ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ጾታዊ ርክብ ክገብር ንዚወርደኒ ጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧

ጾታዊ ርክብ ክገብር ንዚወርደኒ ጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧

 “ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ሓዲኦም ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበረ እንተ ተዛሪቡ፡ ካልኦት ኵሎም ኬርክብዎን ከምኡ ኺገብሩን ከም ዘለዎም ይስምዖም ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ፍልይ ዝበለ ኪኸውን ዚደሊ ዋላ ሓደ ሰብ የሎን።”—ኢለይን፡ 21።

 ካልኦት ስለ ዝገበርዎ ኢልካ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ጸቕጢ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

 እተፍቅሮ ሰብ ስለ ዝደፋፍኣካ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ጸቕጢ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

 ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቲ ኻብ ካልኦት ኰነ ኻብ ገዛእ ርእስኻ ዚወርደካ ጸቕጢ ተጻዊርካ ዝሓሸ ውሳነታት ምእንቲ ኽትገብር፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።

 ግጉይ ርድኢትን ሓቅን

 ግጉይ ርድኢት፦ ብዘይካይ ኵሉ ሰብ ጾታዊ ርክብ ይገብር እዩ።

 ሓቂ፦ ሓደ ኣብ ደቂ 18 ዓመት እተገብረ መጽናዕቲ፡ ክልተ ኻብ ሰለስተ ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበሩ ሓቢሩ። እዚ ማለት ልዕሊ 30 ሚእታዊት ዚዀኑ መንእሰያት ጾታዊ ርክብ ኣይገበሩን። “ኵሉ ሰብ” ኣይኰነን ጾታዊ ርክብ ዚገብር።

 ግጉይ ርድኢት፦ ጾታዊ ርክብ የቀራርበና እዩ።

 ሓቂ፦ ገሊኦም ኣወዳት ንጓል ምሳታቶም ጾታዊ ርክብ ክትገብር ንምሕብባል ከምኡ ዚብሉ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ወዲ ምስ ጓል ጾታዊ ርክብ ምስ ገበረ፡ ነቲ ምስኣ ዝነበሮ ርክብ የቋርጾ እዩ። እዚ ኸኣ ነታ ኸም ዜፍቅራ ወይ ከም ዚውፈየላ ዚመስላ ዝነበረ ጓል ኣንስተይቲ ብዙሕ የጕህያ እዩ። a

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንጾታዊ ርክብ ይዅንኖ እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መንጎ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ኪግበር ከም ዚግባእ ይሕብር እዩ።—ዘፍጥረት 1:28፣ 1 ቈረንቶስ 7:3

 ግጉይ ርድኢት፦ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ማእሰርቲ እዩ።

 ሓቂ፦ ጾታዊ ርክብ ንምግባር ክሳዕ እትምርዖ እንተ ተዓጊስካ፡ ካብቲ ቕድሚ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ርክብ ዜስዕቦ ጭንቀትን ጣዕሳን ሻቕሎትን ሓራ ስለ እትኸውን፡ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ ኢኻ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ቅድሚ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ብዘይምግባሩ ዋላ ሓደ እተጐድአ ሰብ የሎን።ቅድሚ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ብምግባሮም ግና እተጐድኡ ኣለዉ።

 ጾታዊ ርክብ ክትገብር ንዚወርደካ ጸቕጢ ብኸመይ ትጻረሮ፧

  •   ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ መትከላትካ ጽኑዕ እምነት ይሃሉኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሱላት ሰባት “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ” ኸም ዝዀኑ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 5:14) ዚኣምኑሉ መትከላት ስለ ዘለዎም፡ ብጸቕጢ ብቐሊሉ ኣይምብርከኹን እዮም።

     “ቅኑዕ ነገር ንምግባርን ጽቡቕ ስም ንምጥራይን ብዙሕ እጽዕር እየ፣ ነዚ ኸም ዝስእኖ ኣብ ዚገብረኒ ዅነታት ከኣ ኣይኣቱን እየ።”—ኣሊሺያ፡ 16።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እንታይ ዓይነት ስም ኪህልወካ ኢኻ እትደሊ፧ ብሰብ ተቐባልነት ኪህልወካ ኢልካ ስምካ ኸተበላሹ ጽቡቕዶ ይመስለካ፧

  •   ነቲ ሳዕቤናት ሕሰበሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ” ይብል እዩ። (ገላትያ 6:7) ጾታዊ ርክብ ክትገብር ብዚወርደካ ጸቕጢ ምስናፍ፡ ኣብ ህይወትካን ኣብ ህይወት ካልእ ሰብን እንታይ ሳዕቤን ኬምጽእ ከም ዚኽእል ኣርሒቕካ ሕሰብ። b

     “ቅድሚ ሓዳር ጾታዊ ርክብ እንተ ጌርካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጸጸትን ጣዕሳን ይስምዓካ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ከም ዘይትፍቶ ዀይኑ ይስምዓካ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ዘይተደልየ ጥንሲ ወይ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማት ኣሎ።”—ሲየና፡ 16።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሴክስ ስማርት ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ኣዕሩኽካ፡ ኪጐድኣካ ዚኽእል ነገራት ክትገብር ይደፋፍኡኻ እንተ ኣልዮም፡ ምስ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ግዜ ኸተሕልፍን ምኽሮም ክትሰምዕን ግቡእ ድዩ፧”

  •   ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ጾታዊ ርክብ ጌጋ ኣይኰነን። ሰብ ሓዳር በዚ ኺሕጐሱ ኸም ዚኽእሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ።—ምሳሌ 5:18, 19

     “ጾታዊ ርክብ ተፈጥሮኣዊ እዩ። ኣምላኽ ብእኡ ኽንሕጐስ ይደልየና እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ንሱ ዝመደቦ ስርዓት፡ ማለት ኣብ ውሽጢ መውስቦ ጥራይ ኪኸውን እዩ ዚደልዮ።”—ጀረሚ፡ 17።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሓደ መዓልቲ እንተ ተመርዒኻ፡ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ኢኻ። ካብቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናጻ ዄንካ፡ ብእኡ ክትሕጐስ ኢኻ።

a ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ወትሩ ወዲ ጥራይ ኣይኰነን ዚብድል። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ኣዋልድ ንኣወዳት ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ይደፋፍኣኦም እየን።

b ሓደ ኻብቲ ሳዕቤናት ዘይተደልየ ጥንሲ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። እቶም ኣብቲ ጾታዊ ርክብ እተሳተፉ ዘይባጽሑ መንእሰያት እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ሕጋዊ ጕዳያት ኪልዓል ይኽእል እዩ።