ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንወለደይ ብዛዕባ እቲ ዜውጽእዎ ሕግታት ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧

ንወለደይ ብዛዕባ እቲ ዜውጽእዎ ሕግታት ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧

 “ጓል 15 ዓመት ከለኹ ነቲ ወለደይ ዜውጽእዎ ሕግታት ምስዓብ ኣይከብደንን እዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግና ጓል 19 ዀይነ እየ፡ ስለዚ ዝያዳ ናጽነት የድልየኒ እዩ።”—ሲልቭያ።

 ንስኻኸ ኸም ሲልቭያ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባኡ ምስ ወለድኻ ምእንቲ ኽትዛራረብ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ እያ።

 ክትፈልጦ ዘሎካ

 ንወለድኻ ብዛዕባ እቲ ዜውጽእዎ ሕግታት ቅድሚ ምዝራብካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

  •  ሕጊ ዘይብሉ ነገር ሕንፍሽፍሽ ይኣትዎ። ማካይን ብዛዕባ ዚውሕዛሉ ጐደና እሞ ሕሰብ። እቲ ጐደና ምልክት፡ ሰማፎሮ፡ ደረት ፍጥነት ዚብሃል እንተ ዘይህልዎ እንታይ እዩ ዚፍጠር፧ ከምቲ ሕግታት መገዲ ስርዓት ዜስፍን፡ ሕግታት ስድራ ቤት እውን ስርዓት የስፍን እዩ።

  •  ሕግታት፡ ወለድኻ ኸም ዚሓልዩልካ የርኢ። ወለድኻ ዋላ ሓንቲ ሕጊ እንተ ዘየውጺኦም፡ ብዛዕባኻ ምንም ከም ዘይግደሱ ዜርኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚኣቶም ዓይነት ወለዲ እንታይ ዓይነት ወለዲ ይብሃሉ፧

 ትፈልጥዶ፧ ወለዲ እውን ኪስዕብዎ ዚግባእ ሕግታት ኣሎ! ነዚ እንተ ተጠራጢርካ፡ ዘፍጥረት 2:24፣ ዘዳግም 6:6, 7፣ ኤፌሶን 6:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8 ኣንብብ።

 ኰይኑ ግና፡ ወለድኻ ዜውጽእዎ ሕግታት ዘይፍትሓዊ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧

 ክትገብሮ እትኽእል

 ብዛዕባኡ ቕድሚ ምዝርራብካ፡ ሕሰብ። ምስቲ ወለድኻ ዜውጽእዎ ሕግታት ብእተተሓሓዘ፡ እዙዝ ዲኻ ወይስ ዘይእዙዝ፧ ዘይእዙዝ እንተ ዄንካ፡ ሕጂ ናጽነት ኪህቡኻ እንተ ዘይሓተትካዮም ይሓይሽ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነታ፡ “ከመይ ገይረ እየ ወለደይ ከም ዚኣምኑኒ ኽገብር ዝኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

 እዙዝ እንተ ዄንካ፡ ንወለድኻ እንታይ ከም እትብሎም ኣቐዲምካ ተዳሎ። ከምኡ ምግባርካ፡ እቲ ኽትሓትቶ ዝሓሰብካ ነገር ክሳዕ ክንደይ ሚዛናዊ ምዃኑ ንምግምጋም ይሕግዘካ እዩ። ቀጺልካ፡ ክትዛራረብሉ እትኽእሉሉ ህድእ ዝበለን ምሹእን ግዜን ቦታን ኪምድቡ ንወለድኻ ሕተቶም። ድሕሪኡ ምስ ወለድኻ ኽትዛራረብ ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ዘክር፦

 ኣኽብሮት ይሃሉኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ተሪር ቃል . . . ቍጥዓ የለዓዕል” ይብል። (ምሳሌ 15:1) ስለዚ፡ እንተ ተኻቲዕካዮም፡ ወይ ‘ዘይፍትሓውያን ኢኹም’ እንተ ኢልካዮም፡ ዝርርብኩም ብዙሕ ኣይኪቕጽልን እዩ።

