ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሕማመይ ንህይወተይ ኪቈጻጸሮ ኣይፈቕደሉን እየ”

“ሕማመይ ንህይወተይ ኪቈጻጸሮ ኣይፈቕደሉን እየ”

“ኣብ ዓራት ንኽድቅስ ኰነ ኻብ ዓራት ንኽትንስእ፡ ዚሕግዘኒ ሰብ የድልየኒ ነበረ። ብእግሪ ምኻድ ኣዝዩ እዩ ዜሳቕየኒ ነይሩ። ጐረሮይ ስለ ዚዕጾ፡ ንፈውሲ ቓንዛ ዚኸውን መድሃኒት ክውሕጥ ኣይኽእልን እየ ነይረ። ዘይሓዊ ቝስሊ እውን ወጸኒ፣ ገሊኡ ድማ ጸኒሑ ጋንግሪን ኰነ። ነድሪ ኸስዐን ከቢድ ቀሓርን እውን ነበረኒ። እንታይ ከም ዝዀንኩ ኣይተረድኣንን። ገና ኸኣ ጓል ዓሰርተ ዓመት እየ ነይረ።”—ኢላይሳ።

ኢላይሳ ዓቕማ ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር የሐጕሳ እዩ

እዚ “ደረቕ ቈርበት” ዝትርጕሙ ስክለሮደርማ ዚብሃል ሕማም፡ ንኣስታት 2.5 ሚልዮን ዚዀኑ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ዜጥቅዕ ሕማም እዩ። እቲ መብዛሕትኡ ኣብ ቈልዑ ዚርአ ዓይነት እዚ ሕማም እዚ፡ ሎካላይዝድ ስክለሮደርማ እዩ ዚብሃል፣ እዚ ኸኣ፡ ንኣካሊት ወይ ቲሹ ቘርበት ከም ዚደርቕ ዚገብሮ ሕማም እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኢላይሳ፡ ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ፡ ሲስተሚክ ስክለሮደርማ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ፣ እዚ ኸኣ ንቘርበታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕዮ ውሽጣዊ ኣካላታ፡ ማለት ንዀላሊታን ንልባን ንሳናቡኣን ንኸስዐኣን ንመዓናጡኣን ብኸቢድ ዚጸሉ እዩ። ሓካይም ድማ፡ እቲ ዚግበረላ ሕክምና ንሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ብህይወት ንኽትጸንሕ ከም ዚሕግዛ ገይሮም ሓሰቡ። ኰይኑ ግና፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ድሕሪ 14 ዓመት ገና ብህይወት ኣላ። ካብ ሕማማ እኳ እንተ ዘይሓወየት፡ ብዛዕባ ህይወት ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ። ንቕሑ! ንኢላይሳ ብዛዕባ ሕማማን ብዛዕባ እቲ ንኽትጸንዕ ዝሓገዛ ብርታዐን ሓቲታታ ኣላ።

 ከም ዝሓመምኪ ንፈለማ እዋን ዝፈለጥኪ መዓስ ኢኺ፧

ጓል ትሽዓተ ዓመት ከለኹ፡ ገለ ነገር ኣብ ኵርናዕ ኢደይ ምስ ሓረደኒ፡ ኣዝዩ ኣቐንዘወኒ። እቲ ቝስሊ እናዓበየ ስለ ዝኸደ፡ ኪሓዊ ኣይከኣለን። መርመራ ደም ምስ ገበርኩ፡ ሲስተሚክ ስክለሮደርማ ኸም ዘሎኒ ተፈልጠ። ጥዕናይ እናሓደረ ብቕልጡፍ የንቈልቍል ስለ ዝነበረ፡ ስክለሮደርማ ኣብ ምሕካም ክኢላ ዝዀነ ሓኪም ክንደሊ ነበረና።

እሞኸ እቲ እትደልይዎ ዝነበርኩም ሓኪም ረኺብኩምዶ፧

ሪሕ ዚብሃል ምስ ኣዕጽምቲ ዚተሓሓዝ ሕማም እትሕክም ሓንቲ ሓኪም ረኺብና። ኬሞተራፒ ዚብሃል ሕክምና እንተ ገይረ፡ ንፍጥነት እቲ ሕማመይ ኪንክዮን ንህይወተይ ብሓሙሽተ ዓመት ኬናውሓን ነቲ ሕማም ዝግ ኬብለለይን ከም ዚኽእል ንወለደይ ነገረቶም። ኰይኑ ግና፡ ኬሞተራፒ ነቲ ዘሎኒ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ካልእ ይትረፍ ጕንፋዕ እውን እንተ ዀነ ኣብ ሓደጋ ኼውድቐኒ ይኽእል እዩ።

