ካቶሊክ ምክፋል ኣበኹ። እተን ደናግል ስለምንታይ ከም ዝኣበኹ ኺርድአን ኣይከኣለን። ንየሆዋ፡ ከይሓድገኒ ለመንክዎ፣ ብኡብኡ ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ንውሉዱ ሕቝፍ ዜብሎ፡ የሆዋ ሕቝፍ ኣቢሉ ኸም ዜዕቍበኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ።

ወለደይ፡ ቀዳም ቀዳም ንሕጽር ዝበለ እዋን ኪበጽሑኒ ተፈቕደሎም። እምነተይ ንምድልዳል ዚሕግዘኒ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ የምጽኡለይ ነበሩ። ቈልዑ ናይ ርእሶም መጻሕፍቲ ኺሕዙ ዘይፍቀደሎም እኳ እንተ ነበረ፡ እተን ደናግል ግና ነቲ ጽሑፋት ምስ መጽሓፍ ቅዱሰይ ከቐምጦ ፈቐዳለይ፣ መዓልቲ መዓልቲ ድማ አንብቦ ነበርኩ። ንኻልኦት ኣዋልድ ከኣ፡ ብዛዕባ  እቲ ኣብታ ሓደ ሕሙም እኳ ዘይህልወላ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ንኽነብር ዘሎኒ ተስፋ እነግረን ነበርኩ። (ራእይ 21:3, 4) ሓድሓደ ግዜ እጕህን ጽምዋ ይስምዓንን እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበረኒ እምነትን ትውክልትን ግና እናደልደለ ይኸይድ ብምንባሩ ሕጕስቲ እየ ነይረ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ እቶም ሓካይም ናብ ቤተይ ሰደዱኒ። ንዓይ ግና ነዊሕ እዋን ዝጸናሕኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ሽሕ እኳ እንተ ዘይሓሸኒ፡ ምስ ወለደይ ክነብር ስለ እተመለስኩ ግና ተሓጒሰ እየ። መለጋግቦይ ስለ እተበላሸወ፡ ብዙሕ እየ ዝቕንዞ ነይረ። ኣብ ዕድመ ጕርዝውና ኣብ ዝበጻሕኩሉ እዋን፡ ድኽምቲ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ጓል 14 ዓመት ምስ ኰንኩ ግና ተጠመቕኩ፣ ብእተኻእለኒ መጠን ንሰማያዊ ኣቦይ ከገልግሎ ድማ ቈረጽኩ። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ ብሰማያዊ ኣቦይ እጕሂ ነይረ እየ። “እንታይ እየ ገይረ፧ በጃኻ ኣሕውየኒ፣ ክሳዕ ክንደይ እሳቐ ኸም ዘለኹ ኣይትርእን ዲኻ፧” እናበልኩ እጽሊ ነበርኩ።

ዕድመ ጕርዝውና፡ ጸንኪሩኒ እዩ ነይሩ። ከም ዘይሕሸኒ ክቕበሎ የድልየኒ ነይሩ። ንርእሰይ ምስቶም ጥዑያትን ድልዱላትን ፈተውተይ አወዳድራ ነይረ። ካብ ካልኦት ዝተሓትኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ኣዝየ ሓናኽን ስቕ በሃሊትን ኰንኩ። ይኹን እምበር፡ ስድራ ቤተይን ፈተውተይን ሓጊዞምኒ እዮም። ነታ ብ20 ዓመት እትዓብየኒ ናይ ሓቂ ፈታዊተይ ዝዀነት ኤሊስያ ብጽቡቕ እየ ዝዝክራ። ክንዮ ሕማመይ ንኽጥምት፡ ብዛዕባ ርእሰይ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚጭነቕ ከኣ ንኻልኦት ሰባት ክግደሰሎም መኸረትኒ።

