ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ኣብ ኢንተርነት ስእልታት ብዛዕባ ምዝርጋሕ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

ኣብ ኢንተርነት ስእልታት ብዛዕባ ምዝርጋሕ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

 ኣዝዩ ባህ ዜብል ናይ ዕረፍቲ እዋን ተሕልፍ ኣለኻ። ንፈተውትኻ ድማ ብዛዕባኡ ኽትነግሮም ደሊኻ። እሞኸ እንታይ ኢኻ እትገብር፧

  1.  (ሀ) ንነፍሲ ወከፎም ካርቶሊና ወይ ፖስትካርድ እልእከሎም

  2.  (ለ) ንዅሎም ፈተውተይ ኢ-መይል እጽሕፈሎም

  3.  (ሐ) ኣብ ኢንተርነት ስእልታት እልጥፍ

 ኣቦሓጎኻን እኖሓጎኻን ክንዳኻ ኸለዉ፡ ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ እንኮ ኣማራጺ “ሀ” ጥራይ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።

 ወለድኻ ክንዳኻ ኸለዉ፡ ኣማራጺ “ለ” ኪጥቀሙ ይኽእሉ ነይሮም ይዀኑ።

 ሎሚ ግና ኣብ ኢንተርነት ስእልታት ኪልጥፉ ዚፍቀደሎም ሓያሎ መንእሰያት፡ ኣማራጺ “ሐ” እዮም ዚሓርዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ እትገብር፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንገለ ሓደጋታት ከተወግድ ክትሕግዘካ እያ።

 እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

 ቅልጡፍ እዩ። “ኣብ መገሻ ወይ ምስ ፈተውተይ ባህ ዜብል ግዜ ኼሕልፍ ከለኹ፡ ገና ሓጐሰይ ከይጠፍአ ኸሎ ብዛዕባኡ ስእልታት ኪዝርግሕ እኽእል እየ።”—መላኒ።

 ምሹእ እዩ። “ፈተውተይ ከመይ ከም ዘለዉ ኽፈልጥ ኢ-መይል ካብ ዝጥቀም፡ ነቲ በብእዋኑ ዜውጽእዎ ስእልታት ምርኣይ ኣዝዩ ይቐልል።”—ጆርዳን።

 ርክባትካ ኸይተቋርጽ ይሕግዘካ። “ገሊኦም ፈተውተይን ኣባላት ስድራ ቤተይን ኣብ ርሑቕ እዮም ዚነብሩ። ስእልታት ኣዘውቲሮም ኪልጥፉ ኸለዉ ድማ፡ ኣዘውቲረ እርእዮ እየ። ዳርጋ መዓልታዊ ኸም ዚርእዮም ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”—ካረን።

 እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧

 ድሕንነትካ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱ ትኽእል ኢኻ። ካሜራኻ ኣበይ ከም እተሰኣልካ ዚሕብር ጂኦግራፍያዊ ኣድራሻ ትምዝግብ እንተ ደኣ ዀይና፡ እቲ እትልጥፎ ስእልታት ብዛዕባኻ ኻብቲ ዝሓሰብካዮ ንላዕሊ ሓበሬታ ኺህብ ይኽእል እዩ። ዲጂታል ትረንድ ዚብሃል ወብሳይት፡ “ኣበይ ከም ዝሰኣልካዮ ዚሕብር ጂኦግራፍያዊ ኣድራሻ ዘለዎ ስእልታት ኰነ ኻልእ ዓይነት ሚድያ ኣብ ኢንተርነት ምስ እትልጥፍ፡ ክፉእ ዚሓስቡ ሰባት ኣድራሻ ኺደሊ ብዚኽእል ሶፍትዌር ተጠቒሞም ኣድራሻኻ ኺፈልጡ ይኽእሉ እዮም” ኢሉ ሓቢሩ ኣሎ።

 ገሊኦም ገበነኛታት ከኣ፡ ኣበይ ከም ዘየለኻ እዮም ብቐንዱ ኺፈልጡ ዚደልዩ። ዲጂታል ትረንድ ኣብ ዝጸብጸቦ ሓደ ጕዳይ፡ ሰለስተ ሰረቕቲ፡ ሰብ ቤት ኣብ ዘይነበሩሉ እዋናት ናብ 18 ኣባይቲ ኣትዮም እዮም። ኣብቲ ኣባይቲ ሰብ ከም ዘየሎ ብኸመይ እዮም ፈሊጦም፧ ኣብ ኢንተርነት ኣትዮም፡ ንንጥፈታት እቶም ነበርቲ ብምክትታል እዮም ኣብቲ ኣባይቲ ሰብ ዘይህልወሉ እዋን ፈሊጦም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ልዕሊ 100,000 ዶላር ኣመሪካ ዚግመት ንብረት ሰሪቖም እዮም።

