ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ምግልጋል፡ መድሃኒት ኰኖ

ንኣምላኽ ምግልጋል፡ መድሃኒት ኰኖ

ኣብ ኬንያ ዚነብሩ ኽልተ ፈለምቲ፡ ናብ ሓንቲ ቤት ኪኣትዉ ምስ ተፈቕደሎም፡ ሓደ ቝንጹብ ሰብኣይ ኣብ ዓራት ደቂሱ ረኣዩ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ኣካላትን ሓጺር መሓውርን እዩ ዘለዎ። ነቲ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ “ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር” ምዃኑ ዚገልጽ መብጽዓ ኣምላኽ ምስ ነገርዎ፡ ፍሽኽ በለ።—ኢሳ. 35:6

እቶም ፈለምቲ፡ እቲ ሕጂ ኣብ መወዳእታ 30ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ኦኒሲመስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ኦስትዮጀነሲስ ኢምፐርፈክታ ዚብሃል ንኣዕጽምቲ ተሰባሪ ዚገብር ሕማም ከም ዘለዎ ፈለጡ። ኣዕጽምቱ ኣመና ተነቃፊ ስለ ዝዀነ፡ ቍሩብ እንተ ተጸቒጡ ኺስበር ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም እዚ መድሃኒት ስለ ዘይብሉ ወይ ከኣ ብኽንክን ኪመሓየሽ ስለ ዘይክእል፡ ኦኒሲመስ ንመላእ ህይወቱ ብብሽክለታ ስንኩላን እናተንቀሳቐሰ ብስቓይ ካብ ምሕላፍ፡ ካልእ ተስፋ ኣይነበሮን።

ኦኒሲመስ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር እኳ እንተ ጀመረ፡ ኣዲኡ ግና ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምኻድ ሓደጋን ዝያዳ ስቓይን ዜስዕበሉ ስለ ዝመሰላ፡ ኪኸይድ ኣይፈቐደትሉን። ስለዚ፡ እቶም ኣሕዋት ነቲ ኣኼባ ብድምጺ ቐዲሖም ይወስዱሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ቤቱ ይሰምዖ ነበረ። ንሓሙሽተ ወርሒ ምስ ኣጽንዐ ግና፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ናብ ኣኼባታት ኪኸይድ ወሰነ።

ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምኻድ፡ ንኦኒሲመስ ስቓይ ወሲኹሉ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኦኒሲመስ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ናብ ኣኼባታት ክኸይድ ከለኹ፡ ስቓየይ ከም ዘየለ እዩ ዚኸውን ነይሩ” በለ። እቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ተስፋ፡ ንስቓዩ ዘህደኣሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ። ኣደ ኦኒሲመስ እውን፡ ኣብ ጠባዩ ለውጢ ምስ ረኣየት ኣዝያ ስለ እተሓጐሰት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት። “ንኣምላኽ ምግልጋል፡ ንወደይ መድሃኒት እዩ ዀይንዎ” ድማ በለት።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኦኒሲመስ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀነ። ድሕሪ ግዜ ድማ ተጠምቀ፣ ሕጂ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ኣእጋሩን ሓንቲ ኢዱን ዘይዓይያ እኳ እንተ ዀና፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣሎ ኺገብር እዩ ዚደሊ። ሓደ እዋን፡ ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን እኳ እንተ ደለየ፡ ሰጋእ መጋእ በለ። ስለምንታይ፧ ብዘይ ሓገዝ ሰብ፡ ነታ ዚጥቀመላ ብሽክለታ ስንኩላን ኪዝውራ ኸም ዘይክእል ስለ ዚፈልጥ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ምስ ነገሮም፡ ከም ዚድግፍዎ ተመባጽዑሉ። ንኦኒሲመስ ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን ብምድጋፍ ድማ ከምቲ ዝበልዎ ገበሩ።

ኦኒሲመስ ስሩዕ ፈላሚ ኪኸውን እኳ እንተ ደለየ፡ ተመሳሳሊ ጕዳይ ኣተሓሳሰቦ። ይኹን እምበር፡ ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ዘንበባ ጥቕሲ ዕለት ኣተባብዓቶ። እታ ጥቕሲ መዝሙር 34:8 እያ፣ ‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን’ ከኣ ትብል። ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስ ኣስተንተነ፡ ስሩዕ ፈላሚ ኪኸውን ወሰነ። ሕጂ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ይሰብኽ ኣሎ፣ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብሩ ሓያሎ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣለውዎ። ብ2010 ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ተኻፈለ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኻብ ዝነበሩ መምህራን እቲ ሓደ፡ ካብቶም ፈለማ ዝሰበኹሉ ፈለምቲ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተሓጐሰ።

ወለዲ ኦኒሲመስ ሕጂ ብህይወት እኳ እንተ ዘየለዉ፡ ኣብ ጉባኤኡ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ግና በብመዓልቱ ይከናኸንዎ እዮም። ንዅሉ እቲ ዝረኸቦበረኸት ኣዝዩ እዩ ዜማስወሉ፣ ነታ፡ “ሓደ እኳ ሕሙም እየ” ዘይብለላ መዓልቲ ብሃንቀውታ እዩ ዚጽበያ።—ኢሳ. 33:24ትርጕም 1990።