ከምቲ ዝፈራህክዮ ኸም ዘይኰነ እኳ ፍሉጥ እዩ።

እወ፡ ከምቲ ዝፈራህክዎሲ ኣይኰነን፣ እቲ ዜሐጕስ፡ ገና ብህይወት ኣለኹ። ጓል 12 ዓመት ኣቢለ ኸለኹ ግና፡ ን30 ደቒቕ ዚኸውን ዚጸንሕ ቃንዛ ኣብ ኣፍ ልበይ ኪስምዓኒ ጀመረ፣ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሳዕ ከምኡ የጋጥመኒ ነይሩ። እቲ ቓንዛ ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝነበረ፡ አእዊ ነይረ።

ጠንቁ እንታይ እዩ ነይሩ፧

ኣብ ደመይ ዝነበረ መጠን ሄሞግሎቢን ኣዝዩ ኸም ዝነከየ፡ ልበይ ድማ ናብ ሓንጎለይ ደም ንምጭንጓዕ ልዕሊ ዓቕማ ትሰርሕ ከም ዘላ፡ ሓካይም ፈለጡ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፡ ሳላ ሕክምና፡ ካብቲ ቓንዛ ተገላገልኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ግና፡ ‘ከምዚ እንተ ዀይኑ እኮ፡ ጽባሕ እንታይ ከም ዜጋጥመኒ ኽፈልጥ ኣይኽእልን እየ’ ኢለ ኽሓስብ ትዝ ይብለኒ። ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ድማ፡ ነቲ ዜጋጥመኒ ነገራት ክቈጻጸሮ ዘይኽእል ድኽምቲ ፍጥረት ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ።

ብዛዕባ ሕማምኪ ኻብ እትፈልጢ 14 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ሕጂ ጥዕናኺ ኸመይ ኣሎ፧

ሕጂ እውን እንተ ዀነ ስቓይ ይስምዓኒ እዩ፣ ምስ ስክለሮደርማ ዚተሓሓዝ እተፈላለየ ዓይነት ሕማም እውን እሓምም እየ። እዚ ኸኣ፡ ነድሪ ኸስዐን ሕማም ሳንቡእን ሓያል ቀሓርን ዜጠቓልል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሕማመይ ንህይወተይ ኪቈጻጸሮ ኣይፈቕደሉን እየ፣ ብጓሂ ድማ ግዜይ ከጥፍእ ኣይደልን እየ። ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ኣሎ።

ንኣብነት፡ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ፧

ስእሊ ምስኣልን ክዳን ምስፋይን ስልማት ምስራሕን እፈቱ እየ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀንኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር እካፈል እየ። ኣብቲ ናብ ኣባይቲ ሰባት ክኸይድ ዘይኽእለሉ እዋናት፡ ነቶም ኣብ ከባቢና ምስ ዚነብሩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሕግዞም እየ። ኣነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓሎም ዝነበርኩ ሰባት እውን ነይሮም እዮም። ኣገልግሎት ንህይወተይ፡ ዕላማ ኸም ዚህልዋ ገይሩ እዩ።

ክትቃለስዮ ዘለኪ ጸገማት እናሃለወኪ ኽነሱ፡ ኣብቲ ዕዮ እቲ እትካፈሊ ስለምንታይ ኢኺ፧

እቲ ንሰባት ዘካፍሎም ሓበሬታ፡ ኣገዳስን ጠቓምን ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ እየ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ንኻልኦት ሰባት በዚ መገዲ እዚ ኣብ ምሕጋዝ ትሕዝቲ ክኸውን ከለኹ፡ ብዝያዳ እየ ዝሕጐስ። ጥዕናይ እውን እተመሓየሸ ዀይኑ ይስምዓኒ። ኣብታ ምስ ሰባት ዝዘራረበላ ሓጻር እዋን፡ ንሕማመይ እርስዖ እየ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወኪ ዝሓገዘኪ ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ንዓይ ኰነ ንኻልኦት ሰባት ዜጋጥሞም መከራ፡ ግዝያዊ ምዃኑ የዘኻኽረኒ እዩ። ብመሰረት ራእይ 21:4፡ ኣምላኽ ኣብ ግቡእ እዋኑ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።” ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክሓስብ ከለኹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ብሩህ መጻኢ ንዘላትኒ እምነት ንኸደልድላ ይሕግዘኒ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ ሰብ ዚምልከት እዩ።