ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ክጥመቕዶ፧—2ይ ክፋል፦ ንጥምቀት ምድላው

ክጥመቕዶ፧—2ይ ክፋል፦ ንጥምቀት ምድላው

 ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ትነብር፡ ምስ ኣምላኽ እውን ዕርክነት ተማዕብል እንተ ኣሊኻ፡ ብዛዕባ ጥምቀት ክትሓስብ ትጅምር ኢኻ። እሞ ደኣ ነዚ ስጕምቲ እዚ ኸም እተዳሎኻ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ a

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ክንደይ እየ ኽፈልጥ ዘሎኒ፧

 ንጥምቀት ክትዳሎ ኸለኻ፡ ከምቲ ገሊኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዚውሃቦም መርመራ ዚገብርዎ ኽትገብር፡ ማለት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት ክትሽምድድ የብልካን። እንተዀነ ግና፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምን፡ ‘ንኣእምሮኻ ኽትጥቀመሉ’ ኣሎካ። (ሮሜ 12:1) ንኣብነት፦

 እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧

 ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ፡ ፍጹም ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ‘ካብ ክፉእ ንምርሓቕ፡ ሰናይ ድማ ንምግባር’ ብሓቂ ድሌት ኪህልወካ ኣለዎ። (መዝሙር 34:14) ንኣብነት፦

 ምኽሪ፦ ንጥምቀት ንምድላው፡ ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምዕራፍ 37 ኣንብብ። ምናዳ ነቲ ኣብ ገጽ 308ን 309ን ዚርከብ ወረቐት ዕዮ ኣስተብህለሉ።

a ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይን ምጥማቕን ዘለዎ ትርጉም ንምፍላጥ፡ “ክጥመቕዶ፧—1ይ ክፋል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።