ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽንክን ኣረጋውያን ወለዲ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽንክን ኣረጋውያን ወለዲ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ዓበይቲ ውሉዳት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ናይ ምክንኻን ኣገዳሲ ሓላፍነት ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓበይቲ ውሉዳት ኪገልጽ ከሎ፡ “እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ኣብ ቤተ ሰቦም ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት ኬርእዩ፡ ንወለዶም . . . ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ” ይብል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:4) ዓበይቲ ውሉዳት ንኣረጋውያን ወለዶም ኪከናኸንዎም ከለዉ፡ ነቲ ንወለዶም ኬኽብሩ ዚእዝዝ ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚእዘዙ።—ኤፌሶን 6:2, 3

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽንክን ኣረጋውያን ወለዲ ብዝርዝር መምርሒታት ኣይህብን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቶም ንኣረጋውያን ወለዶም ብምክንኻን ዝመጸ ኣርኣያ ዚዀኑ ኣብ ኣምላኽ እምነት ዝነበረቶም ሰብኡትን ኣንስትን ይገልጽ እዩ። ነቶም ንወለዶም ዚከናኸኑ ሰባት ዚኸውን ግብራዊ ምኽሪ እውን ሒዙ ኣሎ።

 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤት ንኣረጋውያን ወለዶም እተኸናኸንዎም ብኸመይ እዮም፧

 ከከም ኵነታቱ፡ ብብዙሕ መገዲ ኸምኡ ገይሮም እዮም።

  •   ዮሴፍ ካብቲ ብዕድመ ዝደፍአ ኣቦኡ ያእቆብ ዚነብረሉ ዝነበረ ቦታ፡ ርሒቑ እዩ ዚነብር ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኵነታት ምስ ጠዓሞ፡ ንያእቆብ ናብኡ ኣምጽኦ። ቤትን ቀለብን ብምሃብ ድማ ዕቝባ ኸም ዚረክብ ገበረ።—ዘፍጥረት 45:9-11፣ 47:11, 12

  •   ሩት ምስ ሓማታ ናእሚ ዀይና ናብ እስራኤል ብምኻድ፡ ንምክንኻና ጽዒራ እያ።—ሩት 1:16፣ 2:2, 17, 18, 23

  •   የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ነታ ሽዑ መበለት ነይራ ኽትከውን እትኽእል ኣዲኡ ማርያም ዚከናኸና ሰብ መሪጹላ እዩ።—ዮሃንስ 19:26, 27 a

 ነቶም ንወለዶም ዚከናኸኑ ሰባት ዚኸውን እንታይ ግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንኣረጋውያን ወለዶም ኪከናኸኑ ኸለዉ ኣካላውን ስምዒታውን ሓይሎም ዚጽንቀቕ ሰባት ዚሕግዞም ስርዓታት ዝሓዘ እዩ።

  •   ወለድኻ ኣኽብር።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።”—ዘጸኣት 20:12

     ግብራዊ ኣወዓዕላ እዚ ስርዓት፦ ወለድኻ ዓቕሞም ብዚፈቕደሎም መጠን ንህይወቶም ባዕላቶም ኪቈጻጸርዋ ብምፍቃድ ኣኽብሮም። ብእተኻእለ መጠን፡ ብዛዕባ እቲ ዚደልይዎ ኽንክን ባዕላቶም ኪውስኑ ፍቐደሎም። ብእተኻእለካ መጠን ድማ፡ ክትሕግዞም ብምጽዓር ኣኽብሮትካ ኣርእዮም።

  •   ክትርዳእን ይቕረ ኽትብልን ጽዓር።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ፣ በደል ዕሽሽ ምባል ድማ የጸብቐሉ።”—ምሳሌ 19:11

     ግብራዊ ኣወዓዕላ እዚ ስርዓት፦ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ወላዲኻ ገለ ዜጕሂ ነገር እንተ ተዛሪቡካ ወይ ከኣ ነቲ እትገብረሉ ኽንክን ዘየማስወሉ እንተ መሲሉ፡ ‘ዓቕመይ ልክዕ ከም ወላድየይ ድሩት እንተ ዚኸውንን ዜበሳጩ ነገር እንተ ዜጋጥመንን ነይሩ እንታይ ምተሰምዓኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ክትርዳእን ይቕረ ኽትብልን ትጽዕር እንተ ደኣ ዄንካ፡ እቲ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘይጋደድ ኢኻ እትገብር።

