ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ነጥበይ ሕማቕ እንተ ዀይኑ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ነጥበይ ሕማቕ እንተ ዀይኑ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

 “ገሊኦም መማህርተይ፡ ዋላ ሓንቲ መጽሓፍ ኣይሕዙን፣ እቲ መምህር እናመሃረ ድማ መስምዒ ኣብ ኣእዛኖም ወቲፎም ሙዚቃ ይሰምዑ። ደሓር ከኣ ብዘይምሕላፎም ይግረሙ። ከምዚ ኸማይ ዓይነት ተምሃሮ ድማ፡ እተኻእሎም ኵሉ ይገብሩ፣ ብዙሕ የጽንዑ፡ ኣብ መርመራ ግና ሕማቕ ነጥቢ የምጽኡ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚኸውን ግና ኣይርድኣንን እዩ። ሰሙን ምሉእ ክሳዕ ለይቲ ኣጽኒዕካ፡ ሕማቕ ነጥቢ ኸተምጽእ ከለኻ ሕማቕ እዩ ዚስምዓካ።”—ዮላንዳ።

 ንስኻኸ ኸም ዮላንዳ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ሓቂ እዩ፡ ኣብ ሓደ ትምህርቲ ወይ ኣብ ብዙሕ ትምህርትታት ሕማቕ ነጥቢ ምምጻእ፡ ተስፋ ኬቝርጸካ ይኽእል እዩ።

 ገሊኦም ኣብ ትምህርቲ ሕማቕ ነጥቢ ዜምጽኡ መንእሰያት ነቲ ነጥቦም ንምምሕያሽ ኣይጽዕሩን። ገሊኦም ድማ ጠሪሶም ትምህርቲ የቋርጹ እዮም። እዚ ዝሓሸ ኣማራጺ ይመስል ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ጸገም ክትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ኻልእ መገዲ ኣሎ። ኣብ ትምህርቲ ዝሓሸ ነጥቢ ምእንቲ ኸተምጽእ ዚሕግዘካ ሽዱሽተ ስጕምቲ እስከ ንርአ።

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ኣይተብኵር። ‘እዚ ደኣ ፍሉጥ’ ትብል ትኸውን፣ ደጋጊምካ ኻብ ትምህርቲ ምብኳር ግና ንነጥብኻ ይጸልዎ እዩ።

     “ኣብ ቤት ትምህርተይ፡ እቶም ብዛዕባ ነጥቦም ዘይግደሱ ተምሃሮ፡ ካብ ትምህርቲ የብኵሩ እዮም፣ እዚ ኸኣ ንርእሶም እዩ ዚጐድኦም።”—ማቲው።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።”—ገላትያ 6:7

  •   ጽቡቕ ጌርካ ተኸታተል። ካብ ትምህርቲ ዘይምብኳርካ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ ክፍሊ ምስ ኣቶኻ ግና ብእተኻእለካ ጽን ኢልካ ኽትሰምዕ ኣሎካ። መዘኻኸሪ ነጥብታት ጽሓፍ። መምህርካ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ኽትርዳእ ፈትን። እንተ ተፈቒዱልካ፡ ሕቶታት ሕተት።

     “ኣብ ክፍሊ ብዙሕ ሕቶታት እየ ዝሓትት፣ ምኽንያቱ፡ መምህር፡ ተምሃራዩ ከም ዘይተረድኦ እንተ ፈሊጡ፡ ነቲ ትምህርቲ ብዝሓሸ ይገልጾ እዩ።”—ኦሊቭያ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ።”—ሉቃስ 8:18

  •   ኣይትቕዳሕ። ምቕዳሕ ስርቂ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ብእተፈላለየ መገድታት ክትቀድሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ናይ ካልእ ሰብ ዕዮ ኽትቀድሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ስርቂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ እውን የብሉን።

