ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዜጋጥመና መከራ ዚሕተተሉ ኣምላኽ ድዩ፧

ንዜጋጥመና መከራ ዚሕተተሉ ኣምላኽ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ በዚ ኸቶ ኸም ዘይሕተት ይገልጸልና። የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ መከራ ኼጋጥሞም ዕላማኡ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ዓለዉ፣ ጽቡቕን ክፉእን እውን ባዕላቶም ኪመርጹ ወሰኑ። ካብ ኣምላኽ ብምርሓቖም ከኣ፡ ሳዕቤናቱ ኺዓጽዱ ጀመሩ።

 ሎሚ፡ ንሕና ሳዕቤናት ሕማቕ ምርጫኦም ኢና እንዓጽድ ዘለና። ኰይኑ ግና፡ መከራ ደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን።

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ‘ኣምላኽ ይፍትነኒ ኣሎ’ ኣይበል” ይብል እዩ። (ያእቆብ 1:13) ንዝዀነ ሰብ፡ እንተላይ ሞገስ ኣምላኽ ንዘለዎ ሰብ መከራ ኼጋጥሞ ይኽእል እዩ።