  •   ኣማኽር።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል፣ ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም።”—ምሳሌ 15:22

     ግብራዊ ኣወዓዕላ እዚ ስርዓት፦ ነቲ ወለድኻ ኺህልዎም ዚኽእል ጸገማት ጥዕና ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ኸም እትኽእል ምርምር ግበር። ንዓታቶም ክትከናኸኖም ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣብ ማሕበረ ሰብካ ብዛዕባ ዘሎ ነገራት ክትፈልጥ ጽዓር። ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ንኣረጋውያን ወለዶም እተኸናኸኑ ሰባት ተዛራረብ። ኣሕዋትን ኣሓትን እንተ ኣልዮምኻ፡ ንወለድኹም ብዛዕባ ዜድልዮም ነገራትን ብኸመይ ክትከናኸንዎም ከም ዘሎኩምን መንኩም እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእልን ንምምይያጥ ኣኼባ ስድራ ቤት ግበሩ።

    ንኣረጋውያን ወለዲ ኺግበረሎም ብዛዕባ ዚኽእል ክንክን ንምምይያጥ፡ ኣኼባ ስድራ ቤት ግበር

  •   ትሑት ኩን።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ጥበብ . . . ምስ ትሑታት እያ።”—ምሳሌ 11:2

     ግብራዊ ኣወዓዕላ እዚ ስርዓት፦ ዓቕምኻ ፍለጥ። ንኣብነት፡ ዘሎካ ግዜን ጕልበትን ድሩት ስለ ዝዀነ፡ እዚ ነቲ ንወለድኻ ንምክንኻን ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ንወለድኻ እትገብሮ ኽንክን ልዕሊ ዓቕምኻ እንተ ዀይኑካ ግና፡ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትካ ወይ ሰብ ሞያ ኺሕግዙኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።

  •   ገዛእ ርእስኻ ተኸናኸን።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን።”—ኤፌሶን 5:29

     ግብራዊ ኣወዓዕላ እዚ ስርዓት፦ ንወለድኻ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት እኳ እንተ ኣሎካ፡ ንገዛእ ርእስኻ፡ ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ ድማ ንስድራ ቤትካ ኽትከናኸን ኣሎካ። ጽቡቕ ምግቢ ኽትምገብ ኣሎካ። እኹል ዕረፍትን ድቃስን ከኣ ክትረክብ ኣሎካ። (መክብብ 4:6) ዚከኣል ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ካብ ዕዮኻ ኣዕርፍ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብስምዒታውን ብኣእምሮኣውን ብኣካላውን መዳይ ጥዕና ስለ ዚህልወካ፡ ንወለድኻ ብዝሓሸ መገዲ ኽትከናኸን ትኽእል ኢኻ።

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣረጋውያን ወለዲ ኻብ ውሉዳቶም ከይተፈልዩ ኽንክን ኪግበረሎም ከም ዚግባእ ይገልጽ ድዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣረጋውያን ወለዲ ኻብ ውሉዳቶም ከይተፈልዩ ኽንክን ኪግበረሎም ከም ዚግባእ ዚገልጽ ንጹር መምርሒ ኣይህብን እዩ። ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤታት፡ ብእተኻእሎም መጠን ንኣረጋውያን ወለዶም ምሳታቶም የንብርዎም እዮም። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ግና፡ ናብ መናበዪ ኣረጋውያን ኬእትውዎም ዝሓሸ ዀይኑ ኺረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ኣየናይ ኣማራጺ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ንምውሳን ኪእከቡ ይኽእሉ እዮም።—ገላትያ 6:4, 5

a ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዮሴፍ [ሰብኣይ ማርያም] ካብ ዚመውት ነዊሕ ገይሩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ወዳ የሱስ ይድግፋ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ምስ ሞተ ግና እንታይ ኰን እዩ ኼጋጥማ፧ . . . ክርስቶስ ንውሉዳት፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ኪከናኸንዎም ከም ዚግባእ እዩ ዚምህሮም ነይሩ” ይብል።—ዘ ኤን.ኣይ.ቪ. ማቲው ሄንሪ ኮመንታሪ ኢን ዋን ቮልዩም፡ ገጽ 428-429።