 “ንወለደይ ብዝያዳ ብዘኽበርክዎም መጠን ንሳቶም እውን የኽብሩኒ እዮም። ንሓድሕድና ምስ እንከባበር፡ ብቐሊሉ ኽንሰማማዕ ንኽእል ኢና።”—ቢያንካ፡ 19።

 ስምዓዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ” ክንከውን ይነግረና እዩ። (ያእቆብ 1:19) ምስ ወለድኻ ትመያያጥ እምበር፡ ትምድረሎም ከም ዘየለኻ ኣይትረስዕ።

 “እናዓበና ምስ እንኸይድ ካብ ወለድና ንላዕሊ ንፈልጥ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን፡ እዚ ግና ጌጋ እዩ። እኳ ደኣስ ንዚህቡና መአረምታን ምዕዶን ክንሰምዕ ኣሎና።”—ደቫን፡ 20።

 ተረድኣሎም። ነቲ ጕዳይ ኣብ ቦታኦም ኴንካ ኽትርእዮ ፈትን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” ዚብል ምዕዶ ስዓቦ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ ንጥቕሚ ወለድኻ ኸተቕድም ኣሎካ ማለት እዩ።—ፊልጲ 2:4

ዝያዳ ናጽነት ምእንቲ ኽትረክብ፡ እንታይ እንተ ገበርካ ይሓይሽ፧

 “ምስ ወለደይ ኣብ ሓደ ጋንታ ዘይኰነስ፡ ኣንጻር ከም ዝዀንና ገይረ እየ ዝወስዶ ነይረ። ሕጂ ግና ከምቲ ኣነ ርእሰይ ክኽእል ዝጽዕር ዝነበርኩ፡ ንሳቶም እውን ሓላፍነቶም ኪፍጽሙ ይጽዕሩ ኸም ዝነበሩ ተገንዚበ። ኵሉ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኻብ ሓልዮት እዩ ነይሩ።”—ጆሹዋ፡ 21።

 ፍታሕ ኣቕርበሎም። ንኣብነት፡ ወለድኻ ምሸት ኣብ ዚግበር ዕድመ ከይትኸይድ ሕጊ ኣውጺኦምልካ ንበል። እቲ ዜሰክፎም ዘሎ እንታይ ምዃኑ ኣለሊ፡—እቲ ሰዓት ምምሳዩ ድዩ ዋላስ እቲ ዕድመ እዩ፧

  •   እቲ ሰዓት እንተ ዀይኑ፡ ምስ ካልእ ሰብ ምኻድ ኣማራጺ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧

  •   እቲ ዕድመ እንተ ዀይኑ፡ ብዓል መን ከም እተዓደሙን እንታይ ዓይነት ቍጽጽር ከም ዚህሉን ክትነግሮም ትኽእል ዲኻ፧

 ብኣኽብሮት ክትዛረብ ከም ዘሎካን ወለድኻ ኺዛረቡ ኸለዉ ብትዕግስቲ ኽትሰምዕ ከም ዘሎካን ኣይትረስዕ። ብቓላትካ ዀነ ብተግባርካ፡ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ከም እተኽብር’ ኣርኢ። (ኤፌሶን 6: 2, 3) ንሕቶኻ ይቕበልዎ ደዀን ይዀኑ፧ ምናልባት ይቕበልዎ፡ ወይ ኣይቅበልዎን ይዀኑ። ዝዀነ ዀይኑ ግና . . .

 ንውሳነኦም ብኣኽብሮት ተቐበሎ። ከምዚ ምግባር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ዚብሃል ኣገዳሲ ነገር ምዃኑ ብዙሓት ኣይግንዘቡን እዮም። ወለድኻ ንሕቶኻ እንተ ዘይተቐቢሎምዎ እሞ በዚ እንተ ተማጒትካዮም፡ ኣብ ዚቕጽል ዜዘራርብ ጕዳይ ምስ ተፈጥረ ንርእስኻ ተኽብደላ ኢኻ። ብኣንጻሩ ግና፡ ንውሳነኦም እንተ ተቐቢልካዮ፡ ምናልባት ነቲ ኣውጺኦምዎ ዝነበሩ ሕግታት የቕልሉልካ ይዀኑ እዮም።