     “ሓደ ነገር እንተ ዘይተረዲኡካ፡ ናይ ካልኦት ተምሃሮ መልሲ ኣይትቕዳሕ። ቀዲሕካ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ኣይትረክብን ኢኻ። ካብ ካልኦት ትቐድሕ እንተ ዄንካ፡ ብኸመይ ጸገማት ከም እትፈትሕ ኣይትምሃርን ኢኻ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ጽግዕተኛ ኻልኦት ምዃን ኢኻ እትምሃር።”—ጆናታን።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ . . . ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።”—ገላትያ 6:4

  •   ዕዮ ገዛ ኣቐድም። እንተ ተኻኢሉ፡ ቅድሚ ኻልእ ንጥፈታት ብፍላይ ድማ ቅድሚ ጸወታ፡ ዕዮ ገዛ ወድእ። a ዕዮ ገዛ እንተ ወዲእካ፡ ንዕረፍትኻ ብዝያዳ ባህ ኢሉካ ኸተሕልፎ ኢኻ!

     “ንዕዮ ገዛ ቐዳምነት እህብ እየ፡ እዚ ድማ ንነጥበይ ኣመሓይሽዎ እዩ። ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቝሩብ ክድቅስ ወይ ሙዚቃ ኽሰምዕ እፍተን እየ። ይኹን እምበር፡ መጀመርያ ዕዮ ገዛ እየ ዝሰርሕ፡ ድሕሪኡ እዘናጋዕ።”—ካልቪን።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ዚሓይሽ [መርምሩ]።”—ፊልጲ 1:10

  •   ሓገዝ ሕተት። ካብ ካልኦት ሓገዝ ንምቕባል ኣይትሕፈር። ንወለድኻ ምኽሪ ሕተቶም። ዝሓሸ ነጥቢ ንምርካብ፡ ካብ መምህርካ ሓገዝ ሕተት። ምናልባት ናይ ውልቂ መምህር ኪሕግዘካ ይኽእል ይኸውን።

     “ብቐጥታ ናብ መምህርካ ኺድ። ነቲ ትምህርቲ ኼረድኣካን ነጥብኻ ኸተመሓይሽ ኪሕግዘካን ሕተቶ። እቲ መምህር በቲ ኽትሓልፍ ዘሎካ ቘራጽነት ተደሪኹ፡ ኪሕግዘካ እዩ።”—ዴቪድ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም።”—ምሳሌ 15:22

  •   ንዅሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመሉ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ኣብ መርመራ ተወሳኺ ነጥቢ ምእንቲ ኽትረክብ ከም መቝሽሽ ዚውሃብ ተወሳኺ ሕቶታት ይዳሎ እዩ። ተወሳኺ ነጥብታት ዜውህበካ ዕዮ ገዛ ኽትወስድ እውን ትኽእል ትኸውን። ኣብ መርመራ እንተ ተሪፍካ፡ ነቲ መርመራ ኸም ብሓድሽ ክትወስዶ ኽትሓትት ትኽእል ትኸውን።

    ነጥብኻ ምምሕያሽ፡ መሳርሒ ሙዚቃ ምስ ምምላኽ ይመሳሰል። ጻዕሪ የድልዮ እዩ፡ ውጽኢቱ ግና ዜሐጕስ እዩ

     “ኣብ ሓደ ትምህርቲ ነጥበይ ከመሓይሽ እንተ ደልየ፡ ስጕምቲ ኽወስድ ኣሎኒ። ንመምህራነይ ተወሳኺ ነጥቢ ዜውህብ ዕዮ ገዛ እንተ ኣልዩ ወይ ድማ ነቲ መርመራ ኻልኣይ ሳዕ ክወስድ እኽእል እንተ ዀይነ እሓትቶም እየ።”—ማከንዚ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ።”—ምሳሌ 14:23

a ናይ ምጽናዕ ክእለትካ ኸተመሓይሽ ዚሕግዘካ ግብራዊ ሓሳባት ንምርካብ፡ ነታ “መንእሰያት ዚሓትትዎ—ዕዮ ገዛይ ክውድእ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።