ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ክትእከብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ክትእከብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ ቦታታት ኣምልኾኦም ይእከቡ እዮም። ኣብኡ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ኣብኡ ብምእካብከ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

 ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧

 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚውሃበሉ ማእከል እዩ። እቲ ኣኼባታት ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት እዚ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ፦

  •   ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ኽትፈልጥ።

  •   ትርጉም እቲ ህሉው ኵነታት ክትፈልጥ።

  •   ዝሓሸ ሰብ ክትከውን።

  •    ጥዑያት ፈተውቲ ኽትረክብ።

 ትፈልጥዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚእከቡሉ ቦታ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተባህለሉ ምኽንያት፡ ኣብኡ ወትሩ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ትምህርቲ ስለ ዚውሃብ እዩ።—ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14፣ ሉቃስ 4:43

 ክትእከብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

 እቲ ትምህርቲ ኪጠቕመካ እዩ። እቲ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚውሃብ ትምህርቲ፡ ‘ጥበብ ከተጥሪ’ ኺሕግዘካ እዩ። (ምሳሌ 4:5) እዚ ማለት ድማ፡ ብሓገዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ህይወት ንዚልዓሉ ኣገደስቲ ሕቶታት እውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኽትረክብ ኢኻ። ንኣብነት፦

 እዚ ዚስዕብ ገለ ኻብቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባታትና ዚውሃብ ኣርእስቲ መደረታት እዩ፦

  •   ብመጽሓፍ ቅዱስ ክንምራሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  •   ብግዜ ጸበባ፡ ሓገዝ ካበይ ክትረኽቡ ትኽእሉ፧

  •   ሕጂ መንግስቲ ኣምላኽ እትገብረልና ዘላ ነገራት።

 “ሓደ መማህርተይ ናብ ሓደ ኣኼባ መጺኡ። ምስ ስድራ ቤትና ኾፍ ኢሉ፡ መጻሕፍትና ድማ ኣርኢናዮ። ድሕሪ ኣኼባ፡ በቲ ኻብ ሰማዕቲ እተዋህበ ሓሳባት ኣዝዩ ኸም እተደነቐ ነጊሩኒ። ኣብ ቤተ ክርስትያኑ ከም ናትና ዓይነት ናውቲ መጽናዕቲ ኸም ዘይብሎም እውን ነጊሩኒ።”—ብረንዳ።

 ትፈልጥዶ፧ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መእተዊ ብናጻ እዩ፡ እናዞርካ እውን ገንዘብ ኣይእከብን እዩ።

 እቶም ኣብኡ እትረኽቦም ሰባት፡ ኬተባብዑኻ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናት ዚእከቡሉ ሓደ ምኽንያት፡ ‘ንሓድሕድና ንምትብባዕ’ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 10:24, 25) ኣብዛ ኣብ ጥቕሚ ርእሲ ጥራይ እተተኵር ዓለም፡ ካብ ንርእሶም፡ ንኣምላኽን ንኻልኦትን ምስ ዜቐድሙ ሰባት ምእካብ መንፈስ ዜሕድስ እዩ።

 “ምሉእ መዓልቲ ደኺመ ድሕሪ ምውዓል፡ ሓጐሰይ ይጠፍእን ሓይለይ ይጽንቀቕን እዩ፡ እቶም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኽቦም ሰባት ግና ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ ይገብሩ እዮም። ካብ ኣኼባ ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ፡ እሕጐስን ሓይለይ ይሕደስን እዩ።”—ኤሊዛ።

 ትፈልጥዶ፧ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 60,000 ቦታ ዚእከባ ልዕሊ 120,000 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ። ቍጽሪ ተኣከብቲ በብግዜኡ ስለ ዚውስኽ፡ ኣብ ዓዓመት ብገምጋም 1,500 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይህነጽ። a

a መአከቢ ቦታ ንምርካብ ናብቲ “ኣኼባታት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ገጽ ኣቲኻ፡ ነቲ “ዚቐርበካ ቦታ ድለ” ዚብል ጠውቕ።