ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ጥዕና

ጥዕና

ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንሰብነትና እንሕዘሉ መገዲ ይግደስ ድዩ፧

“ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።”​—ምሳሌ 23:20

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መምሃሪ መጽሓፍ ኣይኰነን፣ ንዅሉ መዳይ ሰብኣዊ ባህርይ ብደቂቕ ዚቈጻጸር እውን ኣይኰነን። ግናኸ፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ ኣምላኽ ብዛዕባ ጥዕና ዘለዎ ርእይቶ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንሰብነትና እንሕዘሉ መገዲ ኸመይ ከም ዚስምዖ፡ ሓያሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ የብርህ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጐዳኢ ዝዀነ ምብዛሕ ምግብን መስተን ይዅንን እዩ። (ምሳሌ 23:20) ንጥንታውያን እስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ፡ ሕማማት ንምቍጽጻር፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ከኣ ንምጥፋእ ዚሕግዝ ስጕምትታት ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ፡ ካብ ሓደጋታት ንምክልኻል ዜኽእል ንጹር መምርሒታት እውን ዝሓዘ እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 22:8) እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብነትና ኽንከናኸንን ንጥዕናና ንምሕላው ግቡእ ስጕምትታት ክንወስድን የተባብዓና እዩ።

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስለምንታይ ኢና እንሓምም፧

“ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት . . . ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ።”​—ሮሜ 5:12

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ሕማም ብሰንኪ ሰብኣዊ ፍልቀት ዝመጸ ዘይድለ ሳዕቤን ጥራይ ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ከም እኩያት መናፍስቲ ዝኣመሰሉ ምስጢራውያን ሓይልታት፡ ጠንቂ ጸገማት ጥዕና ምዃኖም ይኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቀዳሞት ሰባት ካብ ኣምላኽ ብምዕላዎም ኢና እንሓምም። (ሮሜ 5:12) እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምዕላዎም፡ ፍጹም ጥዕና እዩ ነይርዎም። ካብ ፍቕራዊ ኽንክን ኣምላኽ እንተ ርሒቖም፡ ከም ዚሞቱ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እንተዀነ ግና፡ ደይ መደይ ኢሎም ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ዕርክነት ኣበላሸዉ፡ ፍጽምናኦም ድማ ኣጥፍኡ። a

እቶም ዓለወኛታት ሰብኣውያን ወለድና ኣበር ዘለዎም ምስ ኰኑ፡ እዚ ናባና ኣመሓላለፍዎ። ስለዚ፡ ንሰብኣዊ ሕማማት ንምጥፋእ ብዙሕ ጻዕሪ እናተገብረ ኽነሱ፡ ንሓምም ኣለና።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ነቲ ጥበባዊ ስርዓታት ኣምላኽ ብምሕላው ምስ ኣምላኽ እንተ ተዓሪቕካ፡ ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ምድራዊት ገነት ፍጹም ጥዕና ኸም እትረክብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (ኢሳይያስ 33:24ትርጕም 1990) ኣምላኽ ንስቓይን ንሕማምን ንሞትን ከም ዜወግዶ ቓል ኣትዩ ኣሎ።—ራእይ 21:3, 4

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሕክምና ኸይንኸይድ የተባብዕ ድዩ፧

“ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ።”​—ማቴዎስ 9:12

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ናብ ሕክምና ኻብ ምኻድ፡ መንፈሳዊ ምሕዋይ (ብእምነት ምሕዋይ እውን ዚብሃል) የተባብዑ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብ መንጎ እቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ህዝቡ ኺዓዩ ፈቒዱ እዩ። (ዘፍጥረት 38:28፣ ቈሎሴ 4:14) ኣምላኽ በቲ ኸም ኣፋውስ ዚጥቀሙሉ ኣትክልትን ዘይትታትን ስርዓት ኣመጋግባን ካልእ ሕክምናታትን ከም ዘይተሓጐሰ ዚሕብር ነገር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን። እኳ ደኣስ፡ የሱስ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 9:12

ግናኸ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥዕና ንምርካብ ተባሂሉ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪግበር ኣይድግፍን እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዚዝውተር ብእምነት ምሕዋይ ዚብሃል ኣይድግፎን እዩ። ምስ ጥንቈላ እተተሓሓዘ ምሕዋይ እውን፡ ብኣምላኽ ተቐባልነት የብሉን። (ገላትያ 5:19-21) ካብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዅንኖ ተግባራት ወጻኢ ግና፡ ሓደ ሰብ ኪሓምም ከሎ፡ እንተ ኽኢሉ ቐልጢፉ ንጥዕናኡ ኺከናኸን ይግብኦ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ፍጹም”ን “ፍጽምና”ን ዚብላ ቓላት ነቲ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ብሕማምን ሞትን ከይተጸልዉ ኺነብሩ ዝፈጠረሉ ጥዕና ንምምልካት ኢና እንጥቀመሉ ዘለና።