ዕላማ ንኽህልወኒ ዝሓገዘኒ መገድታት

ጓል 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ሕማመይ ደገሰኒ፣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ እኳ ኣዝዩ የድክመኒ ነበረ። ምስናይዚ ግና፡ ንግዜይ፡ ኣብ ገዛ ዀይነ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ንምጽናዕ እጥቀመሉ ነበርኩ። መጽሓፍ እዮብን መጽሓፍ መዝሙርን፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብፍላይ ዚሓልየልና ብስጋዊ መዳይ ዘይኰነስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ምዃኑ ንኽርዳእ ሓጊዘናኒ እየን። እቲ ብተደጋጋሚ ዘቕርቦ ጸሎት፡ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ሂቡኒ እዩ፣ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ድማ ኣምጺኡለይ እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ ፊልጲ 4:6, 7

ጓል 22 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ካብ ብሽክለታ ስንኩላን ከም ዘይፍለ ክቕበሎ ኣድልዩኒ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሰባት ከም ሓንቲ ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ዘላ ሕምምቲ ሰበይቲ ጥራይ ገይሮም ብምርኣይ ዕሽሽ ከይብሉኒ ፈራህኩ። ይኹን እምበር፡ እታ ብሽክለታ እተወሰነ ናጽነት ከም ዚስምዓኒ ገይራ እያ፣ እቲ ኸም “መርገም” ገይረ ዝሓሰብክዎ ድማ ናብ በረኸት ተቐየረ። ኢሳቤል ዝስማ ፈታዊተይ፡ ንሓደ ወርሒ ምስኣ ዀይነ ኣብ ዕዮ ስብከት 60 ሰዓት ከሕልፍ ሓሳብ ኣቕረበትለይ።

መጀመርታ፡ ዘይከውን ኰይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ግናኸ፡ ንየሆዋ፡ ኪሕግዘኒ ለመንክዎ፣ ሳላ ሓገዝ ስድራ ቤተይን ፈተውተይን ከኣ ክገብሮ ኽኢለ እየ። እታ ብንጥፈት ዘሕለፍክዋ ወርሒ ቐልጢፋ ሓለፈት፡ ነቲ ዝነበረኒ ፍርህን ሕንክን ድማ ክዋጽኣሉ ኽኢለ እየ። ነቲ ዕዮ ፈላምነት ኣዝየ ስለ ዝፈተኽዎ ኸኣ፡ ብ1996 ስርዕቲ ፈላሚት ክኸውን፡ ማለት ኣብ ወወርሒ ኣብ ኣገልግሎት ምዱብ ሰዓታት ከሕልፍ ወሰንኩ። እዚ ኸኣ ብዝያዳ ንየሆዋ ኸም ዝቐርቦ፡ ብኣካላዊ መዳይ ድማ ከም ዝድልድል ስለ ዝገበረኒ፡ ሓደ ኻብቲ ዝገበርክዎ ብሉጽ ውሳነታተይ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ግዜ ብምሕላፈይ፡ ንሓያሎ ሰባት ብዛዕባ እምነተይ ንኽነግሮም፡ ንገሊኦም ከኣ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ንኽሕግዞም ኣጋጣሚ ኸፊቱለይ እዩ።

የሆዋ ኣይተፈለየንን

ብ2001 ኣብ እዋን ሓጋይ፡ ከቢድ ሓደጋ ማኪና ኣጋጠመኒ፣ ክልቲኡ ኣእጋረይ ድማ ተሰብረ። ኣብ ሆስፒታል ደቂሰ ኣዝየ ኽሳቐ ኸለኹ፡ “የሆዋ በጃኻ ኣይትሕደገኒ” ብምባል ቀስ ኢለ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ። ሽዑሽዑ፡ ኣብ ጥቓይ ኣብ ዝነበረ ዓራት ዝደቀሰት ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ዲኺ፧” ኢላ ሓተተትኒ። ንኽምልሰላ ሓይሊ ስለ ዘይነበረኒ ግና፡ ርእሰይ ብምንቕናቕ ጥራይ ነገርክዋ። ሽዑ ንሳ፡ “እፈልጠኩም እየ፣ ንመጽሔታትኩም ኵሉ ሳዕ እየ ዘንብቦ” በለትኒ። እዘን ቃላት እዚአን፡ ኣዝየን ኣጸናኒዐናኒ እየን። ኣብ ዜሕዝን ኵነታት ኰይነ እውን ብዛዕባ የሆዋ ኽምስክር ክኢለ እየ። እዝስ፡ ክንደይ ዜዅርዕ ኰን እዩ!

