ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ክጥመቕዶ፧—1ይ ክፋል፦ ትርጉም ጥምቀት

ክጥመቕዶ፧—1ይ ክፋል፦ ትርጉም ጥምቀት

 ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ዝዓበዩ ብዙሓት መንእሰያት፡ ኣብ ዓዓመት ይጥመቑ ኣለዉ። እሞኸ ነዚ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ ትሓስብዶ ኣለኻ፧ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ፈለማ ወፈያን ጥምቀትን እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ኽትርዳእ ኣሎካ።

 ጥምቀት እንታይ እዩ፧

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ዓይነት ጥምቀት፡ ማይ ብምንጻግ ዘይኰነስ፡ ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓል ወይ ብምጥላቕ እዩ ዚግበር፣ እዚ ድማ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።

  •   ክትጥመቕ ከለኻ ኣብ ትሕቲ ማይ ምእታውካ፡ ድሕሪ ደጊም ንዓኻ ባህ ዚብለካ ጥራይ ንምግባር ከም ዘይትነብር ንሰባት የርኢ።

  •   ካብ ማይ ምውጻእካ፡ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ነገራት ኣብ ምግባር ዘተኰረ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመርካ የርኢ።

 ስለዚ፡ ክትጥመቕ ከለኻ፡ የሆዋ መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ንምስራዕ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣብ ቅድሚ ሰባት ተርኢ፡ ነቲ ንሱ ኽትገብሮ ዚደልየካ ዘበለ ብፍታውካ ኽትገብር ከም እተመባጻዕካ ብዕሊ ተፍልጥ።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ህይወትካ ንየሆዋ እዙዝ ኴንካ ንምምልላስ ክትቈርጽ ዘሎካ፧ 1 ዮሃንስ 4:19ን ራእይ 4:11ን ርአ።

 ወፈያ እንታይ እዩ፧

 ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ብብሕትኻ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኣሎካ። ብኸመይ፧

 ብብሕቲ ብእተቕርቦ ጸሎት ኣቢልካ፡ ንየሆዋ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ኸም እትደሊ፡ ዜጋጥመካ ዅነታትን ካልኦት ዚገብርዎን ብዘየገድስ ከኣ ንሱ ዚደልዮ ኸም እትገብር ትመባጻዕ።

 ጥምቀት ነቲ ብውልቅኻ ዝገበርካዮ ወፈያ ኣብ ቅድሚ ሰባት እተርእየሉ ኣጋጣሚ እዩ። ድሕሪ ደጊም ንርእስኻ ኸም ዘይትውንናን ናይ የሆዋ ኸም ዝዀንካን ኢኻ ንሰባት እተርኢ።—ማቴዎስ 16:24

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ናይ የሆዋ ኽትከውን ከለኻ፡ ህይወትካ ዚመሓየሽ ስለምንታይ እዩ፧ ኢሳይያስ 48:17, 18ን እብራውያን 11:6ን ርአ።

 ጥምቀት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዚደልዩ ዘበሉ ኺጥመቑ ኸም ዚግባእ ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ስለዚ፡ ክርስትያናት ኪጥመቑ ኣለዎም። ከም ሓቂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥምቀት ከም እንድሕን ይገልጽ እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:21

 እንተዀነ ግና፡ በቲ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕርን ሞሳን ተለዓዒልካ ኢኻ ኽትጥመቕ ዘሎካ። ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኺህልወካ ኣለዎ፣ ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ዝገበረለይ ጽቡቕሲ፡ ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧ . . . ስም የሆዋ ድማ ክጽውዕ እየ። ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቡ፡ ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ።”—መዝሙር 116:12-14

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ የሆዋ እንታይ ጽቡቕ ገይሩልካ ኣሎ፧ እንታይ ውሬታኸ ኽትመልሰሉ ትኽእል፧ ዘሁልቍ 10:12, 13ን ሮሜ 12:1ን ኣንብብ።