ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ስለምንታይ እየ ዅሉ ሳዕ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧

ስለምንታይ እየ ዅሉ ሳዕ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧

 “ሓድሓደ ግዜ ንልሳነይ እቈጻጸራ እየ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ኣፈይ ብዘይ ሓንጐለይ ዚዛረብ እዩ ዚመስል!”—ጄምስ።

 “ክጭነቕ ከለኹ፡ ከይሓሰብኩ እዛረብ እየ፣ ፍዅስ ኪብለኒ ኸሎ ድማ፡ ካብቲ ግቡእ ንላዕሊ እዛረብ እየ። ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ እየ ዘበላሹ።”—ሜሪ።

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልሳን . . . ሓዊ እያ፡” ከምኡ ድማ “እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ!” ይብል። (ያእቆብ 3:5, 6) ብሰንኪ ዘረባኻ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሽግር ትኣቱ ዲኻ፧ ከምኡ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።

 ስለምንታይ እየ ጌጋ ዘረባ ዝዛረብ፧

 ዘይፍጽምና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና። ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ . . . ፍጹም ሰብ እዩ” ይብል። (ያእቆብ 3:2) ስለዚ፡ ብሰንኪ ሰብኣዊ ድኽመትና፡ እግርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣፍና እውን ይዕንቀፍ እዩ።

 “ዘይፍጹም ሓንጐልን ዘይፍጹም ልሳንን ስለ ዘሎኒ፡ ምሉእ ብምሉእ ክቈጻጸሮ እኽእል እየ ምባል ዕሽነት እዩ ዚዀነኒ።”—ኣና።

 ምብዛሕ ዘረባ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣበሳ ኣይሰኣንን” ይብል። (ምሳሌ 10:19) ዘረባ ዜብዝሑን ብዙሕ ዘይሰምዑን ሰባት፡ ጌጋ ዘረባ ብምዝራብ ንሰብ ንምጕሃይ ዘለዎም ኣጋጣሚ የስፍሑ እዮም።

 “እቶም በላሕቲ ሰባት ኵሉ ሳዕ ኣይኰኑን ዚዛረቡ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ዝበለጸ በሊሕ እዩ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ስቕ ይብል ነይሩ እዩ።”—ጁልያ።

 ሽምጠጣ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ” ይብል። (ምሳሌ 12:18) ሓደ ኻብቲ ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸኣ ሽምጠጣ፡ ማለት ንኻልኦት ንምቍንጻብ ተባሂሉ ዚዝረብ ወጋኢ ቓላት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ዘረባ ሽምጠጣ ዚዛረቡ ሰባት፡ “እዋዘ እየ ነይረ!” ይብሉ ይዀኑ። ንኻልኦት ምውራድ ግና፡ መስሓቕ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን” ከነርሕቕ ይምዕደና እዩ።—ኤፌሶን 4:31

 “ብዙሕ ክዋዘን ከስሕቕን እፍትን እየ፣ እዚ ኸኣ ናብ ሽምጠጣ ስለ ዚመርሕ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሽግር የእትወኒ እዩ።”—ኦክሳና።

ከምቲ ሳሙና ስኒ ኻብ መትሓዚኡ ምስ ወጸ ኽትመልሶ ዘይከኣል፡ ዝበልካዮ ነገር እውን ክትመልሶ ኣይትኽእልን ኢኻ

 ንልሳን ምግራሕ

 ልሳንካ ምቍጽጻር ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ፣ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ እስከ ርኣዮ።

 “ብልብኹም ተዛረቡ፡ ስቕ ድማ በሉ።”—መዝሙር 4:4

 ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይምምላስ ይሓይሽ። ሓንቲ ሎራ ዝስማ መንእሰይ፡ “ሓሪቐ ኸለኹ ዚስምዓኒ ስምዒት፡ ምስቲ ጸኒሐ ዚስምዓኒ ስምዒት ይፈላለ እዩ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “ምስ ሃዳእኩ፡ ብዙሕ ግዜ ኸምቲ ኽብሎ ደልየ ዝነበርኩ ዘይምባለይ የሐጕሰኒ እዩ” ትብል። ዋላ እውን ንሒደት ካልኢታት ስቕ እንተ ኢልካ፡ ካብ ጌጋ ዘረባ ኺሰትረካ ይኽእል እዩ።

 “ከምቲ ልሳን ንምግቢ እተስተማቕሮስ፡ እዝኒዶ ንቓላት ኣይትፍትኖን እያ፧”—እዮብ 12:11

 ነቲ ኽትብሎ ዝሓሰብካ ነገር በዚ ዚስዕብ ሕቶታት ጌርካ እንተ መርሚርካዮ፡ ካብ ብዙሕ ጓሂ ኽትስተር ኢኻ፦

  •   ሓቂ ድዩ፧ ዘይጐድእ ድዩ፧ ኣድላዪ ድዩ፧—ሮሜ 14:19

  •   ካልእ ሰብ ከምኡ እንተ ዚብለኒ ኸመይ ምተሰምዓኒ፧—ማቴዎስ 7:12

  •   ንኣረኣእያ እቲ ሰብ ዜኽብር ድዩ፧—ሮሜ 12:10

  •   ነዚ ዘረባ ንምዝራብሲ ግዜኡ ድዩ፧—መክብብ 3:7

 “ብትሕትና . . . ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።”—ፊልጲ 2:3

 እዚ ምኽሪ እዚ ብዛዕባ ኻልኦት ጽቡቕ ኣረኣእያ ኸተሕድር ኪድርኸካ እዩ፣ እዚ ድማ ብተራኡ ልሳንካ ኽትገትእን ቅድሚ ምዝራብካ ኽትሓስብን ኪሕግዘካ እዩ። ዋላ እውን ኣምሊጡካ ጐዳኢ ዘረባ እንተ ተዛሪብካ፡ ትሕትና ብቕልጡፍ ይቕረታ ንምሕታት ክትድርኸካ እያ። (ማቴዎስ 5:23, 24) ድሕሪኡ፡ ልሳንካ ብዝሓሸ ንምግራሕ ቈራጽነት ግበር።