ቍሩብ ምስ ሓሸኒ፡ ተወሳኺ ምስክርነት ክህብ ወሰንኩ። ክልተ ኣእጋረይ ተጀኒነ ኣብ ብሽክለታይ ኮፍ እብል እሞ፡ ኣደይ ኣብ ከባቢ እቲ ደቂሰሉ ዝነበርኩ ኽፋል ሆስፒታል ትደፍኣኒ ነበረት። መዓልቲ መዓልቲ፡ ሒደት ሕሙማት ንበጽሕ፡ ብዛዕባ ጥዕናኦም ንሓትቶም፡ ገለ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንህቦም ነበርና። ከምኡ ምግባር ኣድካሚ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ግና ዜድልየኒ ሓይሊ ሂቡኒ እዩ።

ብ2003 ምስ ወለደይ

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ቃንዛን ስቓይን ገዲዱኒ እዩ፣ ኣቦይ ብሙማቱ ኸኣ ጭንቀተይ ወሲኹ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽዕቅብ እጽዕር እየ። ብኸመይ፧ ብእተኻእለኒ መጠን ምስ ፈተውተይን ምስ ኣዝማደይን ክኸውን እየ ዝጽዕር፡ እዚ ኸኣ ኣብ ጸገማተይ ንኸየተኵር ሓጊዙኒ እዩ። በይነይ ክኸውን  ከለኹ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብን አጽንዕን ወይ ከኣ ንሰባት ብተሌፎን እሰብከሎም እየ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣዒንተይ ሰም አብል እሞ፡ ምሳልያዊ “መስኰተይ” ከፊተ፡ ናብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም እጥምት እየ

ከም ፍሽፍሽታ ንፋስ ወይ ሽታ ዕምባባታት ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ነገራት ብምስትምቓር ክሕጐስ እጽዕር እየ። እዚ ኸኣ ንኸመስግን ምኽንያት ይዀነኒ እዩ። ተዋዛያይ ምዃን እውን ኣዝዩ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺበዮ እየ። ሓደ መዓልቲ፡ ደገ ወጺአ ኽሰብኽ ከለኹ፡ እታ ንብሽክለታይ እትደፍኣ ዝነበረት ፈታዊተይ፡ ሓንሳእ ጠጠው ኢላ መዘኻኸሪ ኽትጽሕፍ ጀመረት። ኣነ ግና ብሃንደበት፡ ካብ ቍጽጽራ ወጻኢ ዀይነ ምስ ሓንቲ ጠጠው ዝበለት ማኪና ተጋጨኹ። ክልቴና ሰንቢድና እኳ እንተ ነበርና፡ ከቢድ ነገር ከም ዘየጋጠመ ምስ ፈለጥና ግና፡ ኪርኪር ኢልና ሰሓቕና።

ኣብ ህይወተይ ክገብሮ ዘይክእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ነዚ ኸኣ “ውንዙፍ ትምኒተይ” ኢለ እየ ዝጽውዖ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣዒንተይ ሰም አብል እሞ፡ ምሳልያዊ “መስኰተይ” ከፊተ፡ ናብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም እጥምት እየ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ምሉእ ጥዕና ረኺበ ብኣእጋረይ ክኸይድን ህይወት ከስተማቕርን ከለኹ ድማ ብኣእምሮይ እስእሎ። እቲ፡ “ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፡ በርትዕ፡ ልብኻ ቀጥ ይበል” ዚብል ቃላት ንጉስ ዳዊት ኣብ ልበይ ኣሎ። (መዝ. 27:14) ኣካላተይ ብብግዜኡ እናደኸመ ዚኸይድ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግና ኣበርቲዑኒ እዩ። እወ፡ ካብ ድኻመይ እብርትዕ ኣለኹ።