ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታት

ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧

ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧

“ሓደ መዓልቲ ጽቡቕ ይስምዓኒ፡ ኣብ እትቕጽል መዓልቲ ኸኣ ኣዝዩ ሕማቕ ይስምዓኒ። ትማሊ ኸም ቀሊል ገይረ ዝርእዮ ዝነበርኩ ነገራት፡ ሎሚ ግና ክዋጽኣሉ ይኸብደኒ።”—ካሪሳ።

ስምዒታትካ ልክዕ ከም ሓጐጽጐጽ ዝመልኦ መገዲ ኣታውን ወጻእን ዝበዝሖ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ a ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።

 ስለምንታይ የጋጥም፧

 ኣብ ዕድመ ብጽሕና፡ ስምዒታትካ ኽብን ለጠቕን ኪብል ንቡር እዩ። ግናኸ፡ ዋላ እውን ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ዘለኻ ኽነስኻ፡ ስምዒታትካ ብሃንደበትን ብዘይተጸበኻዮ መገድን ዚቀያየር ምዃኑ ኼሰንብደካ ይኽእል እዩ።

 ነቲ ብቐጻሊ ዚቀያየር ስምዒታትካ ምርዳኡ ዜጸግመካ እንተ ዀይኑ፡ ሓያሎ ኻብዚ ስምዒታት እዚ ብምኽንያት ምልውዋጥ ሆርሞናትን ብምኽንያት እቲ ንቡር ክፋል ዕቤት ዝዀነ ሻቕሎትን ስግኣትን ዚመጽእ ምዃኑ ኣይትረስዕ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ንስምዒታትካ ኽትርድኦን ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ኸም እትኽእል ክትምሃርን ትኽእል ኢኻ።

 ክውንነት ህይወት፦ ገና መንእሰይ ከለኻ ንስምዒታትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ፡ እኹል ሰብ ምስ ኰንካ እዚ ኽእለት እዚ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ኬድልየካ እዩ።

ኣሉታዊ ስምዒታት ልክዕ ከም ኣብ ሓደ መገዲ ዘሎ ጐዳጕዲ እዩ። ክእለት ብምጥራይ፡ ካብቲ ዝኸፍአ ጐዳጕዲ ኣምሊጥካ መገድኻ ኸተጣጥሕ ትኽእል ኢኻ

 ክትገብሮ እትኽእል ሰለስተ ነገራት

 ተዛረብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 17:17

 “ከም ሓትኖይ ገይረ ዝርእያ ናይ ቀረባ ፈታዊት ስድራና ኣላ። ክዛረብ ከለኹ ጽን ኢላ ስለ እትሰምዓኒ፡ ናጻ ዀይነ እየ ስምዒተይ ዝገልጸላ። ኣረኣእያይ ቅኑዕ ኪኸውን ከሎ፡ ብኣይ ትዀርዕ እያ፣ ክጋገ ኸለኹ ኸኣ ብጽቡቕ መገዲ ትእርመኒ እያ።”ዮላንዳ።

 ምኽሪ፦ ምስቶም ከማኻ ምስ ተቐያያሪ ስምዒት ዚቃለሱ ዘለዉ ኪዀኑ ዚኽእሉ መዛኑኻ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትዘራረብ፡ ምስ ወላዲኻ ወይ ምስ እትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ተዘራረብ።

 ጽሓፍ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዮብ ኣዝዩ ምስ ጨነቖ፡ “ንመረረተይ መተንፍሶ ኽገብረሉ እየ። ብመሪር ጭንቀይ ክዛረብ እየ!” ኸም ዝበለ ይነግረና። (እዮብ 10:1) ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ካልእ ሰብ ምዝርራብካ፡ ስምዒትካ ኽትገልጸሉ እትኽእል ካልእ መገዲ፡ ብዛዕባ ስምዒታትካ ምጽሓፍ እዩ።

 “ኣብ ዝኸድክዎ፡ ንእሽቶ ጥራዝ እማላእ እየ። ዜሕርቐኒ ነገር ኬጋጥመኒ ኸሎ ኸኣ፡ ብዛዕባኡ እጽሕፍ። ምጽሓፍ ንጥዕናይ ኣዝዩ እዩ ዚጠቕመኒ።”ኤልያና።

 ምኽሪ፦ ብዛዕባ እተሰምዓካ ስምዒትን እንታይ ከም ዘለዓዓሎን ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ኸም እትኽእልን እትጽሕፈሉ መዝገብ ሓዝ። እታ ምስዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተተሓሓዘት ወረቐት ዕዮ ኸምዚ ኽትገብር ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።

 ጸሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ኪወድቕ ከቶ ኣይሓድጎን እዩ” ይብል።—መዝሙር 55:22

 “ክጭነቕ ከለኹ ብተደጋጋሚ እየ ናብ የሆዋ ዝጽሊ። ናይ ልበይ ኣውጺአ ምስ ተዛረብክዎ፡ ፍኹስ ይብለኒ እዩ።”ጃስሚን።

 ምኽሪ፦ ጭንቀት ዚስምዓካ ኽነሱ፡ ኣብ ህይወትካ ብዛዕባ ዝረኸብካዮ ኸተማስወሉ እትኽእል ሰለስተ ነገራት ሕሰብ። ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ኸለኻ፡ ኪሕግዘካ ለምኖ፣ ግናኸ፡ ስለቲ ዝረኸብካዮ በረኸት ምምስጋን እውን ኣይትረስዕ።

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዚርአ ስምዒታዊ ለውጥታት እያ እትገልጽ። ምስ ባይፖላር ዲስኦርደር ዚብሃል ሕማም ኣእምሮ ወይ ካልእ ዓይነት ጭንቀት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ነታ “ንጭንቀት ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧” (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።