 ጽዩፍ ትሕዝቶ ዘለዎ ነገራት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ኵሉ ሰብ ዚርእዮ ጽዩፍ ነገራት እኳ ኣብ ኢንተርነት ምልጣፍ ኣየሕፍሮምን እዩ። ሳራ ዝስማ ጐርዞ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ሽግር ዜጋጥመካ፡ ኣብ ናይ ዘይትፈልጦም ሰባት ኣካውንት ኣቲኻ ኽትርኢ ኸለኻ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ዘይትፈልጣ ኸተማ ብዘይ ካርታ ኸም ምንቅስቓስ እዩ። ናብ ዘይደለኻዮ ቦታ ኸም እትኸይድ ፍሉጥ እዩ።”

 ግዜኻ ኸተባኽን ትኽእል ኢኻ። ዮላንዳ ዝስማ ጐርዞ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ቀረባ እዋን እተለጠፈ ስእልታት እናረኣኻን ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ሓሳባት እናኣንበብካን ብቐሊሉ ብዙሕ ግዜ ኸተጥፍእ ትኽእል ኢኻ። ወረግ እንታይ ሓድሽ ነገር ከም ዘሎ ኽትርኢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ሞባይልካ ኽሳዕ ምርኣይ ክትውለፍ ትኽእል ኢኻ።”

ስእልታት እተካፍለሉ ወብሳይታት ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ርእስኻ ኽትገትእ እትኽእል ክትከውን ኣሎካ

 ሳማንታ ዝስማ ጐርዞ እውን ነዚ ሓሳባ እዚ ትሰማማዓሉ እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ኣብዚ ወብሳይታት እዚ ዘሕልፎ ግዜ ኽቈጻጸሮ እጽዕር እየ። ነቲ ስእልታት እትዝርግሓሉ ወብሳይታት ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ርእስኻ ኽትገትእ እትኽእል ክትከውን ኣሎካ።”

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ጽዩፍ ትሕዝቶ ዘለዎ ነገራት ከይትርኢ ቘራጽነት ግበር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ዘይጠቅም ነገር ኣይከንብርን እየ” ይብለና።—መዝሙር 101:3

     “ፈተውተይ ዝለጠፍዎ ስእልታት ኣዘውቲረ እርኢ እየ። ትሕዝቶ እቲ ዝለጠፍዎ ነገራት ሕማቕ ከም ዝዀነ እንተ ተሰሚዑኒ ድማ፡ ነቲ ምሳታቶም ብኢንተርነት ዝነበረኒ ዕርክነት እበትኮ እየ።”—ስቲቨን።

  •   ከም ናትካ ዓይነት ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዘይስዕቡ ሰባት፡ ነቲ ዘሎካ ስነ ምግባራዊ መትከል ኬዳኽምዎ ስለ ዚኽእሉ፡ ካባታቶም ርሓቕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣይትታለሉ። ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ስነ ምግባር የበላሽዎ እዩ” ይብለና።—1 ቈረንቶስ 15:33፡ እግረ ጽሑፍ።

     “ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚልጠፍ ስእልታት ህቡብ ስለ ዝዀነ ጥራይ ኣይትርኣዮ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብኡ እዩ ጽዩፍ ቃላትን ስእልታትን ካልእ ሕማቕ ትሕዝቶን ዚርከብ።”—ጀሲካ።

  •   ንኽንደይ ግዜ ኢንተርነት ከም እትጥቀምን ክንደይ ሳዕ ኣብ ኢንተርነት ስእልታት ከም እትልጥፍን ወስን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ . . . ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ” ይብለና።—ኤፌሶን 5:15, 16

     “ምስቶም ኣመና ብዙሕ ነገራት ዚልጥፉ ሰባት ብኢንተርነት ዝነበረኒ ምሕዝነት ገዲፈዮ እየ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ናብ ገምገም ባሕሪ ኸይዱ ንሓንቲ ዛዕጐል ዕስራ ሳዕ ስኢሉ ኣብ ኢንተርነት ለጢፍዋ። እዋእ! ነዚ ዅሉ ስእልታት ክትርኢ እኮ ብዙሕ ግዜ እዩ ዜጥፍኣልካ!”—ረበካ።

  •   እቲ ኣብ ኢንተርነት እትልጥፎ ስእልታት ንኻልኦት ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ከም እትሓስብ ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ከይገብር ተጠንቀቕ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ” ዚብል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (ሮሜ 12:3) ስለዚ፡ በቲ እትልጥፎ ስእልታት ኰነ ብንጥፈታትካ ዅሎም ፈተውትኻ ባህ ከም ዚብሎም ጌርካ ኣይትሕሰብ።

     “ገሊኦም ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ስእልታት ጥራይ ብዙሕ ይልጥፉ እዮም። ፈተውተይ እንተ ዀይኖም እኮ መልክዖም እፈልጦ እየ። ቀጻሊ መዘኻኸሪ እንታይ ይዓብሰለይ፧”—ኣሊሰን።