ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

E+/taseffski/via Getty Images (Stock photo. Posed by model.)

ንቕሑ!

ምንቍልቋል ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ምንቍልቋል ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ሰኑይ 13 ለካቲት 2023፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማም (CDC) ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዚርከቡ መንእሰያት ጸብጻብ ኣውጽአ። ኣብቲ ጸብጻብ ከኣ፡ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ቀጻሊ ጓህን ቅብጸትን ከም ዚስምዖም ተሓቢሩ ኣሎ።

 ኣብ ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማም፡ ዳይረክተር ክፍሊ ጥዕና መንእሰያትን ቤት ትምህርትን ኰይና እተገልግል ዶ/ር ካትሊን ኢቲየር፡ “ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት፡ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት እናገደደ ዚኸይድ ኵነታት እኳ እንተ ረኣና፡ እቲ ኻብ ጐራዙ ዝመጸና ብዛዕባ ሕማቕ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ርእሰ ቕትለታዊ ሓሳባትን ጠባያትን ዚምልከት ጸብጻብ ግና ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ እዩ በጺሑ ዘሎ” ትብል።

 ኣብቲ ጸብጻብ፡ እዚ ዚስዕብ ይርከብ፦

  •   ልዕሊ 1 ኻብ 10 ጐራዙ (14 ሚእታዊት) ብዘይ ፍታወን ጾታዊ ርክብ ኪገብራ ተገዲደን እየን። ዶ/ር ኢቲየር፡ “እዚ ብሓቂ ዜሰምብድ እዩ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ካብ 10 ጐራዙ፡ ብውሑዱ ሓንቲ፡ ምናልባት እውን ዝያዳ፡ ብጾታዊ መዳይ ተዓሚጸን እየን” ትብል።

  •   ዳርጋ 1 ኻብ 3 ጐራዙ (30 ሚእታዊት) ርእሰ ቕትለት ንምፍጻም ኣጸቢቐን ሓሲበን እየን።

  •   ዳርጋ 3 ኻብ 5 ጐራዙ (57 ሚእታዊት) ቀጻሊ ጓሂ ወይ ቅብጸት ይሰምዐን እዩ።

 እዚ ኣሃዛት እዚ ኣመና ዜጕሂ እዩ። ንእስነት ናይ ሓጐስን ደስታን ግዜ እዩ ኪኸውን ዚግባእ። እሞ ደኣ መንእሰያት ሎሚ ንዜጋጥሞም ዘሎ ውጥረት ንምጽዋር እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰያት ግብራዊ ሓገዝ ይህብ

 ውጥረት ኣብ ዝመልኦ እዋን ንነብር ከም ዘለና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ነዚ ግዜና፡ “ጽንኩር ግዜ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚነብሩ ሚልዮናት መንእሰያት ብድሆታቶም ተጻዊሮም ኪነብሩ ዚሕግዝ ብግዜ ዘይግደብ ምኽሪ ይህብ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዓንቀጻት ርአ።

 ርእሰ ቕትለታዊ ሓሳባት ንዘለዎም መንእሰያት

 ብሕዱር ጭንቀት፡ ብጓሂ፡ ወይ ብኣሉታዊ ስምዒታት ንዚሳቐዩ መንእሰያት

 ብኣካል ወይ ብኢንተርነት ደንደንቲ ንዜሸግርዎም መንእሰያት

 ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዚወርዶም መንእሰያት

መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ ግብራዊ ሓገዝ ይህብ

 ወለዲ ንመንእሰያት ደቆም ኣብቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥሞም ጸገማት ምእንቲ ኺሕግዝዎም እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ሓገዝ ይህብ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዓንቀጻት ርአ።