እብራውያን 13:1-25

  • ናይ መደምደምታ ምዕዶን ሰላምታን (1-25)

    • ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ (2)

    • መውስቦ ኽቡር ይኹን (4)

    • ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎም (7, 17)

    • መስዋእቲ ውዳሰ ነቕርብ (15, 16)

13  ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ።+  ገሊኦም ከይፈለጡ ንመላእኽቲ ኣአንጊዶም እዮም እሞ፡+ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።+  ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡+ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩም እውን ብስጋ ስለ ዘለኹም፡* ዘክርዎም።+  ኣምላኽ ንኣመንዝራታትን* ንዘመውትን ኪፈርዶም እዩ እሞ፡+ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ ዓራት መውስቦ ኸኣ ዘይረኸሰ ይኹን።+  ንሱ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፡+ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣+ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።+  ስለዚ፡ ተቢዕና፡ “የሆዋ* ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ክንብል ንኽእል ኢና።+  ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ከኣ ዝነገሩኹም ዘክርዎም፣+ ኣካይዳኦም ዜምጽኦ ውጽኢት እናተቛመትኩም፡ ኣስኣሰር እምነቶም ስዓቡ።+  የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።  ልብኹም በቲ ነቶም ብእኡ ዚመላለሱ ዘይጠቐሞም ብልዒ* ዘይኰነስ፡+ ብጸጋ እንተ ጸኒዑ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብእተፈላለየ ጋሻ ትምህርትታት ኣይትስሓቱ። 10  ንሕናስ እቶም ኣብ ድንኳን ዜገልግሉ* ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዘይብሎም መሰውኢ ኣሎና።+ 11  ከመይሲ፡ ስጋ እቶም ደሞም ስለ ሓጢኣት ብሊቀ ኻህናት ናብ መቕደስ ዚውሰድ ዝነበረ እንስሳታት ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሓርር ነይሩ እዩ።+ 12  ስለዚ፡ የሱስ እውን ብደሙ ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ፡+ ኣብ ወጻኢ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ መከራ ጸጊቡ እዩ።+ 13  እምበኣር፡ ነቲ ንሱ እተሰከሞ ጸርፊ ተሰኪምና ናብኡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ንውጻእ፣+ 14  ከመይሲ፡ ነታ እትመጽእ ኣጸቢቕና ንደልያ ኣለና እምበር፡ ኣብዚ ነባሪት ከተማ የብልናን።+ 15  ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ውዳሰ፡+ ማለት ንስሙ ዚእመና+ ፍረ ኸናፍርና፡+ ነቕርብ። 16  ሰናይ ምግባርን ዘሎኩም ምምቓልን ኣይትረስዑ፣+ ከመይሲ፡ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ይብሎ እዩ።+ 17  ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎምን+ ተገዝእዎምን፣+ ከመይሲ፡ ንሳቶም ጸብጻብ ከም ዚህቡ ዀይኖም፡ ነቒሖም ይሕልውኹም* ኣለዉ፣+ ነዚ ብሓጐስ ኪገብርዎ እምበር፡ እህህ እናበሉ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንዓኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ። 18  ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እናደለና፡ ቅኑዕ* ሕልና ኸም ዘሎና ንተኣማመን ኢና እሞ፡ ብቐጻሊ ጸልዩልና።+ 19  ምናዳ ግና፡ ኣነ ቐልጢፈ ምእንቲ ኽምለሰኩም፡ እዚ ኽትገብሩ እምዕደኩም ኣለኹ። 20  እቲ ነቲ ዓብዪ ጓሳ+ ኣባጊዕ ዝዀነ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ሰላም፡ 21  ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ብየሱስ ክርስቶስ ኣባና እናገበረ፡ ብሰናይ ዘበለ ፍቓዱ ኽትገብሩ የዕጥቕኩም። ንዕኡ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 22  ኣሕዋተየ፡ ሓጻር ደብዳበ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ነዚ ዜተባብዕ ቃል እዚ ብዓቕሊ ኽትሰምዕዎ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 23  ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም እተፈትሐ ኽትፈልጡ እደልየኩም እየ። ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጺኡ፡ ምስኡ ዀይነ ኽርእየኩም እየ። 24  ንዅሎም እቶም ዚመርሑኹምን ንዅሎም ቅዱሳትን ሰላም በሉለይ። እቶም ኣብ ኢጣልያ+ ዘለዉ፡ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 25  ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምሳታቶም መከራ ኸም እትጸግቡ ዄንኩም” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ማለት፡ ብዛዕባ ብልዒ ዝወጸ ስርዓታት።
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ዜቕርቡ።”
ወይ፡ “ንነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰናይ።”