ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ስለምንታይ እየ ኽጽሊ ዘሎኒ፧

ስለምንታይ እየ ኽጽሊ ዘሎኒ፧

 ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ 80 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ዚነብሩ መንእሰያት ይጽልዩ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ካብዚኣቶም እቶም ፍርቆም ጥራይ እዮም መዓልታዊ ዚጽልዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ጸሎት ስነ ኣእምሮኣዊ ጥቕሚ ጥራይ ድዩ ዘለዎ ወይስ ካብኡ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ፧’ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ኣየጠራጥርን እዩ።

 ጸሎት እንታይ እዩ፧

 ጸሎት ምስቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ እንገብሮ ናይ ሓቂ ርክብ እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ! የሆዋ ብዅሉ መዳይ ካብ ደቂ ሰብ ጸብለል ዝበለ እኳ እንተ ዀነ፡ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ [እዩ]።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ዚብል ዜደንቕ ዕድመ የቕርበልና እዩ።—ያእቆብ 4:8

 ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  •   ሓደ መገዲ፡ ጸሎት እዩ—እዚ፡ ንስኻ ንኣምላኽ እትዛረበሉ መገዲ እዩ።

  •   ካልእ መገዲ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ—እዚ፡ ኣምላኽ ንዓኻ “ዚዛረበሉ” መገዲ እዩ።

 ከምዚ ዝኣመሰለ ብጸሎትን ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ዚግበር ርክብ፡ ምስ ኣምላኽ ድልዱል ዕርክነት ክትምስርት ኪሕግዘካ እዩ።

 “ምስ የሆዋ ብምዝራብ ምስቲ ልዑል ኣምላኽ ዚግበር ርክብ፡ ሓደ ኻብቲ ሰባት ኪህልዎም ዚኽእል ዝዓበየ መሰል እዩ።”ጀረሚ።

 “ብጸሎት ኣቢለ ውሽጣዊ ስምዒተይ ንየሆዋ ኽነግሮ ኸለኹ፡ ናብኡ ብዝያዳ ዝቐረብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”ሚራንዳ።

 ኣምላኽ ጸሎት ይሰምዕ ድዩ፧

 ብኣምላኽ እትኣምንን ናብኡ እትጽልን ክነስኻ ግና፡ ኣምላኽ ብሓቂ ጸሎት ከም ዚሰምዕ ንዚገልጽ ሓሳብ ምቕባሉ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንየሆዋ፡ “ሰማዕ ጸሎት” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (መዝሙር 65:2) አረ ‘ንዅሉ ጭንቀትካ ናብኡ ኽትድርብዮ’ እውን ይዕድመካ እዩ። ስለምንታይ፧ ንሱ ‘ይሓልየልካ’ ስለ ዝዀነ እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:7

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንናይ ቀረባ ፈተውትኻ ኣዘውቲርካ ኸተዕልሎም ግዜ ትምድብዶ፧ ምስ ኣምላኽ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ብጸሎት ኣቢልካ ኣዘውቲርካ ጸውዓዮ፣ ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ድማ ነቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ተጠቐም። (መዝሙር 86:5-7፣ 88:9) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ከየቋረጽካ ኽትጽሊ’ እዩ ዚዕድመካ።—1 ተሰሎንቄ 5:17

 “ጸሎት ኵሉ ናይ ልበይ ዘፍስሰሉ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሰማያዊ ኣቦይን ዚግበር ዝርርብ እዩ።”ሞይሰስ።

 “ልክዕ ከምቲ ምስ ማማ ወይ ምስ ናይ ቀረባ መሓዛይ ዝገብሮ፡ ንየሆዋ ብዛዕባ እተፈላለየ ነገራት ብዕምቈት እነግሮ እየ።”ካረን።

 ብዛዕባ እንታይ ክጽሊ እኽእል፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ” ይብል።—ፊልጲ 4:6

 እሞኸ ብዛዕባ ጸገማትካ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ ማለት ድዩ፧ እወ፡ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ” ይብል።—መዝሙር 55:22

 ሓቂ እዩ፡ ኣብቲ ናብ ኣምላኽ እተቕርቦ ጸሎት ብዛዕባ ጸገማትካ ጥራይ ኣይኰንካን ክትዛረብ ዘሎካ። ቻንተል ዝስማ መንእሰይ፡ “ንየሆዋ ኺሕግዘኒ ጥራይ ዝልምኖ እንተ ዀይነ፡ ጽቡቕ ዕርክነት ኣይህልወናን እዩ። ፈለማ ኺጥቀስ ዘለዎ ምስጋና ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ፣ ዝርዝር እቲ ኣነ ዘመስግነሉ ነገራት ከኣ ንውሕ ዝበለ ኪኸውን ኣለዎ” በለት።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ህይወትካ፡ እንታይ እተመስግነሉ ነገራት ኣሎካ፧ ሎሚ ንየሆዋ ኸተመስግነሉ እትኽእል ሰለስተ ነገራት ክትሓስብ ትኽእልዶ፧

 “ጽብቕቲ ዕምባባ ከም ምድናቕ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ ጸሎት ምስጋና ኸተቕርበሉ ኺድርኸካ ይኽእል እዩ።”ኣኒታ።

 “ኣብ ፍጥረት ብዛዕባ ዚምስጠካ ነገር ወይ ብዛዕባ እትትንክፈካ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተንትን እሞ፡ ብዛዕባኡ ንየሆዋ ኣመስግኖ።”ብራያን።